“ኣብ ሃገራዊ መረፃ 50 ሚልዮን መረፅቲ ክሳተፉ ትፅቢት ይግበር” ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝመጽእ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ኣስታት 50 ሚልዮን መረፅቲ ክሳተፉ ትፅቢት ከምዝግበር ኣፍሊጡ።
እቲ ቦርድ ኣብ ጉዳይ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ኣመልኪቱ፡ ይገብሮም ዘሎ ቅድመ ምድላዋት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘፍለጠሉ ግዘ እዩ ነዚ ዝገለጸ።
ብተወሳኺ፡ ንመረፅቲ ዝምዝግቡ 152,700 ሰባት፡ መረፃ ኣብ ዝካየደሉ መዓልቲ ድማ 254,500 ሰባት ከምዘዋፍሩ ገሊፁ።
ኣብዚ ሃገራዊ መረፃ፡ ብሓሙሽተ ቋንቋታት ዝተዳለዉ መዝገባት መረፅቲ ተዳልዮም’ዮም ዝበለ እቲ ቦርድ፡ ተኣማንነት እቲ መረፃ ንምርግጋፅን ተመሳሲሎም ክሕተሙ ዝኽእሉ ካርድታት መረፅቲ ንምክልኻልን፡ “መሐለዊ ድሕንነት ዘለዎ ካርዲ መረፃ” ከምዘዳለወ ሓቢሩ።
እቲ መረፃ መዓስ ከምዝካየድ ዛጊድ ዕላዊ ዋላ እንተዘይኮነ፡ እቲ ቦርድ፡ ነቲ መረፃ ዘድልዩ ኣቁሑታት ብምድላው፡ ቅድመ ምድላዋት የሳልጥ ኣለኹ ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዘናወሖ ይዝከር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







