እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖሊስ፡ ንህዝቢ ዓዲ ዳዕሮ ኣብ ዘቖጠዐ ጉዳይ ንቢቢሲ ዝሃቦ መብርሂ
ኣብ ትግራይ ዓዲዳዕሮ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ተፈፂሙ ንዝተብሃለ በደል ፖሊስ መብርሂ ሂቡ።
ኣብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ከተማ ዓዲዳዕሮ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ገምጋምን ምፅራይን: ነባሪ ብርክት ዝበሉ በደላት ዘጋለጸ እንትኸውን፡ ብፍላይ ሰለስተ ደቀንስትዮ ብሓደ ፖሊስ ፆታዊ ጥቕዓት ተፈፂሙና ከምዝበላ ዝዝከር እዩ።
ነዚ ነቐፌታን ገምጋምን ስዒቡ፡ እቲ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ኣባል ፖሊስ፡ ብዋሕስ ምስ ወፅአ: "ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ደው ይበል!" ብዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ወጺኡ ቁጥዕኡ ከምዝገለጸ ዝዝከር እዩ።
ኣዛዚ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ: ዋና ኢንስፔክተር ኣሸብር ካሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃለመሕትት ግን፡ እቲ ተጠርጣሪ ተራ ኣባል ፖሊስ እቲ ወረዳ ከምዝኾነን ብፍላይ ሓንቲ ጓል ኣንስትየቲ ቅድሚ 14 ዓመት ከምዝዓመፃን ኣብቲ ገምጋም ኣቕሪባ ይብሉ።
"ኣብቲ ነቐፌታ ሰለስተ ደቀንስትዮ በደል በፂሑና ኢለን ኣቕሪበን እየን። እታ ሓንቲ ብ1998 ዓ.ም ማለት ቅድሚ 14 ዓመት ዓሚፁኒ ኢላ። እተን ዝተረፋ ክልተ ድማ ሓዳር ክገብረልክን ብምባል ኣእዐሽዩና ኢለን ነቒፈን" ኢሎም።
ኣብ ዝተፈፀመ ግዜ ይፈፀም: ተፈፂሙ ድዩስ ኣይተፈፀመን ክፃረ ብኣፃራይት ጉጅለ ተታሒዙ'ሎ እውን ኢሎም።
"ኣብ ተጠርጣሪ ግዜ ቆፀሮ ብምሃብ: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኽፀንሕ ሓቲትና: ቤት ፍርዲ እቲ ወረዳ ብዋሕስ ክወፅእ ሕጊ ኣየፀግምን ኢሉ: ነዚ ብምቅዋም ናብ ዞባ ይግበአኒ ሓቲትና: ቤት ፍርዲ ዞባ እውን ንውሳነ እቲ ወረዳ ኣፅኒዕዎ። ስለ'ዚ ተጠርጣሪ ኣብ ደገ ኮይኑ ጉዳዩ ይከታተል 'ሎ" ኢሎም ዋና ኢንስፔክተር ኣሸብር።
ካብ ሰለስቲአን ተበዲልና ዝብላ ዝቐረበ ክሲ ከምዘየለን: ነታ ብ1998 ዓ.ም ተዓሚፀ ዝበለት ግን ፖሊስ ፀዊዑ ቃላ ከምዝተቐበለን ተገሊፁ'ሎ።
ፖሊስ ከምዚ ይበል 'ምበር፡ እተን ዛጊድ ክሲ ኣይመስረታን ዝተብሃላ፡ ግን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ጾታዊ በደል ኣብጺሑልና ዝበላ መዓዝን ኣብ ከመይ ኩነታትን ከምዝኾነ ዛጊድ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የለን።
እቲ ተጠርጣሪ ኣባል ፖሊስ: ኣብ ካልእ ወረዳ ተቐይሩ ይሰርሕ ከምዝነበረን እቲ ገምጋም ምስ ተኻየደ ግን ናብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ብእሱር ተሳሒቡ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ ተፈሊጡ'ሎ።
እቲ ጉዳይ ምስ ተፃረየ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ናብ ህዝቢ ብወግዒ ከምዝቐርብ ድማ ዋና ኢንስፔክተር ኣሸብር ንቢቢሲ ገሊፆም።
ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ብሓደ ኣባል ፖሊስ ተፈፂሙ ዝተብሃለን ህዝቢ ቁጥዐኡ ብሰልፊ ዝገለፀሉን ተግባር ኣመልኪቱ ከይዲ ምፅራይ ተጀሚሩ ከምዘሎሎ፡ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ንቢቢሲ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።
ነቲ ጉዳይ ኣፃርዩ ንህዝቢ ብቕልጡፍ ዘፍልጥ ኮሚቴ ብደረጃ ዞባን ወረዳ ተጣይሹ ከምዘሎ ድማ ምፍላጥ ተኻኢሉ።