ግሪኽ ንሞሪያ ዝትክእ ቀዋሚ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ሌስቦስ ክትሃንጽ'ያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ግሪክ፡ እቲ ብዝሓለፈ ሰሙን ዝዓነወ መዓስከር ስደተኛታት ንምትካእ ኣብ ደሴት ሌስቦስ መቐበሊ ማእከል ስደተኛታት ክትሃንጽ ምዃና ገሊጻ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ክሪያኮስ ሞስሶታኪስ እቲ ሓድሽ ማእከል ኣተኣላልያ ናብታ ሃገር ዝኣትው ስደተኛታት ዝምልከት ፖሊስ ንምኽላስ ክሕግዝ'ዩ ኢሉ።
እቲ ልዕሊ ክሕዞ ዝግባእ ስደተኛታት ኣዕቚቡ ዝጸንሐ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ዝሓለፈ ሰሙን ክቃጸል እንከሎ፡ ልዕሊ 12 ሽሕ ስደተኛታት ብዘይ መዕረፍን ግቡእ ቐረባትን ተሪፎም'ዮም።
እቶም ስደተኛታት ድሕሪ ምዕናው ሞርያ ካልእ መዓስከር ክህነጽ'ዩ ዝብል መደብ ብምቅዋም፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ክጣየሱ ከም ዝደልዩ'ዮም ዝገልጹ።
ነበርቲ ሌስቦስ ብወገኖም ህንጸት እቲ ቀዋሚ መዓስከር ክቃወሙ ከለው፡ ኣብ ንኡሽቶ ደሴት ካልእ መዓስከር ክህሉ ምግባር ሸኽሚ'ዩ ይብሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ግሪክ ግን፡ "ኣብ ሞሪያ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ከም ጸጋ ክንሪኦ ይግባእ። ቀዳማይ ነገር፡ ኤውሮጳ ምስ ግሪክ ንክትሓብርን ሓደ ዓይነት ፖሊሲ ሓተትቲ ዕቑባን ስደትን ክህሉ ዝገብር ዕድል ኣለዎ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እንታይ ዓይነት ፖሊሲ'ዩ ጸኒሑ?
ብብዝሒ ናብ ኤውሮጳ [ብቐንዱ ናብ ጥልያንን ግሪኽን] ዝኣትው ስደተኛታት ከመይ ንሓዞም ዝብል ብቐንዱ ንዓመታት ኤውሮጳ ዝኸፋፈለ ጉዳይ'ዩ።
ክልቲአን ሃገራት፡ ሃፋታም ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ ዚያዳ ሓገዝ ኣብ ምግባር ሰኒፈን'የን ክብላ ይነቕፋ።
ማእከላይን ምብራቕን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ድማ ስደኛታት ብኮታ ምቕባል ዝብል ሓሳብ ፈጺመን ኣይቕበልኦን።
መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ድማ፡ 3 ሽሕ ስደተኛታትን ዕቑባትን ክሕዝ ተባሂሉ'ኳ እንተተሃነጸ ክሳብ ሕጂ ግን ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት ሒዙ ጸኒሑ።
መብዛሕትኦም ኣፍጋኒስታናውያን ዝኾኑ ካብ 70 ሃገራት ዝመጽኡ ስደተኛታት ድማ ኣብቲ ቦታ ጸኒሖም።
ብሰሉስ ኣብ ሰለስተ ቦታታት ብዘጋጠመ ባርዕ ግን እዚ መዓስከር ዓንዩ።
እቲ ሓዊ ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከር ዝነብሩ 35 ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ዝብል ሓበሬታ ምስተሰምዐ ድሕሪ ሰዓታት'ዩ ተላዒሉ።
ካብ ሮቡዕ ጀሚሩ ድማ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኣብ ማእከል ጽርግያን ጎልጎል መሬትን ይድቅሱ ነይሮም።
ብዓርቢ ንጀርመን ሐዊሱ፡ 10 ሃገራት ኤውሮጳ ኣብቲ መዓስከር ዝነብሩ ዝነበሩ 400 ናባዪ ዘይብሎም ስደተኛታት ክወስዳ ከም ዝተሰማምዓ ገሊጻ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







