ኣብ ኣዲስ ኣበባ 10 ሚሊዮን ህዝቢ ክሳተፈሉ'ዩ ዝተብሃለ በዓል ኢሬቻ

በዓል ኢሬቻ ኣብ ቢሾፍቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢሬቻ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ተኸተልቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ኦሮሞ ዝራኸብሉ በዓል'ዩ።

እዚ በዓል፤ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምኽባር ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ኮይኑ፡ እዚ ንብርክት ዝበሉ ኣባ ገዳታት ከም ዘሐጎሶም ይዝረብ።

በዚ ምኽንያት ካብ ሃረር ወረዳ ጃርሶ ከተማ ኣፍረን ቀሎ ዝተበገሰ ገዳ ነገዎ መገርሳ፡ ሓቢሮምዎ ምስ ዝተጉዓዙ ሰባት ጻዕዳ ባንዴራ ሒዞም ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

ነገዎ፡ ካብ ዝነብረላ ከተማ 10 መስከረም 2012 ተበጊሱ፡ ንትሸዓተ መዓልትን ለይትን ብእግሪ ተጓዒዞም ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

"ኢሬቻ ድሕሪ 150 ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽበር'ዩ ምስተብሃለ'የ ብእግረይ ክጉዓዝ መሪጸ" ዝበለ ነገዎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓሙሽተ ፈልሲ ከም ዝተክል ተዛሪቡ።

ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት 30 ሸሕ ፈልሲ ከም ዝተኸሉ ዝዛረብ እዚ መንእሰይ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክተክል'የ ኢሉ።

ነገዎ መገርሳ

እቲ ምድላው እንታይ ይመስል?

ብሮቡዕ፡ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኦሮሚያ፡ በዓል ኢሬቻ ብድሙቕ ኩነታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምኽባር ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ተገይሩ'ሎ ኢሉ።

እዚ ብዓል ድሕሪ 150 ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመጀመርታ ግዜ ዝኽበር ዘሎ ኮይኑ፡ ስነስርዓት ኢሬፌና [ስርዓት ምቕራብ ምስጋና]፡ ኣብ ከባቢ 'ፍል ውሃ' ከም ዝፍጸም ድማ ሓቢሩ።

ተወከልቲ ኩለን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ክሳተፉ'ዮም ተባሂሉ ኣሎ።

ኣብ ድሮ እዚ በዓል [23 መስከረም 2012]፡ 4ሽሕ ሜትሮ ንውሓቱ ጭኮ( ካብ ጠስምን ስገምን ዝስራሕ ባህላዊ መግቢኡ ኦሮሞ )፣ ሙዚቃ ከምኡ'ውን ባህላዊ ሳዕስዒት ህዝቢ ሲዳማ ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ክህልው'ዮም።

ባህላዊ ክዳን ሲዳማ ዝተኸደኑ መናእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Akalu Tsegaayee [SMN]

ኣብዚ በዓል 10 ሚሊዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ክሳተፍ'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት እንትግበር፡ ሰላማዊ ኮይኑ ንክዛዘም፡ ካብ 15 ሽሕ ክሳብ 20 ሽሕ ዝኮኑ መናእሰይ፡ ጸጥታ ናይ ምክባር ስራሕቲ ክሰርሑ ምድላው ተገይሩ'ሎ።

ትማሊ፡ በዓል ኢሬቻ እንታይ'ዩ? ዝብል ፎሮም እንትካየድ፡ ኣብቲ ፎረም ዝተረኸበት ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ወይዘሮ ሂሩት ካሳው፡ "ባህሊ ብሄር ብሄረሰባት እንድሕር ዘየለ፡ ባህሊ ኢትዮጵያ ዝበሃል ኣይህልውን" ኢላ።

4000 ሜትር ቁመቱ ጭኮ

ወናኒ ካፌ ኣራዳ ኢንተርናሽናል ኣቶ ድንቡ ዓብደላ፡ ነዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር፡ 'እቲ ዝነውሐ' ዝተብሃለ ጭኮ ኣዳልዩ።

"ባህላዊ መግቢ እዚ ህዝቢ እንታይ'ዩ? ብምንታይ ይፍለጥ? ኢልና ዝርዝር ሓሙሽተ ባህላዊ መግብታት ምስ ኣነጸርና፡ ጭኮ ኣብ እዋን ኲናት ከም ስንቂ ተቛጺሩ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ንዕኡ መሪጽና" ኢሉ።

እዚ 4 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ጭኮ ንምድላው 49 ኩንታል ስገም፣ 3538 ኪሎ ግራም ጠስሚ ተጠቒምና ኢና ይብል።

ኣብ መዓልቲ፡ 300 ሜትሮ ዝኸውን ጭኮ ይስራሕ ነይሩ ዝብል ኣቶ ድንቡ፡ 18 ሰባት ኮይኖም ኣብ ውሽጢ 29 መዓልታት ከም ዝሰርሑዎ ሓቢሩ።

አቶ ድንቡ አብደላ፡ ነቲ በዓል ዝተዳለወ ጭኮ እናርኣየ

እዚ ነዊሕ ጭኮ፡ ኣብ መዝገብ ክብረ ወሰን ዓለም ንምምዝጋብ ከም ዝሓሰበ ዝዛረብ እዚ በዓል ሃብቲ፡ መንግስቲ ወጻኢ ሸፊኑ ንዕዱማት ብነጻ ዘየቕርብ እንተኾይኑ፡ ብተመጣጣኒ ዋጋ ንምሻጥ ከም ዝተሓሰበ ሓቢሩ።

ባንዲራ ኢሬቻ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮነ ቢሾፍቱ ኣብ ዝበዓል ኢሬቻ፡ ካብ ኣርማ ኣባ ገዳ ወጻእ ናይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣርማ ሒዝካ ምውጻእ ከም ዘይፍቀድ መተሓባበሪ ኮሚቴን ኣባ ገዳ ቱሉ ለማን ጎበና ሆላ ተዛሪቦም።

እቶም ኣርማታት ምክንያት ጎንጺ ከይኾኑን፡ ኢሬቻ ልዕሊ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ስለ ዝኾነ ምትሕውዋስ ንከይፍጠር'ዩ እውን ኢሎም።

ቅድም ኢሉ፡ ኣርባ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ [ኦነግ] ምልክት ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ እቲ ክልል ተገይሩ ይውሰድ። ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ቢሾፍቱ ዝካየድ ዝነበረ በዓል ኢሬቻ ተኸልኺሉ እናሃለወ ሒዙ ዝተረኽበ ውልቀሰብ ብሕጊ ይሕተት ነይሩ።

ተሳተፍቲ እቲ በዓል ግን፡ እዚ ኣርማ ሒዞም ከይወጽኡ ስለ ዝተኸልኸሉ ሕጉሳት ከም ዘይኾኑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።