ብልሽውና ኮሮናቫይረስ ኣብ ኬንያ፡ ነጋዶን ሰበ ስልጣንን ኬንያ ዘኽስስ ግዕዝይና

ኣብ ኬንያ ናውቲ ሕክምና ኮቪድ-19 ንምዕዳግ ዝተሰልዐ ብሚልዮን ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ ብምጥፍኡ፡ መርመርቲ ኬንያ ኣብ ልዕሊ 15 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ነጋዶን ክሲ ክምስርቱ'ዮም።

እዞም ምስ ፖለቲከኛታት ርክብ ዘለዎም ውልቀሰባትን ነጋዶን፡ ሕጋዊ ብዘይኮነ መገዲ ጨረታ ክስዕሩ ከም ዝተገብረ እቲ ዝተኻየደ መርመራ የመልክት።

ህዝቢ ብፍላይ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት ምኽንያት ብምግባር ድሕሪ ዘስምዖ ጥርዓንን ተቓውሞን፡ መንግስቲ ኣብቲ ጉዳይ መርመራ ክግበር መምርሒ ሂቡ ነይሩ።

መንግስቲ ኬንያ፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ካብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ትካላት ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ገንዘብ ተቐቢሉ'ዩ።

እንተኾነ፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣገልግሎት ኣብ ዝህብሉ እዋን ከቢድ ሕጽረት መከላኸሊ ኣቑሑ ከም ዝገጥሞም ብተደጋጋሚ ይገልጹ ነይሮም።

በዚ ምኽንያት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐን መንግስቲ ቖላሕታ ክገብረሎምን ክምሕጸኑ ጸኒሖም'ዮም።

እንተኾነ፡ በዓል መዚ ቀረብ ኣቑሑ ሕክምና ኬንያ ዝጠፍአ ገንዘብ የለን ብምባል ነቲ ክሲ ይነጽጎ።

እቶም ዝቐርቡ ክስታት እንታይ'ዮም?

ቀዳማይ ክፋል እቲ መርመራዊ ጸብጻብ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ ጋወን፣ ጓንትን ካልኦት ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ሆስፒታላት ዘድልዮም ቀረባት ንክግዝአሉ ዝተሰልዐ 7.8 ሚሊዮን ዶላር ብዘይኣግባብ ተጠፋፊኡ'ዩ ይብል።

እቶም ካብ ኮሚሽን ስነ ምግባርን ጸረ ብልሽውናን ዝተወጻጽኡ ሰብ ሞያ፡ እዞም ኣቑሑት ንምዕዳግ ጨረታ ክካየድ ከሎ ብርክት ዝበሉ ሕግታት ተጣሒሶም'ዮም ኢሎም።

እቲ ኮሚሽን ብሮቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ዕድጊ እቶም ኣቑሑት ናይ ምቁጽጻር ሓላፍነት ኣብ ዝተዋህቦ ትካል ዝሰርሑ ሓለፍቲ ብዘይኣገባብ ወጻኢታት ስለ ዘውጽኡ ብገበን ክሕተቱ ከም ዝኽእሉ እቲ መርመራ የረድእ" ኢሉ።

ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ትካል ዕድጊ ናውታት ሕክምና ኬንያ (ከምሳ) ከምኡ'ውን ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ክሲ ከም ዝምስርት ኣፍሊጡ።

ካልኣይ ክፍሊ እቲ መርመራ ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ጨረታ ስዒሮም ዝተባህሉ ትካላት ዘተኮረ'ዩ።

እቶም ትካላት ንኮቪድ-19 ዝተዋህቦ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብዘይኣገባብ ተጠቒሞም ድዮም ዝብል ዘመላኽት ነገር የለን።

ናብ ባይቶ ሰኔትን ቢቢሲን ዝተላእኸ ሰነድ ከም ዘመላኽቶ ግን ገሊኦም ጨረታ ዝስዓሩ ትካላት ኣብ ውሽጢ ሰሙን ዝተጣየሹ እዮም።

'ሾፕ ኤንድ ባይ ሊሚትድ' ዝተባህለ ትካል ጨረታ 10 ሚሊዮን ዶላር እዩ ስዒሩ።

ግን ድማ እቲ ትካል ኣብ ኬንያ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ቅድሚ ምርካቡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን'ዩ ተጣይሹ።

እቲ ትካል ዝፈጸምኩዎ ጌጋ የለን'ዩ ዝብል።

ካልኦት ጨረታ ዝተዓወቱ ትካላት ድማ ምስ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ርክብ ዘለዎም እዮም።

እቶም ሰነዳት ከም ዘመላኽቱዎ፡ ትካል ዕድጊ ናውታት ሕክምና ኬንያ እቶም ኣቑሑት ካብቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ ሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ ዝዓደገሉ እዋን ኣሎ።

እዚ ብልሽውና ዝፈጠሮ ጽልዋ

ብምኽንያት እዚ ተግባር፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብዙሓት ዶኳትርን ነርሳትን ሕጽረት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ከም ዘጋጠሞም ብምግላጽ ሰልፊ ተቓውሞ ገይሮም።

ገሊኦም እቲ ዝቐርበሎም ኣቕሓ ደረጅኡ ዘይሓለወ ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ይጥቅዑዎ ነይሮም።

መንግስቲ ደሞዝ ከም ዝውስኽ ቃል ብምእታው ናብ ስራሕ ክምለሱ ክገብር እንከሎ፡ እቲ ዝኣተዎ ቃል እንተዘይተፈጺሙ ግን ዳግም ኣድማ ከም ዝገብሩ ይገልጹ ኣለው።

ዶኳትር ኬንያ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ዝተረኽበ ናይ ሓገዝ ገንዘብ ኣብ መዓላ ስለ ዘይውዓለ'ዩ ሕሙማት ክሞቱ ክኢሎም ይብሉ።

ክሳብ ሕጂ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዶኳትር በቲ ቫይረስ ክልከፉ ከለው 10 ድማ ሞይቶም።

እቲ ነዚ ለበዳ ንምክልኻል ዝተዋህበ ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ዓለምለኻዊ ባንኪ፣ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ፣ ውድብ ጥዕና ዓለምን ቻይናዊ በዓልቲ ሃብቲ ጃክ ማን ዝተረኽበ'ዩ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ኬምሳ ግን ኣይውዓልናዮን ብዝብል ንነብሶም ተኸላኺሎም። ዋና ፈጻሚ ስራሕ ጆን ማንጃሪን ካልኦት ክልተ ላዕለዎት ሓለፍትን ካብ ስርሖም ተኣጊዶም ኣለው።

ኣቦ መንበር ኬምሳ ኬምቢ ጊቱራ ግን እቲ ትካል ልዕሊ እቲ ዝተፈቐደሉ ወጻኢ ከም ዝገብረ ተኣሚኑ።

ብሮቡዕ ግን ሰበ ስልታን ትካል ዕድጊ ናውቲ ሕክምና ኬንያ ዝርዝር እቶም ጨረታ ዝተዓወቱ 25 ትካላት ንከቕርቡ ተሓቲቶም ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።

መንግስቲ እንታይ ይገብር ኣሎ?

ፕሬዝደንት ኡህሩ ኬንያታ እንታይ ከም ዝተፈጥረ ንምጽራይ ቃል ኣትዩ

ብ26 ነሓሰ 2020 እቲ መርመራ ኣብ ውሽጢ 21 መዓልታት ክዛዘም መምርሒ ሂቡ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ዘቐመጦ ግዜ ገደብ ግን ሓሊፉ ኣሎ።

ኮሚሽን ስነ ምግባርን ጸረ ብልሽውናን ኬንያ ዝረኸቦ ቀዳማይ ዙርያ መርመራ ናብ ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ኣብደ ኬንያ ልዕሊ 37 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ ከለው ሞት 659 ተመዝጊቡ'ሎ፡ልዕሊ 24 ሽሕ ድማ ሓውዮም። ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት ግን ብዝሒ መልከፍቲ ምጉዳል ኣርእዩ ኣሎ።'ዩ።