አርሜንያን አዘርባጃንን ተዅሲ ከቋርጻ ተሰማሚዐን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንቲ ብሰንኪ እጀታ ግዝኣት ናጎርኖ-ካራባህ ኣብ ከቢድ ኩናት ዝቐነያ አርሜንያን አዘርባጃንን ሎሚ ቀዳም ፍርቂ ለይቲ ዝጅምር ናይ ተኹሲ ምቁራጽ ስምምዕ ፈሪመን - ምሩኻት እውን ክለዋወጣ እየን።
ኣብቲ ኩናት ዝሞቱ ሬሳታተን ክልለዩን ብወግዒ ሓመድ ኣዳም ክለብሱን እውን እዮም።
ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ አዘርባጃንን ኣርሜነያን ኣብ ሞስኮ ን10 ሰዓታት ድሕሪ ምዝርራብ እዮም ኣብቲ ስምምዕ በጺሖም።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ሩስያ ንኽልቲአን ሃገራት ኣላዚባ፡ ግዝያዊ ናይ ተዅሲ ምቁራጽ ስምምዕ ክገብራ ምኽኣለን ከምዘሐጎሳ ገሊጹ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ብዘካየደኦ ኩናት ብውሕዱ 300 ወተሃደራት ኣጥፊአን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታተን እውን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም እዮም።
እቲ ኩናት ኣብ ኣዘርባጃን ብእትርከብ ናጎርኖ ካራባህን እተባህለት ግዝኣት ዝተላዕለ እዩ። ናጎርኖ ካራባህን ኣብ ግዝኣት አዘርባጃን ትርከብ ኮይና ዝበዝሑ ነበርታ ግን ኣርመናውያን እዮም። ብተወለድቲ ኣርመንያ ከኣ እዩ ዝመሓደር። ብደገፍ ኣርመንያ ንነብሶም ከም ናጻ ግዝኣት እዮም ዝቖጽሩዋ።
ይኹን እምበር ማሕበረ ሰብ ዓለም ሕቡራት ሃገራትን ናጎርኖ ካራባህን ኣካል ግዝኣት ኣዘርባጃን ምዃኑን ኣብ ሃገረ ኣዘርባጃን ከምዝርከብ እዩ ዝፈልጥ። ክልቲአን ሃገራት ኣርሜኒያን ኣዘርባጃንን ኣካል ሪፐብሊክ ሕብረት ሶቭየት እየን ነይረን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሩሲያ ኣብ ኣርመንያ ወተሃደራዊ መዓስከር እኳ እንተለዋ ምስ ኣዘርባጃን እውን ጽቡቕ ርክብ ኣለዋ። ቱርኪ እውን ብወገና ነታ ብዓሌትን ሃይማኖትን እትቀራረባ ኣዘርባጃን ምሉእ ዘይጉዱል ደገፍ ሂባ እያ።
በዚ ምኽንያት እቲ ኩናት ካብ ኣዘርባጃንን አርሜንያን ሰጊሩ፡ ንሩስያን ኢራንን ቱርክን ከይጽንብር ስግኣት ፈጢሩ ጸኒሑ እዩ። እቲ ናይ ሳምንታት ኩናት ንኣስታት ፍርቂ ብዝሒ ህዝቢ እቲ ግዝኣት፡ ን70ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሉዎም።
እዘን ክልተ ሃገራት ኣርሜንያን ኣዘርባጃንን ሕጂ ንፈለማየን ኣይኮናን ዝዋግኣ ዘለዋ። ኣብ 1988 ንሽዱሸተ ዓመት ዝቐጸለ ኩናት ኣካይደን ነይረን እየን።
ሽዑ እውን ብስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ እየን ተፈላልየን እምበር ነቲ ዘሰሓሕበን ዘሎ ግዝኣት ኖጎርኖ ካራባህ መዓልቦ ኣይገበራሉን። ሕጂ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ከኣ ዳግማይ ተዋጊአን።
ኣዘርባጃን ኣስታት 10 ሚሊዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ብነዳዲ ካብ ዝሃብተማ ሃገራት እያ። እታ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ዘይብላ ኣርሜኒያ ከኣ ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ጥራሕ እዩ ዘለዋ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







