ኣፍሪቃ፡ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ይንኪ ድዩ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ጸፍሒ ኮሮናቫይረስ ሓሊፉ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገልጽ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሃገራት ተነቢሮም ዝጸንሑ እገዳታት የላሕልሓ ኣብ ዘለዋሉ እዋን መንግስታት ከይዛነዩ ኣጠንቂቑ፡፡
ዋላኳ ናህሪ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ገለ ሃገራት ይውስኽ እንተሃለወ፡ ጠቕላላ መዓልታዊ መልከፍቲ ግን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ እናቐነሰ መጺኡ እዩ፡፡
ናህሪ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ እንታይ ይመስል?
ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ሰሙናት፡ ዝተመዝገበ ሓድሽ ሰሙናዊ መልከፍቲ ብማእኽላይ ገምጋም 1.7 ምኢታዊት ከምዝቐነሰ ማእከል ምቁጽጻር ሕማም ኣፍሪቃ ሓቢሩ፡፡
ኮይኑ ግና ኣፍሪቃ ገና ካብቲ ጸገም ከምዘይተናገፈት እቲ ማእከል የጠንቅቕ፡፡
‘‘ካብቲ ፈለማይ ማዕበል ወጺና ኢና ኢለ ኣይኣምንን፤ ዛጊድ ናብቲ ዝተሓተ መጠን ኣይወረድናን’’ ይብል ሓላፊ እቲ ማእከል ጆን ንከንጋሶንግ ፡፡
ናህሪ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ዝወሰኸለን ሃገራት እውን ኣለዋ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ሰሙናት ናህሪ እቲ ቫይረስ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣፍሪቃ ብ 14 ምኢታዊት ወሲኹ እዩ፤ እዚ እቲ እንኮ ወሰኽ ዘርኣየ ዞባ እዩ።
እቲ ወሰኽ ኣብ ሃገራት ሞሮኮ: ቱኒዝየን ሊብያን ዝተመዝገበ ልዑል ለብዒ ዘበገሶ እዩ፡፡
እቲ ቫይረስ ብቐጻልነት ዝውስኸላ ዘሎ ቱኒዝያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ መጠን መዓልታዊ መልከፍቲ ኣመዝጊባ እያ፡፡
ቱኒዝያን ሊብያን እውን ካብተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝለዓለ መልክፍቲ ዘመዝገባ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ እየን፡፡
ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን እውን እተን ዝለዓለ መልከፍቲ ዘመዝግባ ዘለዋ ካልኦት ሃገራት እየን፡፡
ብምኽንያት ውሑድ ምርመራን ሓቀኝነት እቲ ዝምዝገብ መረዳእታን፡ ትኽክለኛ ዝርገሐ ንምፍላጥ ከምዝኸብድ ትካል ገባሪ ሰናይ ኢንተርናሽናል ረስኪዩ ኮሚቴ ይኣምን፡፡
ውድብ ጥዕና ዓለም ብተመሳሳሊ ኣብ ናይ ምምርማር ዓቕምን ስትራተጅን ዘሎ ለውጢ ኣብቲ ኣሃዛዊ መረዳእታ ለውጢ ከምጽእ ከምዝኽእል ይገልጽ፡፡
ንኣብነት ኬንያ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ናይ ምምርማር ስትራተጂኣ ናብ ኣዐርዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ጥራሕ ምግባራ ቁጽራዊ ጸብጻብ እታ ሃገር ቀኒሱ እዩ፡፡
ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ድማ ናይ ምርማር ዓቕመን እናዐበየ መጺኡ እዩ፡፡ ካብ መፋርቕ ሰነ ጀሚሩ ወሰኽ እናርኣየ ዝመጸ እንትኾን ካብ ቀረባ እዋን ግን እናቐነሰ እዩ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዛጊድ በቲ ቫይረስ ዝተጠቐዓ ሃገራት ኣየኖት እየን?
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዝለዓለ ዝተመዝገበ መልከፍትን ሞትን ዘለዋ ኣፍሪቃዊት ሃገር እንትኾን፡ ካብ ዓለም ድማ ብበዝሒ መልከፍቲ ዓስራይ ደረጃ ሒዛ እያ፡፡
ካብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ናብዚ ግን በዝሒ መልክፍቲ እናቐነሰ መጺኡ እዩ፡፡
እንተኾነ እቲ ምጉዳል: እታ ሃገር ካብ ዝገበረቶ ናይ ምምርማር ለውጢ ዝመጸ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተገለጸ ኮይኑ፡ በዝሒ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ድማ ካብቲ ዝተመዝገበ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽአል ይጥቀስ፡፡
ቤት ምኽሪ ሕክምናዊ መጽናዕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ካብቲ ዝተገለጸ ብ 17 ሽሕ ከምዝዛይድ ገሊጹ እዩ፡፡
ግብጺ ብበዝሒ ዝሞቱ ሰባት ኣብቲ ኣህጉር ካልኣይቲ እኳ እንተኾነት፡ ሞሮኮ ግን ብበዝሒ መልከፍቲ በሊጻታ ኣላ፡፡
ሃገራት ኢትዮጵያን ናይጀርያን ድማ ብበዝሒ መልከፍቲ ካብ ግብጺ ቀጺለን ራብዓይን ሓምሻይን ዘለዋ ሃገራት እየን፡፡
ኣብታ ኣህጉር ዝረኣይ ዘሎ ውሑድ ሞት፡ ብምኽንያት ዝበዝሕ ትሑት ዕድመ ዘለዎ ህዝቢ ክኸውን ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ይገልጽ፡፡
ኣብ ኣፍሪቃ ክንደይ ምርመራ ይካየድ?
ካብቲ ጠቕላላ ኣብቲ ኣህጉር ዝተገበሩ ምርመራታት ኮሮናቫይረስ፡ ኣስታት 80 ምኢታዊት ኣብ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ እዩ ተኻይዱ፡፡
ብመንጽር ዘለወን በዝሒ ህዝቢ እንትረአ ድማ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ምርመራ ዝገበረት እንትኾን ናይ ናይጀርያ ድማ እቲ ዝወሓደ እዩ፡፡
ልዕሊ ፍርቂ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብቲ ትጽቢት ዝግበር ካብ ሓደ መልከፍቲ ናይ 10 ምርመራ፡ ዝወሐደ ናይ ምምርማር ዓቕሚ እዩ ዘለወን፡፡
ኤርትራ እትርከበን ገሊአን ሃገራት ድማ እቲ ዝካየድ ምርመራ ዘርእይ ንጹር ኣሃዛዊ መረዳእታ ኣይዝርግሓን፡፡









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







