እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስለምንታይ ኢትዮጵያውያን ዝርግሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ምክልኻል ሰኒፎም?
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከባቢኹም ክንደይ ዝኣክል ሰብ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፈ ትፈልጡ'ዶ? ንነብስኹም ንምክልኻል፡ መዓልታዊ እንታይ ዓይነት መገድታት ምክልኻል ትጥቀሙ ኣለኹም?
ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮቮድ-19 ብዝሒ ብጽኑዕ ዝሓሙ ሰባት ከም ዝወሰኸ ብምግላጽ እቲ ለበዳ ናብ ዘስግእ ደረጃ ከም ዝደየበ ሓቢሩ ነይሩ።
ሕብረተሰብ ብዛዕባ እቲ ሕማም እኹል ግንዛበ እንተሃለዎ'ውን፡ ነቶም መከላኸሊ መገዲታት ግና ዕሽሽ ከም ዝበሎም ዝገለጸት ሚኒስትሪ ዶክተር ሊያ ታደሰ፡ ብፍላይ ኣብ መናእሰይ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣካይዳ ከም ዝርኣይን፡ እዚ ምኽንያት ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ክኸውን ከም ዝኽእልን ኣጠንቂቓ።
ንምዃኑ ስለ ምንታይ'ዮም 'ብዙሓት' ኢትዮጵያውያን ነዚ ዓለማዊ ለብዒ ዕሽሽ ኢሎምዎ ክንብል ንዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ሓቲትና።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ መርመራ 395 ሽሕን 851 ቅምሶታት ክግበር እንከሎ፡ ብዝሒ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት 15 ሽሕን 200 በጺሑ ኣሎ።
መዓልታዊ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተሓዙ ሰባት ብዝሒ እናወሰኸ፡ ካብ 500 ክሳብ 700 ዝበጽሑ ሰባት እቲ ቫይረስ ይርከቦም ኣሎ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ቁጽሪ በዚ ቫይረስ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት 66 ኮይኑ፡ 239 ሰባት'ውን ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም ኣለው።
መምህር መረራ ፈራ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ኣምቦ እዩ ዝነብር። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረሰተብ ዝነበረ ስግኣት ምትሕልላፍ ኮሮናቫይረስ ከም ዝነከየ'ዩ ዝገልጽ።
"ብፍላይ ካብ ገዛ ናብ ደገ ውጽእ እንተኢልካ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍን ኣፍንጫን ዘይብሉ ተጸፋጺፉ ዝጓዓዝ ሰብ ኢኻ ትርኢ። ቅድም ኢሉ፡ ናብ ስራሕ ክትኸይድ፣ ምስ ሰብ ክትራኸብ፣ ናብ ዕዳጋ ክትሕወስ እንከለኻ፡ መብዛሕትኡ 'ማስክ' ክገብር ንዕዘቦ ነይርና" ኢሉ።
እንተኾነ፡ እዚ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ዳርጋ "ኮሮናቫይረስ ጠፊኡ" እዩ ዘሎ ብምባል፡ ኣብ ከባቢኡ ክትትል ዝገብር መሓውር መንግስቲ ዘይምህላው ከም ዘስግኦ ተዛሪቡ።
ኣዲስ ኣበባ መዓልታዊ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ መልከፍቲ ዝርከበላ ዘሎ ማእከል እቲ ለበዳ ኮይና፡ ሰፊሕ ምጉዳል ጥንቃቐ ከም ዝርኣየላ ነበርታ ይገልጹ።
ሰብ ዕሽሽ እናበለ ምምጽኡ ከም ዝተዓዘበት ዝገለጸት ወይዘሮ ኣስቴር ቶላ፡ ኣብ ክንዲ ቁጽሪ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ጥራሕ ምግላጽ እቲ ሕብረተሰብ ናይ እማን እቲ ሕማም ኣብ ውሽጡ ከም ዘሎ ክርዳእ ዝሕግዙ ስራሕቲ ክስርሑ ከምዝግባእ ትዛረብ።
"መብዛሕትኡ ኣብ ጥቕኡ ዘሎ ሰብ እንትሓምም እዩ ቁሩብ ልቢ ዝገዝእ ዝመስለኒ፤ እቲ ዝነበረ ጥንቃቐ መዓልታዊ እናነከየ መጺኡ፤ 'እቲ ሕማም የለን' ናብ ዝብል ርድኢት'ዩ በጺሑ" ኢላ።
ኣብ ትግራይ'ከ?
ትግራይ፡ ብመንጽር ኣብ ካልኦት ክልላት እታ ሃገር ዝምዝገብ ዘሎ መልከፍቲ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ዝርኣየሉ ዘሎ ክልል ኮይኑ፡ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 600 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለው።
ኣብ ከተማ መቐለ ድማ እቲ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረሰተብ ኣትዩ ይርከብ።
መልከፍቲ እቲ ለበዳ እናገደደ ከም ዝመጽአ ዝዛረብ ወዲ 56 ዓመት ነባሪ እታ ከተማ ኣይተ ሓድሽ ሽሻይ፡ ኣብቲ መንእሰይ ዘሎ ተገዳስነት ዝነኣድ ኣይኮነን ይብል።
"ብቀንዱ ዓብዪ ይኹን ንኡሽቶ እምነቱ ኣብ ሃይማኖት እምበር ኣብ ሳይንስ የለን፤ በዚ ምኽንያት ማስክ ዝጥቀም ኮነ ርሕቐቱ ዝሕሉ ኣይዕዘብን። ከማይ ብዕድመ ድፍእ ዘበለ ካብ ገዛ ኣይወጽእን፤ እንተዘየለ ድማ፡ ፈንተት ፈንተት ኢሉ ይቕመጥ። እንተ እቲ መንእሰይ'ሞ ዝግደስ ኣይኮነን" ኢሉ።
ብፍላይ ኣብ መናእሰይ 'ሓሚምካ'ውን ድሒንካ ትወጽእ ኢኻ' ዝብል ርድኢት ሚዛን እናደፍአ ከም ዝመጽአ ዝገለጸ ኣይተ ሓድሽ፡ "እቲ እንዕዘቦ ሸለልትነት ቀሊል ዝበሃል ኣይኮነን፤ እንተውሓደ ኣብ ገዛ እንውዕል ዓበይቲ ብደቅና ከይንልከም እየ ዝሰግእ" ብምባል ኣገዳሲ ክትትል ከም ዘድሊ ሓቢሩ።
'መንግስቲ ንፖለቲካ ይጥቀመሉ ኣሎ'
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሕዚ እቲ ሕብረሰተብ እንታይ ኢሉ ይኣምን? ክንብል ዝሓተትናዮ ነባሪ ምዕራብ ሃረርጌ ኣቶ ኣፈንዲ መሓመድ፡ ፖለቲካዊ ትርጉም ከም ዝተዋህቦ ይዛረብ።
"መንግስቲ ንፖለቲካ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ'ምበር ቫይረስ ዝበሃል የለን ዝብል ኣተሓሳስባ ብሰፊሑ ኣሎ። እቲ ሕብረሰተብ ቅድም ክብል ዝገብሮ ዝነበረ ጥንቃቐ ሙሉእ ንሙሉእ ገዲፉዎ'ዩ።
. . . ቅድም ኢሉ ሰብ ብብዝሒ ማስክ ይጥቀም፣ ኢዱ ይሕጸብ፣ ሳኒታይዘር'ውን እናተጠቐመ ርሕቐቱ ይሕሊ ነይሩ፤ ናይ ኢድ ሰላምታ ነውሪ ኮይኑ ነይሩ። ሕዚ ግን ኩሉ ነገር ናብቲ ዝነበሮ ተመሊሱ። መንግስቲ ዝህቦ ምኽሪ ዕሽሽ ዝብል ሰብ ውሑድ ኣይኮነን" ኢሉ።
ብደረጃ ዓለም ኣብዚ ሰሙን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልቲ ጥራሕ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ብሓደ ሚሊየን ክውስኽ ተራእዩ፤ ልዕሊ 16 ሚሊዮን በጺሑ ኣሎ።
ሳይንሳዊ መጽናዕታት፡ ኮሮናቫይረስ ቀታሊ ተላባዲ ሕማም ከም ዝኾነ ክገልጹ እንከለው፡ ሕዚ'ውን ግን ብዙሓት ሰባት ግጉይ ርድኢት ኣለዎም።
ንኣብነት ኣብ ኬንያ "ኣቱም ሰብ፡ ኣነስ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፈ ኣለኹ" ኢልኩም ብወግዒ እንተተዛሪብኩም፡ 'ሓሳዊ፤ መንግስቲ ክፈልጠካ ስለ ዝደለኻ ድዩ?' ተባሂልካ ትድሃል።
ኣይቪ ብሬንዳ ሮቲች፡ በዚ ቫይረስ ተለኺፎም ሕክምናዊ ክትትል ተገይሩሎም ድሒኖም ካብ ሞንጎ ዝወጽኡ ፈላመይቲ ኬንያዊት'ያ።
ንሳ ብወግዒ ናብ መራኸቢ ሓፋሽ ኬንያ ቀሪባ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፈት ብምግላጽ ህዝቢ ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብር መልእኽታ ኣሕሊፋ።
እንተኾነ፡ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ መንግስቲ ኬኒያ "ኮቪድ-19 ኣብ ውሽጢ ሕብረሰተብ ዘሎ ሕማም ምዃኑ ንከተእምነሉ ኾነ ኢሉ ዝለኣኻ እያ" ብምባል ነቒፎምዋ።
በዚ ኣቢሉ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ናይ ሓገዝ ገንዘብ ንክእክብ ዝጥቀመላ ዘሎ መሳርሒ እያ'ውን ኢሎምዋ።
ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ኣክሊሉ ኣለማየሁ ብወገኑ፡ እዚ ቫይረስ ቀታሊ ኣይኮነን ዝብሉ ሰባት ከም ዝገጥሙዎ ብምግላጽ፡ ሕብረሰተብ ኢዱ ብማይን ሳሙን ክሕጸብ ከም ዘለዎ ንምዝኽኻርን፡ ብቐሊሉ ክረኽቦ ንምግባርን ዝስርሑ ዝነበሩ ስራሕቲ ሕዚ ከም ዝተዳኸሙ የልዕል።
"ኣካላዊ ርሕቀትካ ምሕላው ዝበሃል እናተረፈ መጺኡ፤ ሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ይገብር'ሞ፡ ግና ዳርጋ ተሓቛቚፉ'ዩ ዝኸይድ። ካልእ፡ ቅድም ኢሉ መሕጸቢ ኢድ ተባሂሉ ዝተዳለወ ኣቕሓ በብቦትኡ ተቐሚጡ ነይሩ። ሕዚ ግና እቱ ማይ መትሐዚ በርሚል ጥርሑ ኮፍ ኢሉ ኢኻ ትረኽቦ። ናብ ሬስቶራንት ክትኸይድ ከለኻ'ውን ሳሙና ምቕራብ ገዲፈሙዎ እዮም"።
ከምዚኦም ዝበሉ ዝንቡዓት ርድኢታት፡ ብዙሓት በዚ ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት እቲ ዘጋጠሞም ሓቢኦም ኮፍ ክብሉ ምኽንያት ይኾኑ'ዮም።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምዝርጋሕ ኣብ ዝጀመረሎም ናይ መጀመርታ ኣዋርሕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኮሮናቫይረስ ናይ ወጻእተኛታት ወይ ጸዓዱ ሕማም ተገይሩ'ዩ ዝቑጸር ነይሩ።
ኣፍሪቃውያን ድማ፡ ነዚ ቫይረስ ናይ ምጽዋር ዓቕምና ልዑል'ዩ ዝብል ርድኢት ከም ዝነበረ ይዝከር።
ክኢላ ስነ ቫይረስን ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማትን ዩኒቨርሲቲ ናይሮቢ ፕሮፌሰር ኦሙ ኣንዛላ፡ ኣብ ባህሊ ኣፍሪቃውያን ብፍላይ ምስ ሕማም ብዝተሓሓዝ ግልጺ ኮይንካ ምምጻእ 'ዳርጋ ከም ነውሪ'ዩ' ዝቑጸር ብምባል፡ በብከባቢኡ ዝስትውዓሉ ናይ ኣተሓሳስባ ጸገማት ነቲ ሕማም ዝምልከት መልእኽቲ በቲ ዝድለ ኣገባብ ንከይሓልፍ ከም ዘዐንቅፎ የረድእ።
ሰብ ሞያ'ውን ምስቲ ተራ ሕብረሰተብ ዝረዳድእሉ ፍኹስ ዝበለ ቋንቋ ክመርጹን፡ ዝፈጥረሎም ፍርሒ ወይ ስግኣት ኣወጊዱ ብቐሊሉ ክርድኦም ዝገብር መገዲ ክጥቀሙን ከም ዘለዎም እዩ ዝሕብር።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ "ኩሉ ኣብ ጽቡቕ ምርጫ ይድረኽ"
ጀነራል ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣብዚ እዋን ኩሉ ሰብ ናበይ ከም ዝኸይድ፣ እንታይ ከም ዝገብርን ምስ መን ከም ዝራኸብን ፈሊጡ ጥንቃቐ ዝተመልኦ ውሳነ ክወስድ ኣለዎ ኢሉ ነይሩ።
ኣብዚ ህሞት፡ ናይ ሞትን ህይወትን ውሳነ ከም ዝወሰኑ ተረዲኦም፡ "ሓደ ሰብ ዝወስዶ ውሳነን ምርጫን ንሓደ ዝፈትዎ ወይ ዘይፈልጦ ሰብ ዝህቦ ናይ ሞትን ህይወትን ኣፈላላይ ክኸውን ይኽእል እዩ" ኢሉ።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምክልኻል ዝውሰዱ ዝነበሩ ስጉምታት ክፎኽሱን ክለዓሉን ምስ ጀመሩ፡ ሓድሽ ለብዒ ብብዝሒ ከም ዝተራእየ ትካል ጥዕና ዓለም ይገልጽ።
ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ኣብ ለይታዊ ተልሂትን ካልኦት ማሕበራዊ ምትእኽኻባትን ዘጋጥም ለብዒ ብምህላዉ፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ሓደጋ ከም ዝኾነ ክግንዘብ ከም ዘለዎ ኣጠንቂቑ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ መልእኽቱ፡ "ሕዚ'ውን ብዙሓት ሰባት ነዚ ቫይረስ ተቓላዕቲ ከም ዝኾኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ኩሉ ነገር ድማ ኣብ ጽቡቕ ምርጫ ዝድረኽ'ዩ" ኢሉ።