ሂወት 9 ደቂ-ኣንስትዮ ዝቐዘፈ ዕሉል ናይጀርያዊ ቀታሊ ክሕነቕ ተፈሪዱ

ግሬሼስ ዴቪድ-ዌስት ምስ ኣባላት ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, Joshua Ezedike

መግለጺ ስእሊ, ኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝብልዎ፡ ወዲ 40 ዓመት ግሬሼስ ዴቪድ-ዌስት፡ ነተን ግዳያት ናብ ሆቴል ብምውሳድ ሓኒቑ'ዩ ዝቐትለን ነይሩ

ሓደ ን9 ደቂ ኣንስትዮ ዝቐተለ ናይጀርያዊ ገበነኛ ኣብ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሃርኮርት ንሞት ተፈሪዱ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝብልዎ፡ ወዲ 40 ዓመት ግሬሼስ ዴቪድ-ዌስት፡ ነተን ግዳያት ናብ ሆቴል ብምውሳድ ሓኒቑ'ዩ ዝቐትለን ነይሩ።

እቲ ቀታሊ፡ ካብ ሓምለ ክሳብ መስከረም 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን'ዩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይጀርያ ነቲ ገበን ፈጺምዎ።

ኣብታ ሃገር፡ ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸም ንቡር ኣይኮነን- እቲ ዝደሓረ ፍጻመ ናይቶም ኣብ 2016 ዝተቐትሉ ሰለስተ ሰባት ጥራይ'ዩ ነይሩ።

ሓንቲ ካብ ግዳያቱ ብሂወት'ኳ ክትድሕን እንተኸኣለት፡ ኣብቲ ናይ ፍርዲ መስርሕ ግን ምስክርነታ ኣይሃበትን። ዋላ'ኳ ካብቲ እትነብረሉ ዞባ ከይትወጽእ እንተ ተነግራ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣበይ ከምዘላ ከምዘይፍለጥ ሰብመዚ ገሊጾም።

ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ናይታ ውልቀሰብ ጉዳይ'ውን ብፈተነ ቅትለት ገበነኛ ኮይኑ ረኺብዎ'ዩ።

እቲ ቀታሊ፡ ዋላ'ኳ ካልኦት 6 ደቂ-ኣንስትዮ ከምዝቐተለ'ውን እንተ ተኣመነ፡ ጭብጢ ብዘይምርካቡ ብዛዕብኡ ክሲ ኣይቀረበሉን።

ሰብመዚ ከምዝገለጽዎ፡ እተን ግዳያት ዝተቐትላሉ ኣገባብ ተመሳሳሊ'ዩ። ምስተን ግዳያት ጾታዊ ርክብ ድሕሪ ምፍጻም፡ ኣእጋረንን ኣእዳወንን ብዝተቐደ ጻዕዳ ኣንሶላ ይኣስረን ከምዝነበረ ጠቒሶም።

ብዝተቐደ ጨርቂ ኣንሶላ ሓኒቑ ከምዝቐተለን'ውን ኣብቲ ቤት ፍርዲ ተገሊጹ።

ዝበዝሓ ካብተን ግዳያት ፋይቶት ምዃነን ይፍለጥ።

ብኸመይ'ዩ ክትሓዝ ኪኢሉ?

ኣብ መጀመርታ፡ ብዘይ ሕጋዊ ጠበቓ ኣብ ዝተሓተተሉ ዴቪድ-ዌስት ዝፈጸሞ ገበናት ተኣሚኑ ነይሩ'ዩ። ዳኛ ቤት ፍርዲ ግና፡ "ንክብደት ናይቲ ገበን" ኣብ ግምት ብምእታው ብመስርሕ ቤት ፍርዲ ክሓልፍ ወሲኑ።

ዝተቖጥዑ ዜጋታት ከተማ ፖርት ሃርኮርት ተቃውሞ እናስምዓ
መግለጺ ስእሊ, በቲ ቅትለታት ዝተቖጥዑ ዜጋታት ከተማ ፖርት ሃርኮርት፡ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ሰብመዚ ነቲ ቅትለት ደው ከብልዎ ጠሊቦም

ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ዝምልከቶም ሰብመዚ፡ ካልኦት ተሓባበርቲ ክህልውዎ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ጥርጣረ ነይሩዎም። ይኹን እምበር ነዚ ዝድግፍ ጭብጢ ኣይረኸቡን።

ኣብ መስከረም ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ቅትለት ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ በቲ ቅትለታት ዝተቖጥዑ ዜጋታት ከተማ ፖርት ሃርኮርት፡ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ሰብመዚ ነቲ ቅትለት ደው ከብልዎ ጠሊቦም።

ኣብ 19 መስከረም ድማ፡ ካብታ ከተማ ክወጽእ ኣብ ዝፈተነሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እቲ ገበነኛ፡ ካብ ሓደ ሆቴል ክወጽእ እንከሎ ዘርኢ ናይ 'ሲሲቲቪ' ስእሊ ምስ ተዘርገሐ፡ ቀልጢፉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተላቢዑ።

ብድሕሪ'ዚ፡ ኣባላት ጸጥታ፡ ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ተሰቒሉ ናብ ካልእ ከባቢ ክኸይድ 45 ደቒቕ ምስ ተጓዕዘ ኣርኪቦም ሓዞሞ።

ፖሊስ ከምዝበሎ፡ እቲ ገበነኛ ኣባል ናይ ሓደ 'ደይ ባም' ዝተባህለ ብቕዲ ማፍያ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ገበነኛት እዩ ነይሩ። እቲ ጉጅለ ኣካል ናይቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዕጡቓት ተቓወምቲ መንግስቲ ዝነበረ'ዩ።

ነተን ግዳያት ንምቕታል፡ ግልል ዝበሉ ሕሱራትን ካሜራታት ዘይብሎምን ሆቴላት ይመርጽ ነይሩ።

እተን ግዳያት ከመይ ዝበላ'የን?

እተን ግዳያት፡ ማውሪን ኢዉሩ፡ ጀኒፈር ዎኮቻ፡ ሊንዳ ዋሪፓ፡ ብለሲንግ ኢፊዮንግ፡ ሮዝ ሳሙኤል፡ ከለቺ ብሪጂት ኦኑዎሃ፡ ፔሸንስ ሃሞን ኣንቶኒያ ኢበን ብዝብል ኣስማት ዝጽውዓ'የን።

ብዘካ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ፍርዳዊ መስርሕ ዝተቐልቀለ ኣቦኣ ንሓንቲ ካብኣተን፡ ቤተሰብን መሓዙትን ናይተን ግዳያት ኣብቲ ቤትፍርዲ ከምዘይተረኽቡ፡ ወኪል ቢቢሲ ሓቢራ።

ዝበዝሓ ካብተን ግዳያት ፋይቶት ምዃነን ይፍለጥ።

ሆቴል
መግለጺ ስእሊ, ነተን ግዳያት ንምቕታል፡ ግልል ዝበሉ ሕሱራትን ካሜራታት ዘይብሎምን ሆቴላት ይመርጽ ነይሩ።

"ከምዛ ዋላሓደ ሰብን ኣድራሻን ዘይበለን፡ መለለዪ ዘይብለን ዓይነት'ዩ ነይሩ" ትብል ካሪና ኢጎኒኮን።

መርመርቲ ከምዝብልዎ፡ እቲ ቀታሊ፡ ንግዳያቱ ወታሃደራዊ መኮንን ተመሲሉ፡ ብዙሕ ገንዘብ ክህበን ምዃኑ እናታለለ'ዩ ናብቲ ሆቴል ዝወስደን ነይሩ።

ሓንቲ ካብኣተን፡ መዓልቲ ልደታ ንምብዓል ካብ ንግዳዊት ከተማ ናይጀርያ ዝኾነት ሌጎስ ምስ ከደት ከም ዝተቐትለት ጸብጻባት ሓቢሮም።

"ኣብቲ ኣዕሪፋትሉ ዝነበረት ሆቴል'ዮም ተራኺቦም። መስተ ሰትዮም ቁጽሪ ቴለፎን ተለዋዊጦም ከይዶም። ሞታ ከኣ ሽዓ ምሸት ረኺባቶ" ክብል ሓደ መርማሪ ፖሊስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ገበነኛ፡ ነተን ግዳያት ቅድሚ ምቕታሉ፡ ከየእውያ ብካራ ከምዘፈራርሐን ፖሊስ ይገልጹ።

"እተን ግዳያት ዕርቃነን ወጺአን፡ ኣብ ኣእጋረን፡ ቅልጽመንን ክሳደንን ብጻዕዳ ጨርቂ ተኣሲረን ኢና ረኺብናየን።

"ዋላ'ኳ ርጉጽ መርትዖ እንተዘይተረኽበ፡ ናብ እምነት ዝተሓወሶ ኣገባብ ቅትለት ዘመልክት'ዩ፡ ኣነ ብውልቀይ ከምኡ ምዃኑ'የ ዝኣምን" ይብል መርማሪ ኤከህ።

እታ እንኮ ካብተን ዘይምሕራ ኣእዳው ናይቲ ቀታሊ ዘምለጠት ጓል 23 በኒታ ኤቲም፡ ሓደ ለይቲ ምስ ተራኸቡ ካብ ሞት ዝደሓነት'ያ።

እታ ፋይቶት ዝነበረት በኒታ፡ ኣብቲ ናይ ፍርዲ መስርሕ ግን ምስክርነታ ኣይሃበትን። ዋላ'ኳ ካብቲ እትነብረሉ ዞባ ከይትወጽእ እንተ ተነግራ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣበይ ከምዘላ ከምዘይፍለጥ ሰብመዚ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ግን፡ ብ18 ነሓሰ 2019 ከምዝረኸበቶን፡ ተተሓሒዞም ናብ ሓደ ሆቴል ምስ ከዱ፡ ብሓይሊ ድሕሪ ምዕማጹ፡ ብኻራ ከምዘፈራርሓን ምስ መንበር ከምዝኣሰራን ተዛሪባ ነይራ።

"ነቲ ናይ ዓራት ኣንሶላ ኣቕጢኑ ቀዲዱ፡ ኣእጋረይን ኣእዳወይን ኣሲሩኒ፡ ካልእ ጭርቂ ጌሩ ድማ ኣፈይ ኣሲሩኒ።

"ኡይ'ኳ እንተበልኩ፡ ቴለቪዥን ዓው ስለዘበላን፡ ኣብ ጥቓ'ቲ ክፍሊ ናይ መብራህቲ ጀነሬተር ስለዝነበረትን ዝሰምዓኒ ኣይረኸብኩን" ኢላ።

"ከይቀትለኒ ለሚነዮ"

ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ቴለፎና ሒዙ ጥራይ ምስ ወጸ፡ ካልኣይ ኣይተመልሰን።

ንጽባሒቱ፡ ከም ገለ ገይራ ኣብ ኣፋ ዝነበረ ጨርቂ ፈቲሓ ኡይ ምስ በለት፡ ሰራሕተኛታት ናይቲ ሆቴል መጺኦም ገላጊሎማ።