“ኣስታት 97 ሚኢታዊት ከምዘድመጹ እግምት” ኮሚሽነር መረጻ ትግራይ

ኮሚሽነር መረጻ ትግራይ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም “ብጽቡቕ ተዛዚሙ’ሎ፤ ሰባት ድማ ሕጉሳት ነይሮም” ክብል ነቲ ውዕሎ ገሊጽዎ። ክሳብ ቀትሪ ሰዓት 9፡00 [ኣ.ኢ] 100 ሚኢታዊት ዝመዝገቡ ጣብያታት ከምዘለዉ ብምግላጽ ድማ “ኣስታት 97 ካብ ተመዝገብቲ ከምዘድመጹ እግምት” ኢሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ትማሊ ዝተኻየደ መረጻ ትግራይ፡ እንታይ ይመስል ነይሩ

  2. 'ኣፈፀምቲ ጣብያታት መረፃ፡ ምሉእ ለይቲ ድምጺ ክቖጽሩ ሓዲሮም'

    ኮሚሽነር ሙሉወርቅ

    ኣብ መረጻ ትግራይ፡ ምሃብ ድምጺ ምስተዛዘመ፡ ኣፈፀምቲ ጣብያታት መረፃ፡ ቆፀራ ድምፂ ምሉእ ለይቲ ከካይዱ ሓዲሮም።

    ኮይኑ ግና፡ ትማሊ ኣብ ጣብያ መረፃ ኣበርገለ፡ መምረፂ ካርዲ ስለዝጎደለ፡ ኣማስዩ ከምዝተለኣኸሎም ኮምሽነር ኮምሽን መረፃ ትግራይ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ንቢቢሲ ገሊፆም።

    ኣብቲ ጣብያ፡ መስርሕ ድምፂ ምሃብ ክሳብ ምሸት ከምዝቐፀለ፡ እቲ ቆፀራ ንሎምዓልቲ እንተሰጊሩ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ምቑፃር ድምፂ ፅልዋ ክህልዎ እዩ ኢሉ።

    ካብተን ካብ መቐለ ኣዝየን ዝረሓቓ ጣብያታት መረፃ፡ ውፅኢት ብእዋኑ ኣብ ምምፃእ ከምዝተደናጎየ እውን መምህር ሙሉወርቅ ወሲኹ ገሊፁ።

    ሎምዓልቲ፡ ካብቲ ንምምራፅ ዝተመዝገበ ልዕሊ 2.7 ሚልዮን ህዝቢ፡ ክንደይ ድምፂ ሂቡ ዝብል ክግለፅ ትፅቢት ይግበር።

  3. ምርጫ ተኻይዱ፡ ድሕሪኡ'ኸ ናበይ ገጹ የምርሕ?

  4. "ናብ ብልጽግና ዝጽንበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ክህልው እዮም " ነብዩ ስሑል

  5. ውዕሎ መረጻ ከመይ ነበረ? _ ርእይቶታት ገለ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት

    መራጺት ኣብ ናቑጣ መረጻ

    ኣቦ መንበር ሳልሳይ ወያነ ሃያሉ ጎደፋይ ከምዝብሎ፤ እቲ መረጻ ንተጋሩ ናብ ሕብረት ዘምጽአ'ዩ ነይሩ።

    "እቲ ህዝቢ ዝነበሮ ድልየትን ተበግሶን ከም ውድብ ዘሕጎሰና እዩ። ዓለም'ውን ነቲ ኹነት ብጣዕሚ ትኹረት ገይራትሉ እያ ውዒላ። ዴሞክራሲያዊ ኮይኑ ክውዳእ'ዩ ናትና ተስፋ" ኢሉ።

    ኣብ ቀጻሊ ድማ ኣጋጢሞም ዝበልዎም ጸገማትን መን ዝፈጸሞም'ዮም ዝብሉን ብዝርዝር ወግዓዊ ከምዝገብሩ ሃያሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

    ምኽትል ኣቦ መንበር ባይቶና ክብሮም በርሀ ኣብ መስርሕ ኣፈጻጽማ እቲ "ታሪኻዊ" ዝበሎ መረጻ ብኣወንታን ኣሉታን ዝግልጹ ነገራት ከምዘለዉ ይሕብር።

    "ነቲ ዝነበረ ኩሉ ጠሚርና ከም ውድብ መግለጺ ምሃብና ኣይተርፍን። ህዝቢ ትግራይ ግን ነዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ምብቅዑ፣ ምምራጹ፣ ዋጋ ምኽፋሉን ንዝሃበና ደገፍን ምስጋና የድልዮ" ክብል'ውን ገሊጹ።

    ኣብ ወረዳ ኢሮብ ከተማ ዶሃን ዝተወዳደረ ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ዓሲምባ ኣቶ ዶሪ ኣስገዶም ብወገኑ "ነጻን ንኹሉ ግልጺ ዝኾነን ምርጫ'ዩ ተኻይዱ" ይብል።

    ገለ ግድፈታት ምንባሮም ሓበሬታ ከምዝበጽሖምን ኣብ ዝበዝሕ ከባብታት ግን ብጽቡቕ ከምዝተፈጸመን ብምሕባር ኩሉ ዝፍለጥ ግን ካብ ሕዚ ንደሓር ከምዝኸውን ኣረዲኡ።

  6. “ኣስታት 97 ሚኢታዊት ከምዘድመጹ እግምት” ኮሚሽነር መረጻ ትግራይ

    ኮሚሽነር መረጻ ትግራይ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም

    ምንጪ ስእሊ, Office of Electoral Commission of the National Regional State of Tigrai

    መስርሕ ምሃብ ድምጺ መረጻ ትግራይ ቅድሚ ዝተወሰኑ ደቓይቕ ከምዝተዛዘመ ኮሚሽን መረጻ ኣፍሊጡ’ሎ።

    ኮሚሽነር መረጻ ትግራይ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም “ብጽቡቕ ተዛዚሙ’ሎ፤ ሰባት ድማ ሕጉሳት ነይሮም” ክብል ነቲ ውዕሎ ገሊጽዎ።

    “ልክዕ ከምዚ ካልእ በዓል ዝሓለፈ እምበር መረጻ’ውን ኣይመስል” ዝበለ እቲ ኮሚሽነር ብዙሓት ሰባት ከም ናይ በዓልቶም ድግስ ዝተረባረቡሉ ምንባሩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    ክሳብ ቀትሪ ሰዓት 9፡00 [ኣ.ኢ] 100 ሚኢታዊት ዝመዝገቡ ጣብያታት ከምዘለዉ ብምግላጽ ድማ “ኣስታት 97 ካብ ተመዝገብቲ ከምዘድመጹ እግምት” ኢሉ።

  7. መስርሕ ምሃብ ድምጺ መረጻ ትግራይ ተዛዚሙ

    ምስሊ መረጻ ትግራይ

    ምንጪ ስእሊ, Electoral Commission of the National Regional State of Tigrai

    ትግራይ፡ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን፡ መንግስቲ ፌደራል ዘይደልዮን ዘይተቐበሎን መረጻ፡ ሎሚ ረቡዕ ጳጉሜን 04 ኣካይዳ'ላ።

    ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ፡ እዚ መረጻ "ዘይሕጋውን ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ" ኢሉ ከምዝወሰነ ይፍለጥ።

    ትግራይ ብወገና፡ እዚ መረጻ መሰል ርእሰ-ምሕደራኣ እተረጋግጸሉን ንዋጋ ዕዳጋ ዘይተቕርቦን ከምዝኾነ እያ ትገልጽ።

    እቲ ኮሚሽን "ሕዚ ሰዓት 12 ኰይኑ ኣሎ። ንጉሆ ሰዓት 12 ዝጀመረ መረፃ በዛ ሰዓት እዚኣ ፍፃመ ረኺቡ ኣሎ" ክብል ኣፍሊጡ።

    ንህዝቢ ድማ ኣመስጊኑ።

  8. "ንኣንፈት ቀፃሊ ምዕባለታት ሰረት ዘንፅፍ መረፃ እዩ"- ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራት ትግራይ

    ኣርማ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ትግራይ (ጸጋም) ዝመርጻ ኣደ (የማን)

    ምንጪ ስእሊ, BBC/GSTS

    ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ትግራይ እዚ ሕዚ ዝሳለጥ ዘሎ መረጻ "ትግራይን ትግራዎትን ንዝእምትዎም ናይ ቐጻሊ ኣንፈት ምዕባለታት መሰረት ዘንጽፍ ታሪኻዊ መረጻ ምኻኑ ይኣምን" ኢሉ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።

    እቲ መረጻ ከም መግለጺ ፖለቲካዊ ተስፋን ብራኸን፣ህንጸት ዘላቒ ዲሞክራሲ ከምኡ ድማ ኣብ ምምካት ድሕረታዊ ተጻብኦታት ጭቡጥ ሓገዝ ዘበርክት ምዃኑ ከምዝኣምን ድማ ገሊጹ።

    ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ታሪኻዊ መረጻ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ህዝብታት ዘዕርፎ ኣዎንታዊ ጽልዋን ዝህቦ መልእክትን ዓበይ ዉጽኢት ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ከምዝምዝገብ ዝሓበረ እቲ መግለጺ "ኣብ ኩሎም ክያዶታትካ ኣብ ጎንኻ ጠጠዉ ኢልና ኣካል እቲ ቓልሲ ከም እንኸዉን ክነረጋግጸልካ ንፈቱ" ኢሉ።

    ምሉእ ትሕዝቲ ንምንባብ

  9. መራሕቲ ፖለቲካ ብዛዕባ መረጻ ትግራይ እንታይ ይብሉ?

  10. ኣብ መረጻ ትግራይ ኩነታት ጸጥታ ከመይ ኣሎ?

    ናቑጣ መረጻ

    ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ፀገዴ ተኹሲ ከም ዝተሰምዐ ዝገልፅ ሓበሬታ ረኺብና ንዝምልከቶም ኣካላትፀጥታ ትግራይ ሓቲተዮም።

    ኣብ መሬት ትግራይ ኣትዩ ዝተኮሰ ከምዘየለ ብምሕባር “ኣብ ውሽጢ ክልል ኣምሓራ ጠያይቲ ከም ዝተተኮሰ ሰሚዕና” ክብሉ ሓቢሮምና።

    እቲ ፈተነ “ህዝቢ ንምድንጋፅ” ከምዝተሓሰበ ብምግላጽ እንተኾነ ምሉእ ህዝቢ ወፂኡ ድምፂ ከምዝሃበ ንቢቢሲ ኣመልኪቶም።

    ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ትማሊ ምስ ቢቢሲ ፕሮግራም ሬድዮ 'ኒውስ ደይ' ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ቃለ-መሕትት ኣብ ከባቢ ደቡብ ነቲ መረጻ ንምትዕንቓፍ ዝግበሩ ፈተነታት ከምዘለዉ ተዛሪቡ።

    “ኣብዛ ሕዚ ምሳኻ ዝዘራረበላ ዘለኹ ሰዓት ኣብ ከባቢ ዶብ ደቡብ ትግራይ ጎንጺ ከልዕሉ ዝፍትኑ ሰባት ኣለዉ። ብርግጽ ንሕና’ውን ነዞም ምትንዃያት እናመከትና ጸኒሕና ኢና” ኢሉ።

    ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ድማ “ሓይልታት ትምክሕቲ ”ዝበሎም ኣካላት ካብቲ መረፃ ጣብያ ኣዕርዩ ኣብ ዝርሓቐ ከባቢ ምዕራብ ትንኮያ ጀሚሮም ምንባሮም ኣፍሊጡ።

    “እኹል ሓይሊ ስለዘሎ ግን ከይኰነሎም ተሪፉ’ዩ። እቲ ተግባራት ንቑሩብ ደቓይቕ ጥራሕ ዝጸንሐ ከምዝነበረ እውን ኣረጋጊጽና ኣለና” ክብል ሓቢሩ።

    ኣብዚ ጉዳይ ብወገን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዝተወሃበለ ነገር የለን።

  11. ኣብ ገለ ጣብያታት ሚኢቲ ሚኢታዊት ኣድሚጾም - ኮሚሽን መረጻ ትግራይ

    ድምጺ እትህብ ውልቀሰብ

    ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ኣብ ገለ ጣብያታት "ምኢቲ ሚእታዊ ዝተመዝገበ ሰብ ድምፂ ሂቡ" ኢሉ።

    ቅድሚ ደቓይቕ ብፌስቡክ ከምዘፍለጦ፡ ኣብ መረፃ ክልል ውቕሮ ሰለስተ ጣብያታት ኣድሚጾም ኣለዉ።

  12. ኣቦ ወንበርን ምክትልን ህወሓት ኣብ ዓድዋ ሕጹያት ተወዳደርቲ ኮይኖም ቀሪቦም

    ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

    ምንጪ ስእሊ, Tig TV

    ብብርኪ ፌዴራል ኮነ ብክልል ኣብ ላዕለዋይ ሓላፍነት መንግስቲ ዘገልገሉ ዓበይቲ አመራርሓ ህወሓት፡ ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ክልላዊ መረጻ ትግራይ ተወዳደርቲ ኾይኖም ቀሪቦም።

    መራሒ እቲ ክልል፡ ምክትል ፕረዚደንት ዶክተር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ ንህወሓት ወኪሉ ኣብ ከተማ ዓድዋ ይወዳደር ኣሎ።

    ምክትል ኣደ መንበር ህወሓት ዝኾነት ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚአብሔር (ሞንጆሪኖ) ከምኡ’ውን ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ፡ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ ዝነበረን፡ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ሓደ ዝኾነን፡ ኣቶ ኣስመላሽ ወልደሥላሴ እውን ኣብ ዓድዋ ይወዳደር ኣሎ።

    ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ እቲ ውድብ እዮም።

    ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ዶክትር ዛይድ ነጋሽ ኣብ ከተማ ዓድግራት፡ ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ኣብ ከባቢ እንደርታ፡ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ድማ ኣብ መቐለ ይወዳደር ኣለዉ።

  13. መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ድምፆም ሂቦም

    ላዕለዎት መራሕቲ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጣብያታት/ነቑጣታት ድምጾም ይህቡ ኣለዉ።

    ንውድቦም ወኪሎም ኣብ ከተማ መቐለ ዝነሓንሑ ዘለዉ፡ መራሕቲ ባይቶና፣ ውናትን ሳወትን ኣብ ከተማ መቐለ ድምፆም ሂቦም ኣለዉ።

    ኣብ ከተማ መቐለ ድምፁ ዝሃበ ኣመራርሓ ውድብ ናፅነት ትግራይ ኣይተ መሓሪ ዮውሃንስ 'እዚ መረፃ ልዕሊ ናይ ውድባት ወይ ናይ ውልቀ ሰባትን ንሕንሕሕ' ከምዝኾነ ብምግላጽ፤ እዛ መዓልቲ "ህዝቢ ትግራይ ብድምፁ ርእሰ ውሳኔኡ ዘረጋግፀሉ ፍልይቲ መዓልቲ" እያ ኢሉ።

    “ከም ውናት፡ እዚ መረፃ እዚ ከም ‘ሪፈረንደም’ ኢና ንርእዮ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ዘረጋገጾ መሰል ርእሰ ውሳነ፡ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ነይሩ። ካብዚ ሓደጋ እዚ ወጺኡ ሓርነት፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላውነት ናይ ትግራይ ኣረጋጊፅካ ንምቕፃል እዩ፡ እዚ መረጻ ዝካየድ ዘሎ። ስለዚ ዝኾነ ዓይነት መፈራርሕታት ይምፃእ፣ ድሌቱ ዓይነት ናይ ደገ ተፀባእቶታት ይምፃእ፡ ንዕኡ ጥሒስና ኢና ኣብዚ መረፃ እዚ በፂሕና ዘለና። ህዝቢ ትግራይ ጎይታ ነብሱ እዩ” ኢሉ።

    መረጻ

    ካልእ ኣብ ከተማ መቐለ ድምፁ ዝሃበ ኣቦ ወንበር ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ድማ፡ ከይዲ እቲ መረፃ ፅቡቕ ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊፁ።

    “ኣብዛ ኣነ ድምፂ ዝሃብኩላ ናይ መረፃ ጣብያ፡ ህዝቢ ግልብጥ ኢሉ ወፅዩ ድምፁ ሂቡ ኣሎ። ክልተ ነዊሕ ሰልፍታት/ መስርዕ ኣሎ። ናይቲ ሕብረተሰብን መተሓበበርትን ስነ-ስርዓት ፅቡቕ እዩ" ኢሉ።

    መረጻ

    ህዝቢ ንርእሱ ካብ ኮሮና ቫይረስ እናተኸላኸለ፡ ድምፁ ይህብ ከምዘሎ ድማ ሓቢሩ።

    “ብጣዕሚ ብዝገርም ናይ ጥዕና ሰብ ሞያን ኣልኮል ዝገብሩ’ውን ኣለዉ። ኩሉ እቲ ሕብረተሰብ ከኣ ማስክ ገይሩ ኣሎ። ስለዚ እቲ ሕብረተሰብ ንኮሮና’ውን እናተኸላኸለ፡ ኣብቲ ሰልፊ እውን ተረሓሒቑ ኣሎ” ኢሉ።

    ኣብ ትግራይ፤ ውድባት ህወሓት፣ ሳወት፣ ውድብ ናፅነት ትግራይ፣ ባይቶና ዓባይ ትግራይን ዓዴፓን ንመረፃ ይወዳደሩ ኣለዉ።

  14. መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፡ ድምጾም ይህብ ኣለዉ

    ኣቦ ወንበር ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ሃያሉ ጎደፋይ፡ ኣብ ኣላጀ ኣብ ዝርከብ ጣብያ መረጻ ተረኺቡ ድምጹ ሂቡ'ሎ።

    ካብ መቐለ ናብ ከባቢ ኣላጀ ኣርባዕተ ሕጹያት ሒዘ ተንቀሳቒሱ ። ቦራ ኣብ ዝበሃል ናይ ቀጠና መረጻ ድምጺጹ ከምዝሃበ ድማ ንቢቢሲ ገሊጹ።

    "ብሓቂ ደስ ኢሉኒ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ እቲ መረጻ ከይኹለፍ ብዓቕሙ ተቓሊስሱ እዩ። ስለዚ እዛ መዓልቲ ንዓና ፍሉይ ትርጉም እዩ ዘለዋ። እቲ መረጻ ፍትሓእን ዲሞክራስያውን ኮይኑ እንተተዛዚሙ ድማ፡ ብዝበለጸ ፍሉይ ትርጉም እዩ ዝህልዎ።" ኢሉ

  15. "ሰፍ ዘይብል ዋጋ ዝኸፈልናሉ መሰል ኢና ንጥቀም ዘለና" ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ

    ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ምስ ቢቢሲ ኒውስደይ ኣብ ጉዳይ መረጻ ሓጺር ጻንሒት ገይሩ ነይሩ።

    "ስለምንታይ ኢኹም ነቲ ብፌዴራል መንግስቲ ዝተናወሐ ሓሊፍኩም መረጻ ተካይዱ ዘለኹም" ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣይተ ጌታቸው፡ "መረጻ ምግባር ንቡር እዩ። ፍትሓውን ዲሞክራስያውን መረጻ ምክያድ ክተዓናቐፍ ዘይኮነስ ከተባባዕ ዝግበኦ እዩ ነይሩ" ኢሉ።

    ንሱ ወሲኹ ድማ፡ "ርግጽ ንሕና ዘይኮነስ፡ እቲ ኣብ ኣብ ኣራት ኪሎ ዘሎ ሓይሊ እዩ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሕ ዘሎ" ክብል፡ ንፌዴራል መንግስቲ ከሲሱ።

    ሃገራዊ ቤት-ምኽሪ ፌዴረሽን ንሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘናውሐ ኮይኑ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን እቲ መረጻ ከካይድ ወሲኑ።

    እቲ ቤት-ምኽሪ፡ ነቲ መረጻ ኣፍልጦ ከምዘይህቦን ተፈጻምነት ከምዘይህልዎን እዩ ወሲኑ። "ስለምንታይ ትግራይ ንበይና ነዚ ውሳነ እቲ ፌዴራል መንግስቲ ብምጽራር መረጻ ተካይድ ኣላ?" ንዝብል ሕቶ ድማ ቀሪብሉ።

    "ንሕና ዝተፈለና መሲልና እንተተራኢና፡ ነቲ ሰፍ ዘይብል ዋጋ መሰልና ብግቡእ ስለዝተጠቐምና ጥራሕ እዩ። ይኹን'ምበር ካልኦት ዋጋ ኣይከፈልሉን ማለት ኣይኮነን።ንሳቶም'ውን ከቢድ ዋጋ ከፊለምሉ እዮም።" ብምባል ምስቲ ካልኦት ክልላት ተቐቢለንኦ ዝብል ናይቲ ጋዜጠኛ ርእይቶ ከምዘይስማማዕ ገሊጹ።

    "ኦሮምያ ኣብ ትሕቲ ዓፈና እያ ዘላ። ኣብዚ ክልልን ኣብ ካልኦት ክልላትን ሰባት ዝቕተልሉ ዘለዉ ምኽንያት ምስኡ ብዘይምስማመዖም እዩ። ኣብ ኣራት ኪሎ ዘሎ መንግስቲ ግን ድምጺ ህዝቢ ክሰምዕን ከኽብርን ድሌት የብሉን። ርግጽ፡ እቲ ብሓደ ሰብ ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ድሌታቱ ክጸዓን እዩ ዝፍትን ዘሎ" ኢሉ።

    ህዝቢ ብዛዕባ መረጻ ኮነ ካልኦት መሰላት ዘቕርቦም ዘሎ ሕቶታት ዘገድሶ ኣይኮነን ዝበለ ኣይተ ጌታቸው፡ እቲ ሓሳቡ ምስ ስርዓት ፌዴራሊዝም ዝጻባእ'ዶ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ ቐሪብሉ።

    "ናትና ንስርዓት ፌዴራሊዝም ተጻረርቲ ዘይኮናስ ተሓለቕቲ ኢና። ንሕና ንብል ዘለና፡ ኣራት ኪሎ መረጻ ኣናዊሑ ማለት፡ ክልላት ደድሕሪኡ ክጉተታ ኣለዎን ማለት ኣይኮነን። እቲ ውሳነ ናይ ኩሎም ክልላት እንትዝኸውን መገደሰና፤ ምሓሰብናሉ ነይርና" ብምባል እቲ ውሳነ፡ ናይቲ ፌዴራል መንግስቲ'ምበር ናይ ካልኦት ክልላት ናይ ሓባር ከምዘይኮነ ኣረዲኡ።

  16. ‘ኣብ ወልቃይትን ጸገዴን ልዕሊ 75 ሚኢታዊ ህዝቢ ኣድሚጹ’

    ኮሚሽን መረጻ

    ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ሰዓታት ናይ ንጉሆ ጥራይ፡ "ኣብ መረፃ ክልል ዓዲ ረመጽ (ወልቃይትን ጸገዴን) ኣብ ዝርከባ 112 መረፃ ጣብያታት ካብ ዝተመዝገበ ብዝሒ፡ ክሳብ እዛ ሕዚ ሰዓት 4:30 እቲ 75% ህዝቢ ኣድሚጹ ኣሎ" ኢሉ።

    እቲ ኮሚሽን፡ ንኣፈፃሚ መረፃ እታ ክልል ኣይተ ሽሻይ ገብረመስቀል ብምጥቃስ እዩ ነዚ ሓበሬታ ሂቡ።

    እቲ ከይዲ መረጻ ክሳብ ምሸት ሰዓት 12፡00 (6፡00) ክቕጽል ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።

  17. 'መረፃ ትግራይ ናይ ዕቁብን እድርን ምትእኽኻብ እዩ' ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ, ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

    ምንጪ ስእሊ, ETV

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ 2013 ምኽንያት ብምግባር፡ ምስ ሃገራዊ ቴለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ እቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ክልላዊ መረፃ ዘይሕጋዊ ከምዝኾነ ገሊፁ።

    “ኣብ ትግራይ ክልል ዝካየድ መረፃ ልክዕ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ከምዝህነጽ ገዛ እዩ። ንስኻ ኣብ ሓደ ፀግዒ ከይድካ ገዛ እንትትሰርሕ፡ ሓደ ሓደ ግዘ ናይ ቀበሌ ኣቦ ወንበር ይርእየካ እዩ፡ ገለ እዋናት ድማ ኣይርእየካን፡ ወይ ድማ እናርኣየካ ይሓልፍ። ይኹን’ምበር ዘይሕጋዊ ገዛውቲ ዝሰርሑ ሰባት ካርታ ስለዘይብሎምን መብራህቲ ብሕጋዊ መገዲ ስለዘይኣትወሎምን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዘይሕጋውያን ምዃኖም ስለዝፈልጡ ደቂሶም ኣይሓድሩን። ጣሕሸም ብዝበለን ሲኖትራክ ብዝሓለፈን ቁፅሪ፡ ዶዘር መፅዩ ዘፍርሶም እዩ ዝመስሎም። ከምዚ ዓይነት ነገር ሓደ መዓልቲ ክፈርስ እዩ። እዚ ከም ዘይሕጋዊ ገዛ እዩ ዝበልናዮ መረፃ፡ ሕጋዊ ኣይኮነን” ኢሉ።

    ኣብ ኢትዮጵያ መረፃ ምክያድ ዝከኣል ብሃገራዊ ቦርድ መረፃ ጥራሕ ከምዝኾነ ዝተዛረበ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ መረፃ፡ “ርእሲ ሕማምና ኣይኮነን” ብምባል ገሊፅዎ።

    እንተኾነ፡ መንግስቲ ፌደራል፡ ወጻእተኛ ጋዜጠኛታትን ተዓዘብትን ናብ ትግራይ ከይከዱ ኣጊዱ፡ ነቲ መረጻ ከይጽብጽቡ’ውን መጠንቀቕታ ክህብ ተራእዩ እዩ።

    ብተወሳኺ ድማ፡ ብባይቶ ፌደሬሽን ኣቢሉ፡ እቲ መረጻ ተቐባልነት ከምዘይህልዎ ኣዊጁ እዩ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ዋላኳ ነቲ ትግራይ ተካይዶ ዘላ መረጻ ኣንኢሱ ከቕርቦ እንተፈተነ፡ ተንተንቲ ፖለቲካ ግን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ዘሎ ምስሕሓብ ዘጋድድ ክኸውን ከምዝኽእል ክገልጹ እዮም ጸኒሖም።

    መረጻ ትግራይ

    “ህወሓት ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ክልል ትግራይ፡ ልክዕ ከም ብልፅግና መንግስቲ እዩ ኮይኑ እዩ ዝመርሕ ዘሎ። ሕዚ ኣብ ሞንጎ እዚ ዝግበሩ ናይ ዕቁብን እድርን ምትእኽኻባት ወይ ድማ ጉባኤታት፡ ናትና ዓብይ ርእሲ ሕማም ክኾኑ የብሎምን። ርእሲ ሕማም ኣይኮኑን። ህወሓት [መጻኢ ኣብ ዝካየድ] ሃገራዊ መረፃ፡ ኣብ ባይቶ ኮነ ኣብ ዝካየዱ ሃገራዊ መረፃታት እንድሕር ዘይሳተፍ ተቐባልነት የብሉን። ነዚ እዩ ብዙሕ ቦታ ክህቦ ዘይደሊ” ኢሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ።

    ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ድሕሪ ትሽዓተ ወይ ድማ ዓሰርተ ወርሒ ክካየድ ከምዝኽእል ዘአንፈተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ መረፃ ዘይሳተፍ ዝኾነ ሓይሊ፡ ናብ ባይቶ ኢትዮጵያ ከምዘይኣቱ’ውን ገሊፁ።

    “ዘክሩኒ ኣብዚ እየ ዘለኹ ኣብ ዝብል ኣውያት ኢድና ኣእቲና ካብ ዋና መገድና ደው ክንብል ኣለና ኢለ ኣይሓስብን። ዘይሕጋዊ እዩ፡ ዘተሓታት ኣይኮነን። ግና እዚ ከም መረፃ ምርኣይ ትኽክል ኣይኮነን፡ መረፃ ዝኸውን ቦርድ መረፃ እንትመርሖ ጥራሕ እዩ" ድማ ኢሉ።

    መንግስቲ ፌደራል ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣእካየድን ምባሉ ስዒቡ፡ ናብ ብልፅግና ዘይተፀምበረ ህወሓትን መንግስቲ ክልል ትግራይን ግና ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕ ዝተገበረ እዩ ብምባል፡ ናይ ባዕሉ መረፃ ከካይድ ወሲኑ።

    ኣብ መረፃ ትግራይ ከድምጽ ልዕሊ 2.7 ሚልየን ህዝቢ ዝተመዝገበ ኾይኑ፡ ሎሚመዓልቲ ጳጉሜን ኣርባዕተ 2012፡ ናብ ናቑጣታት መረፃ ከይዱ ይመርፅ ኣሎ።

  18. መረጻ ክልል ትግራይ ብኸመይ እዩ ናብዚ በጺሑ?

  19. ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም፡ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ድምፂ ሂባ

    ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ህወሓትን፡ ኣፈጉባኤ ባይቶ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ዝነበረትን፡ ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም፡ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ድምፂ ሂባ።

    ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ንህወሓት ወኪሎም ኣብ መቐለ ካብ ዝወዳደሩ ዘለዉ ሕጹያት ሓንቲ እያ።

    ኬርያ
  20. ኣብ ትግራይ፡ ንመረጻ ክበሃል መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣብያተ ዕዮ ተዓጽዮም