እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንበዓልቲ ቤቱ ብሓይሊ ጸጉራ ዝላጸየ ሰብኣይ ተኣሲሩ
ኣብ ባንግላድሽ፡ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ዝቐረበትሉ መግቡ ጸጕሪ ጸኒሑኒ ኢሉ ብሓይሊ ዝላጸያ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።
ንመሰል ደቂ ኣንስትዩ ዝጣበቕ ሓደ ጉጅለ፡ ኣብዛ ዓቃባዊት ዝኾነት እስላማዊት ሃገር ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝረአ ጎነጽ ዝተሓወሶ ጸቕጢ ይብእስ ከም ዘሎ ይገልጽ።
እዚ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ባንግላድሽ፡ ጆይቦርሃት ኣብ ዝብሃል ዘባ ዝተኸሰተ ነገር፡ ፖሊስ ካብ ነበርቲ ድሕሪ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ወዲ 35 ዓመት ዝኾነ ባብሉ ሞንዳል ዝተባህለ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘውዓሎ ሓቢሩ።
ፖሊስ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ " ኣብቲ ብዓልቲ ቤቱ ንቁርሲ ዝቐረበትሉ ሩዝን ጸባን ጸጉሪ ምስ ረኸበ፡ ሓሪቑ፡ ነታ ጓል 23 ዓመት ብዓልቲ ቤቱ ብሓይሉ ብላማ ላጽይዋ" ኢሉ።
እታ ሃገር፡ ባብሉ ሞንዳል ቀሪብሉ ንዘሎ ክሲ ክሳብ 14 ዓመታት ክፍርዶ ዝኽእል ሕጊ ኣለዋ።
ዋላ ሕጊ ይሃሉ ግን ኣብ ባንግላድሽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ክውስኽ'ምበር ክንኪ ኣይረአን።
ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝጣበቕ ጉጅለ እትመርሕ ሳሊሽ ኬንድራ፡ ኣብ መጀመርታ ሽዱሽተ ወርሒ ናይዚ ዓመት፡ ኣብታ ሃገር መዓልታዊ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝዕመጻ ትሕብር።
እቲ ጉጅለ ተጣባቒ ደቂ ኣንስተዮ፡ ኣብ ባንግላዲሽ፡ ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ ኣብ ዝነበረ እዋን 630 ደቂ ኣንስትዮ ክዕመጻ እንከለዋ፡ 37 ደቂ ኣንስትዮ ከአ ድሕሪ እቲ ዘጋጠመን ዓመጽ ተቐቲለን። ሸውዓተ ከኣ ድሕሪ'ቲ ዝበጽሐን ዓመጽ ነብሰ ቅትለት ከምዝፈጸማ ይሕብር።
ብዘይካ እዚ 105 ናይ ጾታዊ ዓመጽ ፈተነ ከምዝተኻየደ እውን እቲ ጉጅለ ይሕብር።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ጓል 19 ዓመት ተመሃሪት፡ ርእሰ ምምህራ ኣብ ልዕለይ ጾታዊ ምትንኻፍ ፈጺሙ ብምባላ፡ ብትእዛዝ ርእሰ መምህር፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብሓዊ ተቓጺላ ድሕሪ ምማታ ኣብታ ሃገር ንዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ዝኹንን ዓቢ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዱ ዝዝከር እዩ።