ህንዲ፡ ጸታዊ ዓመጽን መቕተልትን ዝፈጸሙ ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮ ብማሕነቕቲ ተቐቲሎም

ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ህንዲ ጾታዊ ኣመጽ ዝፍጽሙ ሰባት ብማሕነቕቲ ክቕጽዑ ይጠልቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ህንዲ ጾታዊ ኣመጽ ዝፍጽሙ ሰባት ብማሕነቕቲ ክቕጽዑ ይጠልቡ

ኣብ 2012፡ ኣብ ደልሂ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ተመሃሪት ጾታዊ ዓመጽን ቕትለትን ዝፈጸሙ ኣርባዕተ ህንዳውያን ደቂ ተባዕትዮ ብማሕነቕቲ ተቐቲሎም።

ኣክሻይ ታኩር፣ ቪናይ ሻርማና፣ ፓዋን ጉፕታን ሙኬሽ ሳይን፡ ብ2013 ቤት ፍርዲ ንሕልፈት ፈሪዱዎም ዝነበሩ'ዮም።

ኣብ ህንዲ ካብ 2015 ጀሚሩ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ገበነኛታት ብማሕነቕቲ ክቕተሉ እዚ ናይ ፈለማ እዋን'ዩ።

እዞም ኣርባዕተ ሰብኡት ብጉጅለ ብምዃን ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ነቲ ገበን ከምዝፈጸምዎ ኣብቲ እዋን ተረጋጊጹ እዩ።

ኣብቲ ገበን ዝተሳተፉ፡ መራሒ ኣውቶቡስ ዝርከቦም መንእሰያት ኮይኖም፡ ኣብ ልዕሊ'ታ ጓል 23 ዓመት ግዳይ፡ ዓመጽን ናብ ሞት ዘብጽሕ ከቢድ ማህረምትን ከምዘውረዱላ'ዮ ኣኽባር ሕጊ ህንዲ ገሊጹ ምንባሩ ይግለጽ።

እዚ፡ ኣብ ህንዲ ዓብዪ ቁጥዐ ብምፍጣር ሓድሽ ሕጊ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ክወጽእን ገይሩ።

ብመሰረት ሕጊ ህንዲ ብሜዲያ ብልክዕ ሽማ ክትጽዋዕ ስለ ዘይፍቀድ፡ ኒርብሃያ ዝብል ሳጓ ዝተውሃባ ግዳይ፡ ጓል 23 ዓመት ተመሃሪት ፊዚዮቴራፒ'ያ ነይራ።

ኣብ ልዕሊኣ ብዝበጽሐ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ሰባት ተጠርጢሮም ተኣሲሮም ነይሮም። ሓደ ካብኣቶም 'ራም ሳይን' ዝተባህለ ጥርጡር ኣብ 2013 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነብሰ-ቕትለት ፈጺሙ ተረኺቡ።

ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸሙ ገበነኛታት [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ቪናይ ሻርማና፣ ፓዋን ጉፕታ፣ ሙኬሽ ሳይንን ኣክሻይ ታኩርን

ምንጪ ስእሊ, Delhi police

መግለጺ ስእሊ, ጸታዊ ዓመጽን መቕተልትን ዝፈጸሙ ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዯ ብማሕነቕቲ ተቐቲሎም

ኣብቲ እዋን ወዲ 17 ዓመት ዝነበረ ካልእ ጥርጠር፡ ንሰለስተ ዓመት ተኣሲሩ ብ2015 ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ።

እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ እሱራት፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ፍርዲ ማእሰርቶም ንሕልፈት ክቕይረሎም ፌርማ ኣተኣኻኺቦም።

እንተኾነ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንሕቶኦም ነጺግዎ። እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸም ሰዓታት ምስ ተረፎ ዝቐረበ ሕቶ ይግባይ'ውን፡ ተቐባልነት ከይረኸበ ተሪፉ።

ኣብ ልዕሊ ኒርብሃያ እንታይ'ዩ ተፈጺሙ?

16 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]፡ እዛ ተመሃሪት ምስ ወዲ ተባዕታይ መሓዝኣ ኣብ ኣውቶብስ ተሳፊሮም ይኸዱ ነይሮም።

እዞም ፍቑራት፡ ፊልሚ ርእዮም ናብ ገዝኦም ይምለስሉ ኣብ ዝነበሩሉ ሰዓት፡ ኣብታ ኣውቶብስ ዝነበሩ ሽዱሽተ ደቂ ተባዕትዮ ንኽልቲኦም ሃሪሞም ጉድኣት የብጽሑሎም።

መሓዝኣ ተሃሪሙ ምስ ወደቐ፡ ነታ ጓል ኣንስተይቲ ብዘስካሕክሕ መልክዑ ኣካለዊ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምብጽሖም፡ በብተራ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም።

ፖሊስ እታ ተመሃሪት ዝተዓመጸትሉ ኣውቶብስ እናፈተሹ፤ 18 ታሕሳስ 2012

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ እታ ተመሃሪት ዝተዓመጸትሉ ኣውቶብስ እናፈተሹ

ድሕሪኡ፡ ንኽልቲኦም ካብታ ኣውቶብስ ኣውጺኦም ናብ ወሰነ መገዲ ንኽሞቱ ደብርዮምዎም።

ጥራሕ ነብሶም ደም ብደም ኮይኖም ዝረኸቡዎም ሰባት ድማ ንፖሊስ ሓበሬታ ሂቦም።

ኣብ ህንዲ ኣብ ልዕሊ'ታ ተመሃሪት ዩኒቨርስቲ ዝተፈጸመ ዓመጽን ቅትለትን ሓያል ናዕቢ ኣለዓዒሉ። እታ ግዳይ ድማ ኣብ ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሞይታ።

እዚ ፍርዲ ንደቂ ኣንስትዮ ህዝንዲ ዝህቦ ትርጉም

ሎሚ ንጉሆ፡ እቶም ገበነኛታት ብማሕነቕቲ ምስ ተቐትሉ፡ ኣደ እታ ግዳይ "ናይ ጓለይ ስእሊ ሒዘ ኣብ መወዳእታ ፍትሒ ረኺብና ኢለያ" ኢላ።

ኣቡኣ ብወገኑ፡ "ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ቤት ፍርዲ ዝነበረኒ እምነት ተመሊሱ" ኢሉ።

ብዙሓት መግለጺ ሓዘን ዝሓዘ ጭርሖታት ዝሓዙ ሰባት፡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም፡ በቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ዝተሰምዖም ሓጎስ ክገልጹ ተራእዮም።

ገሊኦም፡ "ሞት ንዓመጽቲ" እናበሉ ይጭርሑ ነይሮም።

ጸብጻባት መንግስቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ህንዲ ብዓመቱ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ገበናት ጾታዊ ዓመጽ ይፍጸሙን ይውስኹን።

ኣብ ቀረባ እዋን ምምሕዳር መዝገብ ሃገራዊ ገበናት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ 2018፡ ፖሊስ 33,977 ገበናት ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተፈጸመን፡ እዚ ድማ መዓልታዊ ብማእከላይ ገምጋም 93 ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፍጸምን ይሕብር።

ህንዲ ግን ንደቂ ኣንስትዮ ውሕስቲ ድያ? ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ደልሂ ጌታ ፓንዲ፡ ብሓጺሩ መልሱ 'ኣይኮነትን'ያ' ትብል።

ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሑ ዓመጻት ኣድሂቦም ዝካየዱ መርመራታት እንተወሰኹ'ውን፡ ተመሳሰልቲ ጎነጻዊ ዓመጻትን ፍጻሜታትን ግን ኣርእስተ ዜና ህንዲ ኮይኖም ቀጺሎም'ዮም።

ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣሽሓት ገበናት ጾታዊ ዓመጽ ናብ ፖሊስ ሪፖርት ከም ዘይግበሩ ይዛረቡ።

"ኣነ ባዕለይ፡ ሓንቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሓ ጓል ኣንስተይቲ ወለዳ ስለ ዝሓፈሩ ጥራሕ እቲ ጉዳይ ናብ ፖሊስ ከይተወሰደ ከም ዝተረፈ ይፈልጥ'የ። ምስ ጾታዊ ዓመጽ ብዝተሓሓዙ ገበናት ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ማሕበራዊ ተነጽሎ ስለ ዝበጽሖም ሰብ'ውን ክኣምነና ኣይክእልን ኢሎም ስለ ዝፈርሑ፡ ፖሊስ እቲ ጉዳይ ከይፈለጦ ተሪፉ" ትብል ፓንዲ።

ገሊኦም፡ ቕልጡፍን ጥቡቕን መቕጻዕቲ እንተተዋሂቡ፡ ሰባት ሕጊ ፈሪሖም ጾታዊ ዓመጽ ደው ከብሉ ይኽእሉ'ዮም ይብሉ።

እዚ ክሳዕ ዝኸውን ግን፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ህንዲን ብኸመይ ድሕነተን ከውሕሳ ይኽእላ?

ኣብ ልዕሊ እታ ተመሃሪት ድሕሪ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽን መቕተልትን፡ ከቢድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ልዕሊ እታ ተመሃሪት ድሕሪ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽን መቕተልትን፡ ከቢድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ

ድሕሪ እቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝወጽአ ሕጊ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ እንታይ ይብል?

ህንዲ፡ ንጾታዊ ዓመጽን ሞትን ኒርብሃያ ስዒቡ ዝነበረ ተቓውሞታት ክትጻውሮ ኣይክኣለትን።

ኣብ ወርሒ መጋቢት 2013 ሓድሽ ሕጊ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ኣጽዲቓ።

ጾታዊ ዓመጽ ንዝፈጸሙ ገበነኛታት፣ ተቖጢዕኻ ንሰብ ምክትታል፣ ኣሲድ ምድፋእ፣ ጥራሕ ነብሳ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ምስላልን ካብ ፍቓዳ ወጻእ ስእላ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምዝርጋሕን ዝብሉ ካልኦት ገበናት ሓዊሱ፡ ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዝወርዶም ይገልጽ።

ብተወሳኺ ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ ኣገዲድኻ ምዕማጽ ወይ'ውን ነብሲ ምስሓት ዘስዕብ ጾታዊ ዓመጽ ምፍጻም፡ ናይ ሞት ፍርዲ የፍርድ።