ኣብ ግሪኽ 13 ሽሕ ስደተኛታት ብዘይመዕቆቢ ከምዝተረፉ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ግሪኽ ደሴት ለዝቦስ ዝርከብ ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ብባርዕ ሓዊ ድሕሪ ምህማኹ ከባቢ 13 ሽሕ ስደተኛታት ብዘይመዕቆቢ ከምዝተረፉ ተገሊጹ።
እቶም ኣብቲ መዓስከር ዝነበሩ ስደተኛታት ብምልኦም ካብቲ መዓስከር ናብ ካልእ ቦታ ከምዝግዓዙን፡ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ዘጋጠመ ሞት ከምዘየለን እዩ ዝሕበር ዘሎ።
ብውሑድ 40 ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓውን 10 መካይን መጥፋእቲ ሓውን፡ ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ኣብ ምርብራብ ከምዘለዉ ተገሊጹ።
ክሳብ ሕጂ ጠንቂ ናይቲ ባርዕ እንታይ ምዃኑ ኣይተገለጸን ዘሎ፡ እንተኾነ ኣብታ ደሴት ብርቱዕ ንፋስ ከምዘሎን፡ ኣብ ክልተ ቦታታት ባርዕ ጫካ ኣጋጢሙ ምንባሩን ግን ተገሊጹ።
መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ካብቲ ክሕዞ ዝግብኦ ብዝሒ ስደተኛታት ኣርባዕተ ዕጽፊ ሒዙ ከምዘሎን፡ ኣብዚ እዋን 13 ሸሕ ስደተኛታት ኣብቲ መዓስከር ከምዝነበሩ እዩ ዝፍለጥ።
ምክትል ኣመሓዳሪ ደሴት ለዝቦስ ኣሪስ ሃዝኮምኒኒስ፡ እቲ መዓስከር ስደተኛታት ምሉእ ንምሉእ ከምዝዓነወ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒሰትር ግሪኽ ክርያኪኦስ ሚትሶታኪስ ነቲ ባርዕ ኣመልኪቱ ብኣቆጻጽራ ግሪኽ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቃን ኣኼባ ከምዘካይድ ገሊጹ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?
ኣብቲ ደሴት ዝነብር ሓደ ውልቀ ሰብ እቲ መዓስከር ስደተኛታት ምሉእ ንምሉእ ከምዝዓነወ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ታናሲስ ቮልጋራኪስ ዝተብሃለ ነባሪ ደሴት ለዝቦስ “በቲ ዘሎ ናይ ባርዕ ብርሃን፡ ውሑዳት ቴንዳታት’የን ዝርኣያኒ ዘለዋ፡ ከምዚ ዝርእዮ ዘለኹ እዚ መዓስከር ስደተኛታት ዝተረፎ የብሉን” ኢሉ።
እቲ መዓስከር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከር ዝነብሩ 35 ስደተኛታት ኮሮናቫይረስ ምስ ተረኸቦም ምሉእ ንምሉእ ኩሉ ሰብ ተወሽቡ’ዩ ጸኒሑ።
ፖሊስ ግሪኽ ካብቲ ባርዕ ሃዲሞም ናብ ወደባዊት ከተማ ምይተሊን ዘምርሑ ዝነበሩ ስደተኛታት ከምዝዓገትዎም’ውን፡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ከንቲባ እታ ከተማ ንራድዩ ግሪኸ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣዝዩ ከቢድ ክስተት እዩ፡ ካብቶም ካብቲ ባርዕ ሃዲሞም ናብዛ ከተማና ክኣትዉ ዝሓሰቡ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ክህልውዎም ይኽእሉ እዮም፡ ኣዝዩ ጥንቁቕ ኣተሓሕዛ ክግበረሉ ዘለዎ ነገር’ዩ ኣጋጢሙ ዘሎ”ኢሉ።
ሚ ለስቪኦስ ዝተብገሃለ ነቶም ስደተኛታት ሓገዝ ዘበርክት ገባሪ ሰናይ ትካል፡ እቶም ካብ ባርዕ ሃዲሞም ፋሕ ፋሕ ዝበሉ ስደተኛታት፡ ኣብ ገለ ገለ ገጠራት እቶም ነበርቲ ንዓዶም ኣቋሪጾም ከይሓልፉ ከምዝኸልከልዎም ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ገሊጹ ኣሎ።
ሚኒተስተር ስደተኛታት ግሪኽ ማበኖስ ሎጎተቲስ ንማዕከን ዜና ኤኤንኤ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እቲ ኣብ መዓስከር ሞርያ ኣጋጢሙ ዘሎ ባርዕ ኣዝዩ ኣዕናዊ እዩ” ብምባል፡ ናብኡ የምርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







