ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ስጳኛዊት ደሴት ካናሪ ይውሕዙ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ብዙሓት ስደተኛታት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ናብ ናይ ስፔን (ስጳኛ) ደሴት ካናሪ ይውሕዙ ምህላዎም ዓለማዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ጥራይ 1 ሽሕ ስደተኛታት ናብ’ታ ደሴት ከምዝኣተዉ ዘፍለጠ ቀይሕ መስቀል፡ እዚ ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ እዩ ኢሉ።
ኣብ’ታ ደሴት ዑደት ዝገበረ ሚኒስተር ጉዳይ ስደተኛታት ስፔን ሉይስ ኤስክሪቫ “ዝተዋደደ ግብረ መልሲ ክንህበሉ ኢና” ክብል ተመጻቢዑ።
እዚ ካብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ናብ ኣውሮጳ ዘብጽሕ መስመር ስደት፡ ካብ 2018 ጀሚሩ እዩ ዝያዳ ክዝውተር ጀሚሩ።
ቅድም ክብል ብዙሕ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝተርኣየ ኣብ 2006 ኮይኑ፡ 35 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ገማግም ስፔን ከምዝኣተዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሴኔጋል ዝብገሱ ብዙሓት ስደተኛታት፡ ልዕሊ 1600 ኪሎ ሜትር ኣብ ባሕሪ ይጓዓዙ። ኣብ’ዚ ሰሙን ጥራይ፡ 186 ስደተኛተት ዝጸዓና ጃላቡ ብሓይሊ ባሕሪ ሴኔጋል ከምዝተትሓዛ ወኪል ዜና ፈረንሳይ ጸብጺቡ እዩ።
እቶም ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ናብ ደሴት ካናሪ ዝኣተዉ ስደተኛታት’ውን ካብ ሰኔጋልን ጋምብያን ከምዝኾኑ ይግለጽ።
እቶም ካብ ብሓሙስ ጀሚሮም ናብ ስፔን ክኣትዉ ዝጀመሩ ስደተኛታት፡ ብ 37 ጃላቡ ተጻዒኖም ናብ’ታ ደሴት ከምዝኣተዉ፡ መደብር ዜና ስፔን ኢኤፍኡ ጸብጺቡ’ሎ።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ስፔን ድማ፡ ነቶም ስደተኛታት ግዚያዊ መጽለሊ ሂቡ የናብዮም ኣሎ።
ብጀካ ገለ ቀሊል ሕማማት፡ እቶም ስደተኛታት ሙሉእ ጥዕና ዘለዎም እዮም ኢሉ ቀይሕ መስቀል። ምርመራ ኮሮናቫይረስ’ውን ተገይሩሎም ኣሎ።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ፡ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ስደተኛታት ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተበጊሶም ናብ ደሴተት ካናሪ ኣትዮም እዮም።
እዚ ድማ፡ ምስ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ፡ 600 ምኢታዊት እዩ ወሲኹ።
ኣብ’ዚ ዓመት እዚ፡ ናብ ካናሪ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 250 ስደተኛታት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ’ውን ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት (ኣይኦኤም) ይገልጽ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







