ኡጋንዳ፡ ልዕሊ ኮሮናቫይረስ ሓይልታት ጸጥታ ቐተልቲ ዝኾኑላ ሃገር

ቅድም ኢሉ ኣብ ዓለም ተኸሲቶም ዝነበሩ ለበዳታት፡ ህይወት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ወሲዶም'ዮም።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዘሕድሩዎ ቁጠባዊ ጸቕጢ'ውን ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን።

እዚ ኣብ መወዳእታ ወርሒ 2019 ካብ ቻይና ዝተበገሰ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ'ውን፡ ክሳብ ሕጂ ጠንቂ ሞት ልዕሊ 622 ሽሕ ሰባት ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ብፍጥነት'ዩ ዝውስኽ ዘሎ፡ 770,650 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም፤ ካብዚኦም እቶም 436,080 ሓውዮም፤ 16,452 ድማ ሞይቶም ኣለው።

ኣብ ኡጋንዳ ግን፡ ክሳብ ትማሊ ዋላ ሓደ ሰብ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ኣይሞተን ነይሩ።

ትማሊ፡ ንፈለማ እዋን ብምኽንያት ኮቪድ-19 ሞት ዘመዝገበት ኮይና ከምዘላን፡ ሓንቲ ጓል 34 ዓመት ጓል-ኣንስተይቲ ሞይታ።

መንግስቲ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ዝወሰዶ ስጉምቲ ንምፍጻም ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ብዝወስዱዎ ዘለው ስጉምቲ ግን፡ ብውሑድ 12 ሰባት ተቐቲሎም።

ቢቢሲ፡ ንገለ ስድራ ግዳያት ኣዘራሪቡዎም ኣሎ።

ጆይስ ናሙጋሉ ሙታሲጋ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ፖሊስ ኤሪክ ንዝተባህለ ወዳ ብጥይት ምስ ሃረሞ ዘብጽሓሉ መጉዳእቲ ከቢድ ስለ ዝነበረ ሞይቱ።

ንሳ ከም እትብሎ፡ ወዳ ቅድሚ ምሟቱ ናብ ሆስፒታል ብምኻድ መጥባሕቲ ክግበረሉ እኳ እንተተፈተነ፡ ህይወቱ ግን ክትተርፍ ኣይክኣለትን።

"ሓደ ሰብ ካባኻ ክሃድም ከሎስ፡ ጥይት ትትኩሰሉ? ተመሊሱ ስለ ዘይመጽእ እንተውሓደ ይቕሬታ ክሓቱኒ ምተገብአ" ትብል።

እዛ ጓል 65 ዓመት ኣደ፡ ሕጂ ንሸሞንተ ኣባላት ስድራ ዝዕንግል ጾር ኣብ ዝባና ወዲቑ ኣሎ።

ቖልዑ ሰለስተ ዓመትን ሓሙሽተ ዓመትን ዝኾኑ ደቁ ድማ፡ ኣብ መንበሪ ገዝኦም እናተጻወቱ ጸኒሖም "ናይ ኣቦና መኪና ስኣሉልና" ብምባል ካሜራ ንዝሓዘን ክሓቶም ንዝከደን ሰብ ይምሕጸኑ።

እዚ ወዲ 30 ዓመት መምህር፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ዝወጽአ ሕጊንምኽባር ብዝንቀሳቐሱ ፖሊስ ብዝተተኮሰ ጥይት ከም ዝሞተ ይግለጽ።

ኣቶ ሙታሲጋ መምህር መባእታ ቤት ትምህርቲ ኮይኑ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ'ውን ንኡሽቶ ድኳን ኣላቶ።

ብሞተር ሳይክል ዝወሃብ ኣገልግሎት መጓዓያን ካብ ምሸት ክሳብ ንጉሆ ዝጸንሕ ሰዓት እቶ እቶን፡ ኣብ ኡጋንዳ ካብ ሞንጎ ዝተነብሩ እገዳታት እዮም።

ፖሊስ ኡጋንዳ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ተግባራዊ ዝኾነ ስጉምቲ ምክልኻል ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንከኽብሩ ኣብ ቀንዲ መገዲታት እናተንቀሳቐሱ መገዲ ብምዕጻው ክትትል ይገብሩ።

'ኣየሰልጠንካንን'

ብርክት ዝበሉ ዜጋታት፡ ኣብ መገዲ ሓይልታት ጸጥታ ክርእዩ እንከለው ከም ዝፈርሑ'ዮም ዝዛረቡ።

ሓደ መዓልቲ፡ ፖሊስ ምስ ሚሊሻታት ብምዃን ምሸት ሰዓት ሸውዓት (ሰዓት ሓደ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ዝተነብረ ኣዋጅ ሰዓት እቶ እቶ ኣየኽበሩን ዝበሉዎም ሰባት ክኣስሩ ጀሚሮም።

ኣብ ናይ ሙታሲጋ ድኳን ተቖጺሩ ዝሰርሕ ሓደ ሰራሕተኛ ካብቲ ድኳን ወጻኢ ስለ ዝረኸቡዎ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር የውዕሉዎ።

ኣብቲ እዋን ሙታሲጋ፡ "ይቕሬታ ክገብሩሉ ብዙሕ ለሚነዮም፤ ግን ንሓድሕዶም ይጨቓጨቑ ነይሮም" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት፡ ሰባት ክተኣኻኸቡ ጀሚሮም፤ ፖሊስ ድማ ነቶም ዝእከቡ ዘለው ሰባት ንምብታን ናብ ሰማይ ጥይት ከም ዝተኮሱን፤ ድሕሪኡ ናብ ሰባት'ውን ከም ዝተኮሱን ሙታሲጋ ተዛሪቡ ነይሩ።

"ኣጋጣሚ እታ ሽዓ ዝተተኮሰት ጥይት ኣብ ጸጋማይ እግረይ ሃሪማትኒ፤ ወዲቐ። ንሳቶም ግን ብፍጥነት ናብ ሞተር ሳይክል ተሰቒሎም ገዲፎምኒ ከይዶም" ኢሉ ነይሩ።

ሙታሲጋ፡ ናብ ሆስፒታል እናኸደ እንከሎ'ዩ ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡ። ፖሊስ ግን ናቱ ናይ ምስክርነት ቃል ኣየረጋገጸን።

ስድርኡ ካብቲ ዝበጽሖ መጉዳእቲ ክድሕን'ዩ ዝብል ተስፋ ነይሩዎም።

"ኣብ ሆስፒታል መጥባሕቲ ተገይሩሉ ክሳብ ዝወጽእ ንጽበዮ ነይርና፤ ሰብ ሞያ እቲ መጉዳእቲ ከቢድ ስለ ዝኾነ፡ እቲ መጥባሕቲ ክዕወተሎም ከም ዘይክኣለ ነጊሮምና' ይብላ ኣዲኡ።

ኣብ ሆስፒታል እንከሎ ህይወት እንትሓልፍ፡ መረጋገጺ ወረቐት ሞቱ'ውን እቲ ጥይት ምኽንያት ሞት ሙታሲጋ ከም ዝኾነ ኣረጋጊጹ።

ኣደ ሙታሲጋ፡ ናብ ቤት ፍርኢ ብምኻድ ክሲ ክትምስርት ዘማኽሩዋ ሰባት እንተሃለው'ውን፡ "ፖሊስ መን ተኲሱ ከም ዝቐተሎ ፈልዩ ኣየቕረበን፤ ንመን እ ዝኸስስ?" ክተብል ትሓትት።

ፋሪዳ ናንዮንጆ፡ ሓዚና ኣላ። ሓዋ ሮበርት ሴንዮንጋ ብፖሊስ ምስ ተቐጥቀጠ እዩ ⶁይቱ።

ብሸውዓተ ሓምለ 2020፡ ካብ ኣስራሒ ሮበርት ቴሌፎን ይድወለላ።

ሮበርት ብተደጋጋሚ ብለዓት ሽጉጥ ከም ዝተሃረመን እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ኣባል ሚሊሻታት ኡጋንዳ ከይኮነ ከም ዘይተርፍን ድማ ትሰምዕ።

ማናጀር ሓደ ሕርሻ ዝነበረ ወዲ 20 ዓመት ሮበርት ብምኽንያት እቲ ዝወረዶ መውቃዕቲ፡ ተመሳሳሊ መጥባሕቲ ክግበረሉ ግድን ነይሩ።

"ብጣዕሚ'የ ሓዚነ፤ እቲ ዝበጽሖ መጥቃዕቲ ከይኣክል ኣብ ሆስፒታል ግቡእ ሕክምና ክህቡዎ ኣይክኣሉን። ሓወይ ኣብ ኢደይ ሞይቱ" ኢላ።

ኣብ ኡጋንዳ፡ እዚ ናይ ከባቢ ሚሊሻታት [ኤልዲዩ] ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክንፊ ሓይልታት ጸጥታ ብ2000 ዓ.ም ፈ እዩ ተወዲቡ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ካብዞም ሚሊሻታት ብዙሓት ቕትለት ከም ዝፈጸሙ ብምግላጽ ክሲ ቐሪቡሎም ነይሩ'ዩ።

ድሕሪኡ መንግስቲ'ኳ እንተበተኖም ዳግም ኣብ 2008 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮፓ] ዳግም ክውደቡ ተገይሩ።

ነዞም ሚሊሻታት ዝነቕፉ ኣካላት ከም ዝብሉዎ፡ ግቡእ ስልጠና ዘይወሰዱ መናእሰይ ጠመንጃ ክሕዙ ስለ ዝተገብረ፡ በቲ ዝጽሐ ጉድኣት ኩሎም ተሓተትቲ እዮም ይብሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቶም ሚሊሻታት ካብ ልኡክ ተጸዊዖም ዳግም ስልጠና ይወስዱ ኣለው።

ፕሬዝደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኮነ ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን በዞም ሚሊሻታት ዝበጽሕ ቕትለት እንተኾነኑ'ውን፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኤጀንሲታት ድሕነት ግን መልሲ ንምሃብ ፍቓደኛታት ከይኮኑ ተሪፎም።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብወገኖም፡ እዚ መሓውራዊ ጸገም እዩ ብምባል ይካትዑ።

ኣባላት ድሕነትን ሓይልታት ጸጥታን ዝርግሐ ኮቪድ-19 ንምዕጋት ዝወጽአ ገደብ ምንቅስቓስ ምኽንያት ብምግባር ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ፈጺሞም'ዮም ብምባል እውን ይኸሱዎም።

ስድራ ግዳያት፡ ቐተልቲ ናብ ፍርዲ ክቀርቡ ምግባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ እንተበሉ'ውን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ግን ክልተ ገበነኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም ውጽኢት ተረኺቡዎ እዩ።

እቶም ክሲታት፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ወተሃደርን ሓደ ሚሊሻን ዝቐረቡ'ዮም።