ኣብ ቤይሩት "ዝተደርበያ" ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት

ኣብ ሊባኖስ ከተማ ቤይሩት፡ ልዕሊ 100 ዝኾና ኢትዮጵያውያን ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ኣፍ ደገ ኢምባሲ ኢትዮጵያ "ተደርብየን" ኣለዋ።
ነተን ሰራሕተኛታት ገዛ፡ ቆጸርተን ዝነበሩ ሰባት እዮም ብመኪና እናምጽኡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ኤምባሲ ገዲፎምወን ዝምለሱ ዘለዉ።
እተን መዋጽኦ ዝሰኣና ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ኣፍደገ ዕጹው ቤት ጽሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጎደና ምሕዳር ካብ ዝጅምራ ኣስታት 3 ሰሙን ሓሊፉወን ኣሎ።
ገለ ካብተን ሰራሕተኛታት፡ ንኣዋርሕ መሃየአን ዘይተኸፈላ እየን። ገሊአን ድማ፡ ዝቕይረኦ ክዳን እኳ የብለንን።
ሎሚ እትበሃል ሓንቲ ካብተን ኣብ ኣፍደገ ኢምባሲ ኢትዮጵያ ተደርብየን ዘለዋ ሰራሕተኛታት "ካብ ዓድና እዮም ደኣ ኣምጺኦምና'ምበር ካብ እንዳ ጎሓፍ ኣይረኸቡናን። ግድን ናብ ሃገርና ክንምለስ ይግባእ። ከም ጎሓፍ ኣብዚ ኣምጺኦም ክድርብዩና እንታይ ማለት እዩ?" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ትዕግስቲ መስፍን እትበሃል ወለንተኛ ኸኣ፡ እቲ ኤምባሲ ነተን ሰራሕተኛታት ከዕቁብ እናኸኣለ ማዕጾኡ ሃርሂሩ ስቕ ምባሉ ግቡእ ከምዘይኮነ ተዛሪባ።
"ዘይከፍትዎ እንታይ እዮም ኾይኖም? እዚ ጌጋ እዩ" ኢላ።
ኣብ ሊባኖስ ሓያል ቁጠባዊ ቅልውላው እዩ ኣጋጢሙ ዘሎ። ኣብ ልዕሊኡ፡ ኣብታ ንልዕሊ 7 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ተቓውሞን ናዕብን ኣጋጢሙ እዩ።
ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተወሲኽዎ። በዚ ምኽንያት ኸኣ፡ እቲ ቅልውላው ክዓርግ ክኢሉ።
ናይ ሊባኖስ ባጤራ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሽድሽተ ኣዋርሕ 70 ሚኢታዊት ዋግኡ ነክዩ'ሎ።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ማእከላይ ናብራ ዝነበሮም ሊባኖሳውያን፡ ንሰራሕተኛታት ገዝኦም ክኸፍሉ ከምዘይክእሉ እዮም ዝገልጹ ዘለዉ።
ኣብ ሊባኖስ ዝነበራ ናይ ገዛ ሰራሕተኛተት ቀደሙ'ውን እንተኾነ መሰላተን ከምዘይክበረለን፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ዓመታዊ ኮነ ሰሙናዊ ዕረፍቲ'ኳ ከምዘይረኽባ እዩ ዝግለጽ። መዓልታዊ ዝሽቅላሉ ሰዓታት'ውን ነዊሕ እዩ።
ብዛዕባ'ዚ ንቢቢሲ ሓሳባ ዘካፈለት ተሓላቒት መሰላት ፋራህ ሳልካ "እዚ ዘበናዊ ባርነት እዩ" ክትብል ገሊጻቶ።
ኣብ ጉዳይ እዘን ኣብ ጎደና ተደርብየን ዘለዋ ኢትዮጵያውያን ርእይቶኡ ክህብ ዝተሓተተ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ መልሲ ኣይሃበን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







