ውሩይ ሰኣላይ ዶክተር ለማ ጉያ ዓሪፎም

ኢትዮጵያዊ ተወላዲ ኦሮሞ፡ ውሩይ ሰኣላይ ዶክተር ለማ ጉያ ኣብ 92 ዓመቶም ከምዝዓረፉ ኣባላት ስድርኦም ንቢቢሲ ገሊፆም።

ዶክተር ለማ: ብዘጋጠሞም ሕማም ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፃእን ይሕከሙ ከምዝነበሩ ስድርኦም ሓቢሮም።

ዶክተር ለማ: ቅብእታቶም ኣብ ቆርበት ጤል ብምድላው ናእዳ ዘትረፉ ውሩይ ስነ-ጥበባዊ ነይሮም።

ኣብቶም ዝሓለፉ 65 ዓመታት ልዕሊ 10 ሽሕ ቅብኢታት ቆርበት ዘዳለዉ እንትኾኑ፡ ቅብኢታቶም ድማ ካብ ዝተደርበዩ ተፈጥሮኣዊ ነገራት የዳልውዎም ነይሮም።

ስራሕቶም ድማ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣብ ዝርከብ ማእከል ስነ-ጥበብ የቕርቡ ነይሮም።

ኣብዚ ስርሖም ኦዳ መፍለዪ ህዝቢታት ኦሮሞ ምዃኑን፡ ዘለዎ ክብሪን የርእይ። ካብዚ ብተወሳኺ ንኢሬቻ፣ ባህላዊ ፀዋታታት እሬቻን ምስቲ በዓል ተዛማድነት ዘለዎም ባህላዊ ተግባራትን የርእይ።

ኣብ ቅድሚት ጎሊሀን ዝረኣያ በዓልቲ ፀጋ ዕድመ፡ "ኣደ ነፍሶ" ዝበሃላን ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ይነብራ ዝነበራን ወላዲት እየን። ኣብ መበል 120 ዓመተን ከምዝዓረፋ'ውን ይዝረብ።

ክቡር ዶክተር ለማ ጉያ ንደቆም ሓዊሶም ብሓፈሻ ሓሙሸተ ሰዓብቲ ኣሰሮም ከፍርዩ ክኢሎም እዮም።