ኮሮናቫይረስ፡ ትራምፕ ስርሑ ምቕጻል ክሳዕ ዝስእን እንተሓመመ ‘ኸ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ሰሙናት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኽፈ ተረጋጊጹ ኣሎ።
እዚ ክስተት፡ እንታይ ከስዕብ ይኽእል ዝብል ብዙሕ ሕቶታት ከኣ ኣስዒቡ ኣሎ።
ኣበየኖት ናይ ጎስጓስ ፍጻመታት እዩ ክርከብ ዘይኽእል?
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ውጽኢት እቲ መርመራ ካብ ዝተዋህበሉ 1 ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ን 10 መዓልትታት ንርእሱ ከግልል ትጽቢት ይግበረሉ። ስለዚ ኣብቲ ን 15 ጥቅምቲ ተሰሪዑ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ክሳተፍ ተኽእሎ ኣሎ።
ብዓርቢ፡ ኣብ ፍሎሪዳ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ጎስጓስ፡ ከምኡውን ምስ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ክካየድ ዝተሓስበ ኣኼባ ተሰሪዙ እዩ።
ትራምፕ ካልኦት ተወጢኖም ዝጸንሑ ናይ ጎስጓስ መደባት ክስርዝ ወይ ከሰጋግር እውን ክግደድ እዩ።
ኣብ ምንታይ ኩነታት እዩ እቲ ምርጫ ንድሕሪት ክድፋእ ዝኽእል?
ፕረዚደንት ትራምፕ ርእሱ ከግልል ዝሕተቶ ግዜ፡ ኣብ ናይ ጎስጓስ መደባቱ ጽልዋ ከምዝህልዎ ርዱእ እዩ።
ስለዚ እቲ ምርጫ ክደናገ ዝከኣል እንተኾይኑን ብኸመይ ከም ዝትግበርን ሕቶታት ይለዓል ኣሎ።
ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር፡ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ ቀዳመይቲ ሰሉስ እዩ ዝካየድ፤ በዚ መሰረት ሎም ዘበን ብ 03 ሕዳር እዩ ክኸውን።
ስለዚ፡ ብዝኸነ ይኹን ምኽንያት ነቲ ዕለት ምቕያር ንፓርላማ ዝምልከት እምበር እቲ ፕረዚደንት ዝውስኖ ኣይኮነን።
ኣብ ክልቲኡ ኮንግረስ ዝርከቡ ኣባላት፡ እቶም ዝበዝሑ ንምቕያር እቲ መዓልቲ ምርጫ ከፍቅዱ ኣለዎም።
እዚ ብፍላይ በቲ ብኣባላት ዴሞክራት ዝበሓት፡ ባይቶ ተወከልቲ ናይ ምሕላፍ ተኽእሎኡ ትሑት እዩ።
እንተተቐየረ'ውን ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ዘበነ ስልጣን ሓደ ፕረዚደንት ንዓርባዕተ ዓመት ጥራይ ክኸውን ስለ ዝእዝዝ፡ ዘበነ ስልጣን ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ 20 ጥሪ 2021 ፍርቂ መዓልቲ ከኽትም እዩ።
ነቲ ዕለት ንምቕያር ኣብ ሕገ መንግስቲ ለውጥታት ምግባር ክጠልብ እዩ። እዚ ድማ ግዝኣታት ክልቲ-ሲሶ ደገፍ ናይ ሰራዕቲ ሕጊ ብደረጃ ሃገር ድማ ናይ ሰለስተ ርብዒ ደገፍ ይጠልብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ትራምፕ ዓቕሚ እንተስኣነ 'ኸ?
ኣብዚ እዋን እቲ ፕረዚደንት "ልኡም ምልክታት" ከም ዘለዎ እዩ ዝግለጽ፤ እንተኾነ፡ ብጽኑዕ እንተሓመመ እሞ ስርሑ ክቕጽል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ እንተበጺሑ ግን፡ እቲ ፕረዚደንት ለልጣኑ ንምክትል ፕረዚደንት ከረክብ ሕገ መንግስቲ ይእዝዝ።
እዚ ማለት ከኣ ማይክ ፔንስ ከም ፕረዚደንት ኮይኑ ይሰርሕ ማለት እዩ። ፕረዚደንት ትራምፕ ጥዕንኡ ናብ ንቡር ኩነታት ምስ ተመልሰ ድማ ናብ መዝነቱ ይምለስ።
እቲ ፕረዚደንት ናብ ስልጣን ክምለሰሉ ኣብ ዘይኽእሎ ኩነታት እንተበጺሑ፡ እቲ ካቢነ፡ ምስቲ ምክትል ፕረዚደንት ብምዃን፡ ነቲ ኩነታት ብምግላጽ፡ ማይክ ፔንስ ነቲ መዝነት ይርከቦ።
ማይክ ፔንስ'ውን ስርሑ ከካይድ ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃ እንተኣትዩ፡ ነቲ መዝነት እትቕበል፡ ወሃቢት ቃል ባይቶ ተወከልቲ፡ ኣባል ዴሞክራት፡ ናንሲ ፔሎሲ እያ። እዚ ምስግጋር ናይ ስልጣን ግና ሕጋዊ ቅልስ ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ከም ዝህልዎ ምሁራት ሕገ መንግስቲ ይዛረቡ።
ናንሲ ፔሎሲ ነቲ መዝነት ክትቅበል ፍቓደኛ ምስ ዘይትኸውን ወይ ምስ ዘይትኽእል ከኣ፡ እታ በትሪ ናብ ሪፓብሊካዊ ኣባል ሴነት ቻርለስ ግራስሊ ትሰግር።
ቅድሚ ሕጂ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ስርሑ ከካይድ ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃ በጺሑ'ዶ ይፈልጥ?
ኣብ 1985፡ ፕረዚደንት ሮናልድ ሬገን ናይ ካንሰር መጥባሕቲ ንምግባር ንሆስፒታል ምስ ኣተወ ንምክትሉ ጆርጅ ኤችዳብሊው ቡሽ ሓላፍነት ኣረኪቡ።
ኣብ 2002 ከምኡ እውን 2007 ፕረዚደንት ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ናይ መዓናጡ ሕክምና ኣብ ዝገብረሉ እዋናት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዱ እዩ።
ትራምፕ ንምርጫ ክወዳደር እንተዘይከኣለ 'ኸ?
ሓደ ብውድቡ ንመሪሕነት ዝተመረጸ ሕጹይ ነቲ መዝነት ከፈጽም ምስ ዘይክእል ብመሰረት ሕጊ እቲ ውድብ፡ እቶም 168 ኣባላት ሃገራዊ ኮሚተ ሪፓብሊክ ንምክትል ፕረዚደንትነት ተሓጽዩ ንዘሎ - ማይክ ፔንስ ኣብ ግምት ዘእተወ ምርጫ ሕጹይ ፕረዚደንት የካይዱ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







