ኢራን ንስድራ ዝጠፍአ ኣመሪካዊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክትከፍል ተወሲኑ

ኣራሾኒ ናይ ቤትማእሰርቲ ክዳን ተኸዲኑ ዘርኢ ምስሊ ሮበርት ለቪንሰን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2011 ኣራሾኒ ናይ ቤትማእሰርቲ ክዳን ተኸዲኑ ዘርኢ ምስሊ ናብ ስድራ ቤቱ ተላኢኹ ነይሩ

ኢራን ንስድራ እቲ ኣብ 2007 ኣብታ ሃገር ዑደት እናገበረ ዝጠፍአ ኣባል 'ኤፍ-ቢ-ኣይ' ነበር ሮበርት ለቪንሰን፡ 1.45 ቢልዮን ዶላር ክትከፍል ኣመሪካዊ ዳኛ ኣዚዙ፡፡

እቲ 1.35 ቢልዮን ዶላር ነቲ ኣብ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ዝበጽሐ ጉድኣት ንምኽሓስ ዝውል ኮይኑ፡ እቲ 107 ሚልዮን ዶላር ድማ ነቲ ብምኽንያት መጭወይቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ብመልክዕ ካሕሳ እዩ ተወሲኑ፡፡

እታ ብቐጻሊ እቲ ግዳይ ናበይ ከምዝኣተወ ከምዘይትፈልጥ እትገልጽ ኢራን ዛጊድ ዝሃበቶ ምላሽ የለን፡፡

ሰበስልጣን ኣመሪካን ስድርኡን፡ ለቪንሰን ኣብ ኢራን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሞተ እዮም ዝኣምኑ፡፡

ስድራ እቲ ግዳይ፡ ነቲ ዳኛ ጢሞቲዎስ ኬሊ ዝሃቦ ውሳነ ‘‘ ፍትሒ ንምርካብ ፈላማይ ስጉምቲ’’ ክብሉ ገሊጾሞ፡፡

‘‘ኢራን ነቲ ዝፈጸመቶ ተግባር ዛጊድ ዝበጸሓ ሳዕቤን የለን’’ ክብሉ'ውን ተዛሪቦም፡፡

ብተወሳኺ: ዋላ'ኳ እቲ ውሳነ ነቲ ግዳይ እንተዘይመለሶ፡ ንድሕሪ ሕዚ ግን ተመሳሳሊ መጭወይቲ ከይትፍጽም ከጠንቅቓ ከምዝኽእል ስድራ ቤቱ ገሊጾም፡፡

ሮበርት ለቪንሰን፡ መጋቢት 2007 ኣብ ኢራን፡ ደሴት ኪሽ ምብጻሕ እናገበረ እዩ ጠፊኡ፡፡

ናይ ዓበይቲ ትካላት ናይ ውልቀ መርማሪ ኮይኑ ኣብ ኢራን ይሰርሕ ከምዝነበረ እዩ መንግስቲ ኣመሪካ ዝገልጽ፡፡

መራኸቢ ማዕከናት ኣመሪካ ግና፡ ካብ ማእከላይ ስለያ ኣመሪካ ሲ-ኣይ-ኤ ተልእኾ ተዋሂብዎ ከምዝኸደን ምስቲ ብኣመሪካ ዝድለ ዝነበረ ዳዉድ ሰልሓዲን ከም ዝተረኸበን ይገልጹ፡፡

ሰልሓዲን፡ ንለቪንሰን ኣብ ደሴት ኪሽ ከምዝረኸቦን፡ ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ባሕሪ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ ሽጋራ ክምርምር ከምዝመጸ ከምዝሓበሮን ብምግላጽ ብሓይልታት ጸጥታ ኢራን ከምዝተተሓዙ ተዛሪቡ፡፡

ኣብ 2011 ኣራሾኒ ናይ ቤትማእሰርቲ ክዳን ተኸዲኑ ዘርኢ ምስሊ ናብ ስድራ ቤቱ ተላኢኹ ነይሩ፡፡

ኣብ 2019 በዓልቲ ቤቱ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ከምዝረሰዖ ንባይቶኣዊ ኮሚቴ ኣመሪካ'ኳ እንተገለጸ፡ ዳይረክተር ኤፍቢኣይ ክሪስቶፈር ረይ ግን ን13 ዓመታት ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምሟቱ ከምዘመላኽትን ብትኽክል እንታይ ከምዝተፈጠረ ንምፍላጥ ግን መርመራ ከምዝቕጽሉ ሓቢሩ ፡፡