እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምፍናው ኣስክሬን ጆርጅ ፍሎይድ፡ "እግርኹም ካብ ክሳድና ኣልዕሉ"
ኣብ ሚኒያፖሊስ፡ ኣስክሬን ብጭካነ ፖሊስ ዝተቐትለ ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ስነ ስርዓት ምፍናው ተገይርሉ።
ኣብ ስነ ስርዓት ምፍናው ኣስክሬን ጆርጅ ዝተረኸቡ ሰባት፡ ኩሎም ንሸሞንተ ካልኢትን 46 ማይክሮ ሴኮንድን ጠጠው ኢሎም ናይ ሕሊና ጸሎም ገይሮምሉ።
ንጠበቕኡ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስድርኡን ድማ መደረ ኣስሚዖም።
ጠበቓ ስድራ ጆርጅ ፍሎይድ፡ "ጆርጅ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ'ዩ ሞይቱ ክብሉ ጀሚሮም ኣለው። ግን ብለበዳ ዓሌታውነትን ከም ዝሞተ መን ይንገሮም . . ." ክብል ስምዒታዊ ኮይኑ ተዛሪቡ።
ታሪኽ ህይወት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብፍሉጥ ተሓላቒ መሰላት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ሬቭ ኣል ሻርፐን ክንበብ እንከሎ፡ ንሱ፡ ኣብ መላእ ኣሜሪካ እትርከቡ ጸለምቲ ኣሕዋተይ፡ ሕጂ ኩላትና "እግርኻ ካብ ኽሳደይ ኣልዕሎ" እንብለሉ ሰዓት እዩ ኢሉ።
ሓው ጆርጅ ፍሎይድ፡ ፍሎናይድ ፍሎይድ ድማ፡ "ድኻታት ስለ ዝኾነንና ክዳንና ሓጺብና ብናይ ሞጎጎ ሓዊ ኢና ነድርቖ ነይርና" ክብል ብስምዒት ተዛሪቡ።
"ሓወይ ብህይወት ከሎ ከምዚ ዘይደመቐ፡ ሞቱ በዚ ደረጃ ምድማቑ ኣግሪሙለይ'ዩ" እውን ኢሉ።
ኣል ሻርፕተን ብወገኑ፡ ንሞት ፍሎይድ ተሓታቲ ዝኸውን ሰብ ክህሉ ኣለዎ ኢሉ።
"ክሳብ እዚ ናይ ፍትሒ ስርዓት መልክዕ ዝሕዝን ማዕርነት ዝረጋገጸን ትም ኣይንብልን" ብምባል፡ ተቓውሞና ቐጻሊ እዩ ኢሉ።
"ህይወት ፍሎይድ ናይ መላእ ጸለምቲ ህይወት እዩ ዝውክል። ሞቱ'ውን ናትና ሞትን ህይወትን'ዩ" ኢሉ።
ሻርፐን ወሲኹ፡ "እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝበጽሐ ነገር፡ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ጸሊም ኣሜሪካዊ ዝበጽሕ ዘሎ፡ ብስርዓት ትምህርቲ፣ ጥዕናን ፍትሕን ዝበጽሕ ኣድልዎ እዩ። ሕጂ፡ 'ኣንታ ጻዕዳ፡ እግርኻ ካብ ኽሳደይ ኣልግሶ' እንብለሉ እዋን እዩ" ክብል ኣምሪሩ ተዛሪቡ።
ጆርጅ ፍሎይድ፡ ፖሊስ ክሳዱ ብእግሩ ረጊጹ ከሳቕዮን "ክትንፍስ ኣይክኣልኩን" እናበለ ክምሕጸኖን ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ተዘርግሐ፡ ኣብ ኣሜሪካ ከቢድ ናዕብን ተቓውሞን ኣልዒሉ እዩ።
ስነ ስርዓት ምፍናው እቲ ኣስክሬን ኣብ ዝካየደሉ ግዜ፡ ኣብ ቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ ተሓባበርቲ ነይሮም ዝተባህሉ ሰለስተ ፖሊስ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም።
ናይ ዋሕስ መሰሎም ንክሕሎ፡ ሓደ ሚሊዮን ዶላር ከቕርቡ ክሕተቱ ከለው፡ እዚ ገንዘብ እቲ ዝተዓጠቑዎ ብረት ብፍቓዶም ምስ መለሱን ካልኦት ከማልኡዎም ዝግብኡ ነገራት ምስ ኣማልኡን ናብ 750 ሽሕ ዶላር ክጎድል ከም ዝኽእል ተነጊሩዎም።
እቲ ንጆርጅ ዝኧተለ ፖሊስ ድማ፡ ሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ ተባሂሉ።