እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጫት ዝሓይኩ ሰባት እንታይ’ዩ ዘሻቕሎም ዘሎ?
ጫት፡ ንሶማሊያውያን ዳርጋ ኣወል ቡኖም፣ መንቀሳቐሲ ሞተሮም እዩ። መንግስቲ፡ ጫት ናብታ ሃገር ከይኣቱ ምስ ከልከለ ግን፡ መብዛሕትኦም ጫት ዝሓይኹ ሶማሊያውያን ኣይተሓጎሱን።
ኣብቲ ሕሉፍ ጊዜ፡ ፍርቂ መዓልቲ ኣኪሉ፡ ካብ ኬኒያ ብነፋሪት ተጻዒኑ ዝመጽአ ጫት ኣብ ሞቓድሾ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ወዲ ተባዕታይ ደሊኻ ንምርካብ ከም ዓይኒ መርፍእ ትጽገም።
ኩሎም ከምታ ዓቕሞምን ጠለቦምን፡ ጫቶም ሒዞም ኣብ ገዝኦም።
ቆጽሊ ጫት ዝሕልሕል ኢሉ ንዝነበረ ወግዒ መሓዙት ዘምውቕ፡ ዝፈረሰ ስምምዕ ንግዲ ዝጽግን፡ ሕልፍ እንትብል ድማ ዕጡቓትን ተዋጋእትን ዝነቓቕሕሉ እዩ።
ብመጋቢት፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ መንግስቲ ካብን ናብን ዝግበር ዓለምለኻዊ በረራታት እንትእግድ፡ ጫት ሒዘን ዝመጽኣ ነፈርቲ'ውን ጠጠው ክብላ ገይሩ።
ኣዋጅ ዕጽዋ ክእውጅ እንከሎ ድማ፡ መምርሒ ኣካላዊ ርሕቀት ምሕላው ንክኽበር፡ ሰባት ብሓባር ተኣኪቦም ጫት ክሓይኹ ከም ዘይብሎም ኣዚዙ።
ሰበ ስልጣን ሶማሊያ፡ ጫት ብኢድ ስለ ዝእከብ ኮቪድ-19 ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ።
ግን፡ ጫት ሕጂ'ውን ናብታ ሃገር ዝኣትወሉ መገዲ ኣይስኣነን። ገሊኡ ብመኪና ካብ ኢትዮጵያ ይመጽእ ኣሎ። ገሊኡ ድማ ብጃልባ ካብ ኬኒያ ይኣቱ።
እዚ ኩነታት ብፍላይ ኣብ ኬኒያ ሜሩ ኣብ ዝተብሃለ ዞባ ዘለው ኣፍረይቲ ጫት ንዝኾኑ ሓረስቶትን ነጋዶን ኣብ መነባብርኦም ጽልዋ ከም ዘሕደረሎም ይዛረቡ።
ኣቦ መንበር ማሕበር ነጋዶ ጫት ንያምቤኔ ኪማቲ ሙንጁሪ፡ ኣባላት እታ ማሕበር ኣብ መዓልቲ 250 ሽሕ ዶላር ዋግኡ ጫት ናብ ሞቓድሾ ሰደድ ከም ዝገብሩ ይገልጽ።
ሶማሊያ ናብ ሃገራ ዝኣቱ ጫት ብምኽልካላ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘለው ኣስታት 5 ሚሊዮን ሓረስቶት ጫት ዕዳግኦም ክጉዳእ ይኽእል።
ብተመሳሳሊ ቀንዲ ምንጪ እቶቶም መሸጣ ጫት ዝኾኑ መብዛሕትኦም ሶማሊያውያን ዕዳጋ ስኢኖም፤ ውሑዳት ከም ወርቂ ይሸጡዎ ኣለው።
ሓንቲ ነጋዲት ሞቓድሾ "ኮቪድ-19 ቅድሚ ምምጽኡ ካብ ኬኒያ ዝኣቱ ጫት ንነግድ ነይርና። ሕጂ ግን ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ወደብ ኪስማዩ ዝኣቱ ውሑድ ጫት ኢና ንረክብ። በዚ ምኽንያት ዋግኡ ይኸብር ኣሎ። 20 ዶላር ዝሸጦ ዝነበርኩ ሕጂ 120 ዶላር ይሸጦ ኣለኹ። ንዓና ጽቡቕ'ዩ።" ትብል።
"ጫት ዘይሓዘ ሰብኣይ ዳርጋ ካብ ማይ ዝወጽአ ዓሳ እዩ" ይብል ቀንዲ ተጠቃሚ ጫት ዝኾነ መሓመድ ኣብዲ። "ኣብ ዝኣተኹ ኣትየ ጫት ክረክብ ኣለኒ፤ ግን ዋግኡ ይዓርግ ስለ ዘሎ ዓቕሚ ይስእን። እዚ ኸዕብደኒ እዩ ዝብል" ኢሉ።
ካልእ ነባሪ ከተማ ሞቃድሾ ዝኾነ ሓሰን ኣብዲዋሊ ድማ፡ "ጫት ምሕያኽ ደው ከብል ኣለኒ። ገለ መሓዙተይ ጫት ብምስኣኖም ካልእ ዘይሕጋዊ ዕጻት ወይ ኣብ ገዛ ዝፈርዩ ኣልኮላት ክጥቀሙ ጀሚሮም። ገሊኦም ድማ በቲ ሕዚ ዘሎ ዋጋ ንምዕዳግ ስርቂ ጀሚሮም። እዚ ግዜ ንዓና ከቢድ እዋን እዩ" ይብል።
ዝተትሓዘ ጫት ይቃጸል
ጫት ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ከይተረፈ እዮም ዝጥቀሙዎ።
ብምኽንያት እቲ ኣዋጅ ዕጽዋን ምእጋድ በረራታትን፡ ዝኣቱ ጫት ስለ ዘየለ፡ ብኽቡር ዋጋ ክቐርብ ምስ ጀመረ፡ ፖሊስን ወተሃደራትን፡ ጫት ንምዕዳግ ቴሌፎንን ገንዘብን ክሰርቁ ጀሚሮም ዝብሉ ጸብጻባት ይወጽኡ ነይሮም።
እዚ ምህርቲ፡ ኣብታ ንርእሳ ከም ሃገር እትጽውዕ ሶማሊላንድ'ውን ልዑል ጠለብ ኣለዎ። ግን ድማ ንሳ'ውን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ንግዝኡ ኸልኪላቶ ኣላ።
ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፡ ብፍላይ ድሕሪ ጾም ሮመዳን ሰባት ኣካላዊ ርሕቐቶም ክሕልው ምግባር ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም ይዛረቡ።
መብዛሕትኦም ሶማሊላንዳውያን ጫት ብመኪና ካብ ኢትዮጵያ የምጽኡ። ብርክት ዝበላ ዓበይቲ መካይን ድማ ልምሉም ቖጽሊ ጫት ሒዘን ምምጽአን ንምብሳር ብድምጺ ህውኽ እየን ዘብልኣ።
ሕጂ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ክኣትዋ ዝተረኸባ መካይን ብኣካላት ጸጥታ ይተሓዛ። እቲ ጫት ድማ ይቃጸል።
ብርክት ዝበሉ ደላሎ ጫት ሶማሊላንድ፡ ህይወት ሰባት ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ ይዓቢ ብዝብል ጫት ንክኽልከል ተሰማሚዖም'ዮም።
ግን ድማ ሸሊኹ ኣትዩ ብኽባር ዋጋ ዝሽየጥ ጫት ኣይተስኣነን።
ፕሬዝደንት ሶማሊላንድ ሙሴ ቢሂ፡ "ኣብዚ ግዜ፡ ገለ ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ጫት ከእትው'ዮም ኢለ ተጸብየ ነይረ። ግን ድማ ልዕሊ 30 ሚኢታዊት ህዝቢ ውሉፍ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ኣይነበረን፡ ኢሉ።
ጫት ስለ ዝተኸልከለ ሕጉሳት ዝኾኑ ገለ ሰባት ኣለው፤ ብፍላይ ድማ ከም ኣቡበከር ኣዋሌ ዝበሉ ኣንጻር ጫት ዝጉስጉሱ ሰባት።
"እዚ ካብ ላዕላይ ሰማይ ዝተረኽበ በረከት እዩ። ሕጂ ውሑድ ዘቤታዊ ዓመጻት እዩ ዘሎ፤ ፍትሕ ነክዩ፣ ሰብ ሓዳር ኣስኡነን ገንዘቦም ንስድርኦም ንምሕጋዝ የውዕሉዎ ብምህላዎም ሕጉሳት ኮይነን እየን" ይብል።
"ካልእ ኣብዚ ግዜ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ክንዲ መዓልታዊ ንሽዱሽተ ሰዓት ዝኸውን ጫት ብምቕሓም ግዝኦም ኣብ ስራሕ የሕልፉዎ ስለ ዘለው፡ ኣፍራዪነት ወሲኹ እዩ። ሶማሊያ ዳግም ክትለዓል እንተደልያ፡ ነዚ ወለዶ ዘብርስ ቆጽሊ ንምዕዳግ ዝጠፍእ ኣማኢት ሚሊዮን ዶላራት ኣብ ልምዓት እታ ሃገር ከተውዕሎ ይግባእ" ኢሉ።
ኣዋሌ፡ ጫት ንጥዕና ጎዳኢ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ኣስናን ሓደጋ ብምብጻሕ ንናይ ኣፍ መንሽሮ ከም ዘቃልዕ እውን ይዛረብ።
እዚ ሕጂ ወጺኡ ዘሎ ኣዋጅ ምኽልካል ድማ ንሓዋሩ ጸኒዑ ክቕጽል ተስፋ ኣለዎ። ግን ድማ ከምኡ ኢሉ ናይ ምቕጻል ተኽእሎ የብሉን።
ምኽንያቱ ቅድም ኢሉ ካብ ኬኒያ ዝኣቱ ጫት ተኸልኪሉ'ኳ እንተነበረ ነዊሕ ግን ኣይጸንሐን።