ኮሮናቫይረስ ኣብ ህንዲ፡ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ገዛ ስራሕ ንክሰርሑ ጎስጓስ ተጀሚሩ

ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ዘይተረጋገጸለን ሃገራት፡ መብዛሕትኡ ናይ ገዛ ስራሕ ሓላፍነት ጓል ኣንስተይቲ ተገይሩ'ዩ ዝቑጸር።

ካብዚ ብዝብገስ ድማ፡ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮን ኣዴታትን ንዕዮታት ገዛ ዝተቓልዓ ስለ ዝኾና፡ ብቐንዱ ካብ ትምህርትን ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትን ይቦኽራ።

ኣብዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ዳርጋ መብዛሕትአን ሃገራት ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ካብ ሞንጎ ዝወሰድኦም ስጉምታት ኣዋጅ ዕጽዋ እቲ ሓደ እዩ።

እዚ ድማ፡ ፖለቲካ ጾታ ህንዲ ናብ ኣደባባይ ክወጽእ ገይሩዎ'ሎ።

ኣብ ህንዲ፡ ከምቲ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዘሎ መሕጸቢ ክዳን ኣቑሑን ከምኡ'ውን መንበሪ ገዛ ዘጽሪ መሽን ዝተማልኣሉ ናብራ ኣይኮነን ዘሎ፤ እቲ ናይ ገዛ ስራሕ ከበድቲ ነገራት ናይ ምልዓል ዝበዝሖ ስራሕ እዩ።

ስለ ዝኾነ፡ ደቂ ኣንስትዮ መግቢ ዝተቐረበሎም ወይ ዝስርሐሎም ኣቑሑት፣ ክዳውንቲ ብኢድ ተሓጺቦም ቦትኦም ክትሕዙ ክገብራ ኣለወን።

ገዛ'ውን ክጸሪ ኣለዎ። ሓልዮት ዝደልዩ ቖልዑን ኣረጋውያንን ድማ ኣለው፤ እዚ ኹሉ ተደሚሩ ንጓል ኣንስተይቲ ህንዲ ከቢድ ጸር እዩ ዝኾና።

ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት እዛ ሃገር ኣብ ማእከላይ እቶት ዝርከቡ ስለ ዝኾኑ፡ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ቖጺሮም እዚ ኹሉ ጣጣ ክውግኑዎ ይኽእሉ ይኾኑ።

ግን ድማ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ዝሕሰብ ኣይኮነን፤ ሃገር ሙሉእ ኣብ ኣዋጅ ዕጽዋ ስለ ዘላ እተን ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት መጺአን ክሰርሓ ኣይኽእላን እየን።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ስድራ ልዕሊ እቲ ክብሃል ዝክኣል ጎንጽን ምክፍፋልን ተፈጢሩ፤ ክሳብ ቐዳማይ ሚኒስትር ናረንድራ ሞዲ ኢዱ ክሕውስን ፍታሕ ከምጽእን ዝጠልብ ፌርማ ምትእኽኻብ ተበጺሑ።

"መኾስተር 'ብጓል ኣንስተይቲ ጥራሕ ክተሓዝ ኣለዎ' ዝብል ጽሑፍ ተጠቂዑዎ ድዩ ዝሽየጥ?" ዝብል ጽሑፍ ተዳልዩ እዩ እቲ ፌርማ ዝተኣኻኸብ ዘሎ።

ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ፡ "መሕጸቢ ክዳን ማሽንን እቶንን ብጓል ኣንስተይቲ ጥራሕ'ዮም ዝሰርሑ ተባሂሉ ድዩ? ስለ ምንታይ ድኣ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ገዛ ስራሕ እጃሞም ዘየበርክቱ" ይብላ ኣለዋ።

ብምኽንያት እቲ ዕጽዋ ኣብ ገዛ ኮይና ክትሰርሕ ዝተገደደት ኣዳላዊት እዚ ምትእኽኻብ ፌርማ ሱባርና ጎሽ፡ ብተወሳኺ ናይ ገዛ ስራሕ ከም ዝተሰላቸወት ብምግላጽ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ "ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ህንዲ እቲ ናይ ገዛ ስራሕ ማዕረ ንክማቐልዎ ንምትብባዕ፡ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ ትኹረት ክገብረሉ ኣለዎ" ትብል።

"እዚ ወሳኒ ሕቶ'ዩ፤ ስለ ምንታይከ'ዮም ብዙሓት ሰባት ዘይዛረብሉ?" ክትብል'ውን ጽሒፋ።

እዚ ነጸብራቕ ጾታዊ ዘይመዓርነት ህንዲ ዝኾነ ጻውዒት ምስ ኣቕረበት ክሳብ ሕጂ፡ 70 ሽሕ ፌርማ ኣተኣኻኺባላ።

ከም ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ትካል ሸቃሎ 2018፡ ኣብ ከተማ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ መዓልታዊ ዘይኸፈሎ ስራሕ ብምስራሕ ን321 ደቓይቕ [ልዕሊ 5 ሰዓት] ተጸሚደን ይውዕላ። ብኣንጻሩ ደቂ ተባዕትዮ 29 ደቓይቕ ጥራሕ እዮም ዘጥፍኡ።

ኣብ ገጠራት ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ን291 ደቓይቕ [ንልዕሊ 4 ሰዓታት] ዘይኽፈሎ ስራሕ ክሰርሐ እንከለዋ፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ 32 ደቓይቕ ጥራሕ እዩ።

ኣደ ክልተ ቖልዑት ዝኾነት ሱባርና ጎሽ፡ ተሞኩሮ ህይወተይ ይኹን ኣብ ከባቢና ናይ ዝፈልጠን ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ዓይነት እዩ ትብል።

"መግቢ ዘዳሉ፣ ገዛ ዘጽሪ፣ ክዳን ሓጺበ ቦትኡ ዘትሕዝ . . . ኩሉ ነገር ዝሰርሕ ኣነ እየ"።

በዓል ቤታ ሰራሕተኛ ባንኪ እዩ። "ዋላ ሓደ መዓልቲ ክሕግዝ ኢሉ ሓሲቡዎ ኣይፈልጥን" እያ ትብል።

ሱባርና ጎሽ ኣብ ሓደ ግብረ ሰናይ ትካል ናይ ፍትሒ ኣገልግሎት ብምሃብ እትሰርሕ ኮይና፡ ኣብዚ እዋን ዕጽዋ፤ ኣብ ገዝኣ ንኹሉ ነገር ንሳ መስዋእቲ ክትገብር ከም ዘለዋ ዝገብር ዝንባለ ከም ዝተዓዘበት ትዛረብ።

"ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ፈለማ ኣዋጅ ዕጽዋ ክእወጅ እንከሎ፡ ናተይ ስራሕ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ። ኩል ግዜ እዩ ስለ ዝደኽመኒ ከንጸርጽር ጀሚረ። ድሓር ሰባት እንታይ ድዮም ዝብሉኒ? ዘይትገድፍዮ'ሞ ይብሉኒ"።

ድሕሪ እዚ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ኣቑሑ ገዛ ኮነ ክዳውንቲ ምሕጻብ ይትረፈለይ ኢላ ሓዲጋቶ።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ግን፡ ዓይነይ ጉድ ርእዩ ኢላ። እቲ መሕጸቢ ኣቑሑት ብዝረስሐ ኣቕሓ ዒቕ ኢሉ መሊኡ፤ ክዳውንቲ'ውን ተኾሚሮም።

ሽዑ'ዮም፡ በዓል ቤታ ኮነ ደቃ ስለ ምንታይ ሱባርና ጎሽ ተንጸርጽር ከም ዝነበረት ዝተረድኦም።

"ድሕሪኡ በዚ ተደራቢ ስራሕ ክንደየናይ ተጎዲአ ከም ዝጸናሕኹ ተረዲኡ በዓል ቤተይ ክሕግዘኒ ጀሚሩ። ግን ድማ፡ ደቂ ተባዕትዮ በቲ ናይ ገዛ ስራሕ ሓላፍነት ጓል ኣንስተይቲ'ዩ ብዝብል ባህልን ማሕበረሰባዊ እምነታትን ዝተጎድኡ'ዮም። ናይ ገዛ ስራሕ ከመይ ከም ዝዕየ ከይተመሃሩ'ዮም ዝዓብዩ። ኢዶም ሒዝካ ምምሃር የድልዮም'ዩ" ኢላ።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ህንዲ ይኹን ኣብ ውሽጢ ተባዕታዊ ኣተሓሳስባ ጎሊሑ ዝርኣየሉ ሕብረተሰብ ካልኦት ሃገራት፡ ደቂ ኣንሰትዮ ካብ ዕሸል ዕድሚአን ኣትሒዙ ስድራ ምእላይ ሓላፍነተን ከም ዝኾነ ብዘስርጽ ኣገባብ እየን ዝዓብያ።

እዚ፡ ከም ንቡር ስለ ዝቑጸር ናብ ትምህርቲ ወይ ካልእ ዕዮ ዝኸዳ እንተኾይነን ተደራቢ ስርሐን ኮይኑ ብኣጋ ወጊነን ክኸዳ'ዩ ትጽቢት ዝግበር።

"ቖልዓ ከለኹ፡ ንኣደይ ብምሕጋዝ ኣነ'የ ኩሉ ነገር ዝሰርሕ ነይረ። ሓወይ ምስሑ'ውን ኣቐሪቡ በሊዑ ኣይፈልጥን" ክትብል ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ርኢይቶኣ ኣካፊላ ነይራ።

እተን መብዛሕትአን 'ንሕና እንነብረሉ ገዛ ጾታዊ መዓርነት ዝሰፈኖ'ዩ ዝብል ርኢይቶ ዘካፈላ ድማ፡ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ኣብ ውሽጢ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነበረ ስድራ ዝዓበያ ወይ'ውን ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽአ ሰብ ዝተመርዓዋ ምዃነን ገሊጸን።

ከም ጸብጻብ ኦክስፋም፡ ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ መዓልታዊ ንልዕሊ ሰለስተ ቢልየን ሰዓታት ንዘይኽፈሎ ስራሕ ዝተቓልዓ እየን።

እዚ ናብ ስሩዕ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ተወሲዱ እንተዝጽብጸብ፡ ናብ ዓመታዊ እቶት ህንዲ ብትሪሊዮን ሩፒ ዝግመት ኣታዊ ምረኸበት ተባሂሉ ይግመት።

ግን ድማ፡ ግደ ሓቂ እዚ ናይ ገዛ ስራሕ ኣብ ግምት ዝኣቱ ኣይኮነን። ስቕ ኢሉ ደቂ ኣንስትዮ ፈትየንኦ ብፍቕሪ ዝዓይኦ ተገይሩ'ዩ ዝቑጸር።

ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝተወስደ ስጉምቲ ዕጽዋ ግን፡ ስድራቤታት ነዚ ኣብ ትሕቲ 'ምንጻፍ ተቐቢሩ' ዝነበረ ካብ ድሑር ባህላዊ ኣመለኻኽታ ዝነቅል ናይ ስራሕ ክፍፍል ፊት ንፊት ክገጥሙዎ ይገብር ኣሎ።

"እዚ ዕጽዋ ነዚ ገፊሕ ፍልልይ ጾታ ፈጢጡ ክወጽእ ገይሩ'ዩ" ትብል ሱባርና ጎሽ።

"ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ 'ከመይ ኢሉ'ዩ ግን ሰብኣይ መግቢ ከብስል ወይ ገዛ ከጽሪ?' ኢለን ይሓታኒ። ገለ ንሰብኡተን ዝንእዳ'ውን ኣለዋ፤ 'ዝቐረብኹሉ ተቐቢሉ ዝበልዕ ሰብ ስለ ዝኾነ፡ ሰብኣየይ ጥዑም እዩ' ዝብላ'ውን ኣለዋ"።

በዚ ምኽንያት፡ ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝለኣኽ ፌርማ ክተተኣኻኽብ ጀሚራ።

ኣነ፡ ማዕርነተይ ዝተኸብረለይ ጽብቕቲ ሰበይቲ ክኸውን እየ ዝደሊ ዝበለት ሱባርና ጎሽ፡ ነዚ ፌርማ ምትእኽኻብ ክትጅምር እንከላ ንበዓል ቤታ ኣማኺራቶ፡ "ብእወንታ" ከም ዝተቐበሎ ትዛረብ።

"ስቕ ኢልካ'ሞ ናይ ገዛ ስራሕ ዘይትሰርሕ? ሰበይትኻ ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ ዝለኣኽ ፌርማ ተተኣኻኽብ ኣላ" ኢሎም ዝሓጨጭሉ'ውን ኣይተስኣኑን።

ንሱ ድማ፡ "ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ክንዲ ንበዓልቲ ቤቶም ንሞዲ ስለ ዝሰምዑ ጸገም የብሉን" ከም ዝበሎም ሱባርና ጎሽ ትዛረብ።

ንሱባርና ጎሽ፡ ዝነቐፉ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ እውን ኣለው። ንምዃኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ ንሕቶ ሱባርና ጎሽ ከም ቁምነገር ቖጺሩ ክዛረበሉ ድዩ?

ጎሽ፡ "ተስፋ ይገብር" ትብል።

"ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ሰብ'ዩ። ስለዚ ነዚ ከም መተባብዒ ደቂ ኣንስትዮ ገይሩ ብምውሳድ ክዛረበሉ እዩ። ክረምቲ ክኣቱ እንከሎ ብዛዕባ ሰዓልን ቁርን ይዛረብ'ዩ፤ ብዛዕባ ጾታዊ ማዕርነት ዘይዛረበሉ ምኽንያት ድኣ እንታይ ኣሎ?" ትብል።