ሞት ጸሊም ብጻዕዳን ጸሊምን እንታይ እዩ ፍልልዩ?

ብዙሓት ስርዓታት ፖሊስ ሓላዊ ህዝቢ ዘይኮነስ ሓላዊ እቲ ስርዓት ገይሮም እዮም ዝወስዱዎ። ቀንዲ ዕማም ፖሊስ ግን ኣብታ ሃገር ሕግን ስርዓትን ምርግጋጽ፡ ዜጋታት ዓመጽን ግህሰትን ከየጋጥሞም ምክልኻል እዩ። ምኽንያቱ ፖሊስ ከም ማንም ብቀረጽ ዜጋታት ደሞዙ ዝኽፈል ወሃቢ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንሕብረተሰብ ኣገልጋሊ ህዝቢ እዩ ክኸውን ዝግባእ።

እቲ ብሕብሪ ቆርበቱ ጥራሕ ከም ገበነኛ ተቖጺሩ ብፖሊስ ብጭካነ ዝተቐትለ ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ሂዩስቴን ቴክሳስ ተቐቢሩ። እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ጭካነ ግን ሓቢሩዎ ኣይተቐብረን።

እቲ ጨካን ተግባር ኣብ አእምሮ ኩሉ'ቲ ነቲ ፍጻሜ ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝረኣየ ዘበለ ተሓቲሙ ኣሎ። እቲ ንጆርጅ ፍሎይድ ክሳዱ ረጊጹ ዝቐተሎ ጨካን ፖሊስ እውን፡ ምስ ሕብሪ ቆርበቱን መልክዑን ካብ አእምሮ ሰባት ኣይክእለን እዩ። እቲ ገበን ግን ናይቲ ጨካን ፖሊስን ከም ምኽንያት ጭካኔኡ ንዝግለጽ ሲስተማቲክ ፖሊሳዊ ምሕደራን እምበር ንኹሎም ጸዓዱ ዝውክል ኣይኮነን።

ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ኣመሪካን ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለምን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ፡ ንዘበናት ዝሰረተ ምምሕዳራዊ ስርዓት ዓሌታዊ ኣድልዎን ወጽዓን ንከብቅዕ ዝጽውዕ ሰፊሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣለዓዒሉ'ዩ።

ኣብቲ ኣስታት 500 ስድራ-ቤትን መቕርብን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተረኽብሉ ስነ-ስርዓት ቀብሪ "ጆርጅ ፍሎይድ ጸሊም ብምዃኑ እዩ ከም ገበነኛ ተቐቲሉ" ዝብል ጽሑፍ ተጠቂዑ ነይሩ። እቲ ጭርሖ እቲ ግን ኣብ ቀብሩ ጥራሕ ኣይተነግረን። ኣብ ኩሉ እቲ ብነድሪ ቅትለት ጆርጅ ዝወጽአ "ህይወት ጸሊም እውን ክቡር እዩ!" ዝብል ሰልፍታት ከም ዓለማዊ ጭርሖ'ዩ ክቃላሕ ቀንዩ'ሎ።

"ዳግማይ ከይድገም" ሰልፊ ኬንያውያን

ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ እውን ኣብ ናይሮቢ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኬንያውያን ሰልፈኛታት፡ ካብ መወዳእታ መጋቢት ክሳብ ሕጂ ኣብ እዋን ዕጽዋ ኮቪድ-19፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብፖሊስ እታ ሃገር ንዘጋጠመ ቅትለት 15 ዜጋታት ብምኹናን፡ "ዳግማይ ከይድገም" ብዝብል ጭርሖ፡ ፍትሒ ክረጋገጽ ዝጠልብ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ብዙሓት ካብቶም ሰልፈኛታት ኣስማት ናይቶም ብፖሊስ ዝተቐትሉ ግዳያት ሒዞም ይረኣዩ። ካልኦት እውን " ህይወትና ትርጉም የብሉን - መጻኢና ይወሓስ - ዳግማይ ከይድገም" ዝብል ጭርሖ ዝሓዙ ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ዝተኣወጀ፡ ካብ ምሸት ክሳብ ወጋሕታ ምንቅስቓስ ዝገትእ ሰዓታት እቶ እቶ፡ ዘይሻራዊ በዓል ስልጣን ምቁጽጻር ፖሊስ ኬንያ (Kenya's Independent Policing Oversight Authority) ብፖሊስ ተበዲልና ዝብል 87 ጥርዓን ከምዝመጽኦን፡ ኣብቲ መስርሕ 15 ከምዝሞቱን ልዕሊ 30 ጉድኣት ከምዝበጽሖምን ሓቢሩ።

ጥሕሰት ሕጊ ፖሊስ ኣብ ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ እውን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ ትማልን ሎምን፡ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ሰባት ዝተፈላለየ በደላት ፈጺሞምን ይፍጽሙን ኣለው። ኣብ መወዳእታ ግንቦት ናይዚ ዓመት እኳ ኣምነስቲ ኢንተርናሺናል፡ መንግስቲ እቲ ኣብ 2019 ሽልማት ኖቬል ዝወሰደ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን፡ ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሞም ሰኒዱ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ጸብጻብ ኣምነስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ፌስቡክን ትዊተርን "ንዕብየት ኢትዮጵያ ዘይሕግዙ ዛዕባታት እዝኒ ኣይንህቦምን ኢና" ክብል ምጽሓፉ ንብዙሓት ሰባት ኣየሐጎሰን። መንግስታትን እተን ግህሰት ተፈጺሙወን ዝተባህላ ዞባታት ኦሮምያን ኣምሓራን እውን ነቲ ጸብጻብ ኣይተቐበሉዎን።

ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተፈለላየ ክፍልታት ኢትዮጵያ መዓልታዊ ሞትን ምምዝባልን የጋጥም ምህላው ብማዕከናት ዜና ብቐጻሊ ይንገር ኣሎ - ኣምነስቲ ኢንተርናሺናል እውን ንነብሲ ወከፍ ፍጻሜ ብዕለቱን ሰዓቱን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓደ መንእሰይ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ብልሙድ '05 ማይ ዱባ' ኣብ ዝበሃል ከባቢ ከምእተቐትለን ክልተ ድማ ቆሲሎም ንሕክምና ከምዝኸዱን ኣብ ቢቢሲ ትግርኛ ተጸብጺቡ ነይሩ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፍለ ዓለም ሰላማውያን ሰባት ብፖሊስ ተቐቲሎም ክትሰምዕ ዘሰምብድ እዩ።

ስለምንታይ እዮም ግን ሕጊ ከኽብሩ ዝግበኦም ፖሊስ ሕጊ ዝጥሕሱ እሞ ኸኣ ሰባት ዝቐትሉ?

ብዛዕባ ፖሊስ ኣመሪካ ክዝረብ እንከሎ፡ ስለምንታይ ግህሰትን ቅትለትን ይበዝሕ? እሞ ኸኣ ኣብ ጸለምትን ካልኦት ውሁዳን አህዛብን ዝብል ሕቶ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብ ኣመሪካ ሰባት ብረት ዓዲጎም ክሕዙ ስለዝፍቀድ ነብስና ክንከላኸል ኢልና ኢና ተኲስና። ደው በል ምስተባህለ፡ ኣብ መኪንኡ ሃሰስ መሰስ ክብል ስለዝፈተነ ብረት ዘውጽእ ዘሎ መሲሉኒ/ና ወዘተ ዝብል ምኽኒት እዮም ዝህቡ ትብል ኣስገደት።

ብቐንዱ እውን እቲ ገበን ፈጺሙ ተባሂሉ ዝኽሰስ ፖሊስ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ ምስቲ ዝፈጸሞ በደልን ግህሰትን ዝዳረግ ፍርዲ ስለዘይወሃቦ፡ ዝበዝሕ ክስታት እውን ብሓውሲ ዕበጦ ዕበጦ ስለዝውዳእ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ፖሊስ እናኽርእዩን ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ደው ክብሉ ምስ ዝሓቶም ከይትኩሰሎም ከምዝጭነቑ እዮም ዝዛረቡ።

ከም ጆርጅ ፍሎይድን ካልኦትን" በጃኻ ከይትትኩሰለይ፡ በጃኻ ከይትቐትለኒ፡ ከተንፍስ ኣይክእልን ኣለኹ፡ ከተንፍስ ይጽገም ኣለኹ፤ በጃኻ እግርኻ ካብ ክሳደይ እለየለይ" እናበሉ ዝተቐትሉ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኣብቲ ዜጋታት ብረት ክሕዝሉ ዘይፍቀድ ሃገራትከ?

ከም ኣምኒስቲ ኢንተርናሺናል ሂዩማን ራይትስ-ዎች ዝኣመሰላ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝተፈለላየ ሃገራት ብፖሊስ ዘጋጥም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከቃልዓን ክነቕፋን ጸኒሐን ኣለዋ።

ኣብ ኣምኒስት ኢንተርናሺናል ተመራማሪ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓብዱላሂ ሃላኪ፡ ፖሊስ፡ ኣማራጺ ኣብ ዝስእነሉን ህይወት ብዙሓት ንምድሓን ሓይሊ ክጥቀም እንተዘይተገዲዱ፡ ኣብ ዝኾነ ዝፍጥር ዕግርግር ንህዝቢ ክከላኸልን ከረጋግእን እምበር ንህዝቢ በባትር ኮነ ብተተካሲ ክቐትል ኣይግባእን'ዩ ይብል ኣብ ጸብጻብ ኣምኒስት ኢንተርናሺናል።

እዚ ዛዕባ፡ ብዛዕባ ፖሊስ ዝጥቀምዎ ሕሉፍ ሓይሊ ስለዝዛረብ እምበር ኣብ ካልእ ዝዓበየ ጸገም ፖሊስ ኬንያ ጉቦን ብልሽውንና እዩ። ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ዝኾነ ጎደናታት እታ ከተማ ብፍላይ ከኣ ንወጻእተኛኣተት ደው ኣቢሎም ወረቐት መንነት ይሓቱ እሞ ዋላ እውን ጽሩይን ሕጋውን ሰነድ እናሃለዎ እቲ ዝሕተት ሰብ፡ ' ካብ ኣብ እንዳ ፖሊስ ኬድካ ኮለል ትብል ገንዘብ ከፊልካ እንተተገላገልካ ይሓይሽ' ብምባል ክንደይ ከምእትኸፍሎም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዝኣትዉ ኣብ መገሽኡ ተደጋጋሚ ጸገም ዘጋጠሞ መጎስ ይሕብር።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ'ኸ?

ኣብ በብእዋኑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፖሊስን ብሓይልታት ጸጥታን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘጋጥም ግህሰት ብኣምኒስት ኢንተርናሺናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ብዙሕ ተቓውሞታት ክገጥሞ ጸኒሑን ኣሎን።

ኣብ ናይጀርያ እውን እንተኾነ ዕጽዋ ኮሮና ከተግብሩ ዝተዋፈሩ ፖሊስ ካብ 30 መጋቢት ክሳብ መፋርቕ ሚየዝያ ኣብ ዝነበረ ግዜ 18 ሰባት ከምዝቐተሉ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ። ክሳብ ሽዑ ኣብታ ሃገር ኮሮና ቫይረስ 12 ሰባት ጥራሕ እዩ ቐቲሉ ነይሩ።

ኣብታ 200 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ናይጀርያ ዘሎ ናይ ፖሊስ ኣተሓሕዛ ኣዝዩ ጨካን ምዃኑ ኣህጉራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ፖሊስ እታ ሃገር ኣስታት 1500 ሰባት ከምዝቐተሉ ይሕበር።

ህዝቢ ብኣተሓሕዛ ፖሊስ ምስተቖጠዐ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እታ ሃገር፡ ህዝቢ ብኣኽበርቲ ጸጥታ ንዝግበር ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከመልክት ምሕጽንታ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ግቡእ ስልጠናን ትምህርትን

ሓደ ካብቲ ጭካነ ፖሊስ ክቑጸሩ እንከለውን ምስተቖጽሩን ንመሰላት ዜጋታት ዘኽብር ብቑዕን ዓሚቕን ስልጠናን ቀጻሊ ትምህርትን ስለዘይወሃቡ ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብሉ ወገናት እውን ኣለው።

መብዛሕትአን ሃገራት ንሰራዊትን ፖሊስን ዝህበኦ ስልጠና እምበር ነዚ ሓይሊ እዚ ንኪቖጽራ ዝጥቀማሉ ረቛሒ ዝተፈላለየ እዩ ዝብሉ ተንተንቲ እዚ ዛዕባ፡ ኣብተን ብዙሕ ዘይማዕበላ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ፖሊስ ነቲ ስልጣን ዝሓዘ ስርዓት እምበር ብሰልፊ እምቢትኡ ንዝገልጽ ህዝቢ ከም ጸላኢ እዮም ዝርእዩዎ ዝብል ምጉት ዝለዓል እንተኾነ፡ ፖሊስ ኣመሪካ'ኸ እንታይ ረኸቦም ዝብል ጉዳይ ክለዓል እምበኣር ባህሪያዊ ይኸውን።

እዚ ኸኣ ኣብዛ ዓለም ገና ንዓሌታዊ ማዕርነትን ፍትሕን ዝግበር ቃልሲ ነዊሕ ግዜን ጻዕርን ከምዝሓትት መረጋገጺ እዩ ይብል ዶክተር ተስፍኣለም ነቲ ጸሊም ኣመሪካዊ ብስርዓተ ትምህርቲ፡ ጥዕናን ፍትሕን ዝበጽሕ ኣድልዎ ከም ኣብነት ብምቕራብ።