ጫት፡ ከልኪልካ'ዶስ ተቖጻጺርካ?

ኣማኑኤል ያየህ፡ ካብ ከባቢ ባህርዳር ናብ ከተማ ጫት ብሞተር ብምጉዕዓዝ'ዩ ዝመሓደር። በዚ ስርሑ ድማ፡ ወርሓዊ 1ሽሕን 200 ብር ይረክብ።

ኮይኑ ግና፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብቲ ምምሕዳር ግብራዊ ዝኾነ ትልሚ ምንቅስቓስ ምእጋድ ስራሕቲ ጫት፡ ከምዘሰንበዶ ይዛረብ።

ብፍላይ ዕለታዊ መነባብርኦም ካብ ጫት ብዝረኽቡዎ ኣታዊ ዝመሓደሩ ሰባት፡ መነባብርኦም ከምዘዛብዖ'ዩ ዝገልጽ።

"ጫት ብምቕንጣብን ከማይ ድማ ብምጉዕዓዝን ስድርኦም ዘመሓድሩ ኣለው። ሓደ ትካል ጫት ዝሓዞ ሰራሕተኛ፡ ካብ ሓደ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ዝሕዞ ዝነኣኣስ ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ጫት እንተድኣ ተኣጊዱ፡ ብዙሕ ሰብ ስራሕ ስኡን ክኸውን'ዩ። ኣነ ባዕለይ፡ ጠጠው እንተቢሉ እንታይ ከምዝሰርሕ ኣይፈልጥን" ይብል።

ቤት ጽሕፈት እቶት ከተማ ባህርዳር ካብ 17 ሚያዚያ 2010 ዓ.ም ግብራዊ ዝኸውንን ኣብ ሓደ ኪሎ ግራም ጫት፡ 30 ሚኢታዊት ወይ ድማ 30 ብር ቐረጽ ኣብ ጫት ወሲኑ ነይሩ'ዩ።

ኣብቲ እዋን ዘዘራረብናዮም ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ዘውዱ ክፍሌ፡ "ጫት ንዘይምብርትታዕ፣ ንከይጋፋሕ፣ እቲ ተጠቃሚ ድማ ዓዲጉ ዝጥቀመሉ ዓቕሚ ንምድኻም ኢና ክንሰርሕ። እቲ ቐረጽ ድማ ክሕግዘና'ዩ ኢልና ንሓስብ። ካብዚ ብዝሰገረ፡ ተወሳኺ እቶት ብምእካብ ናብ ካልእ ልምዓት ንምውዓል ዘኽእል መገዲ ክህሉ'ዩ" ኢሎም ነይሮም።

ጫት፡ ንጎናዊ ጸገማት ጥዕናን ማሕበራዊ ርክባትን ካብ ሞንጎ ዘቃልዑ ወልፍታት ሓደ ምዃኑ ይግለጽ።

ካብዚ ብምብጋስ፡ ጫት መፍረያይነት ዜጋታት ይንኪ፣ ቤተሰባዊ ዝምድናን ርክባትን ድማ የዛብዕ ብዝብል ሓሳብ፡ ኣብዚ ሰሙን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ዙርያ ጫት ሐሕጊ ንምውጻእ ዘኽእሎ ረቒቕ ኣዋጅ ኣጽዲቑ'ዩ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ጫት ሕጊ ንምውጻእ ኣብ ዝተኣከበሉ እዋን ምኽረ ሓሳብ ዘቕረቡ፡ ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን እቲ ክልለ ኣቶ ልዑል ዮውሃን፡ እንታይ ኣብ ግምት ብምእታው'ዩ ናብዚ ስጉምቲ ተበጺሑ ክብል ቢቢሲ ሓቲቱዎም?

"ልምዲ እቲ ማሕበረሰብ እናኾነ ናብ ባህሊ ይጽጋዕ ብምህላዉ፡ ብሓንሳብ ዝፍታሕ ጸገም ኣይኮነን። እዚ፡ ዓመታት ዝወስድ ምዃኑ ድማ ንፈልጥ ኢና" ኢሎም።

ጫት፡ እቶት ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሸርፊ ወጻኢ'ውን ካብ ሞንጎ ዘምጽኡ ምህርታት ሓደ ከምዝኾነ ይግለጽ። እቲ ትልሚ ድኣ ምስ ምንጪ እቶት እቲ ሕብረተሰብ ከመይ'ዩ ክሳነ?

"ብፍሉይ ኣብዚ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ክፋላት ሕብረተሰብ፡ መንግስቲ ፍሉይ ድጋፍ ገይሩ ተመጣጣኒ ዝኾነ ስራሕ ዝሰርሕሉ ኩነታት ክጠዓዓም'ዩ" ዝበሉ ኣቶ ልኡል፡ ክትክኦ ዝኽእል ስራሕን ምንጪ እቶትን ዝምልከት፡ ዝርዝር መጸጸሚ ትልሚታት እንትወጽኡ ብሓባር ከምዝፍጸም ተዛሪቦም።

"ንብሕትና ውጽኢት ክነምጽእ ስለዘይንኽእል፡ እቲ ጉዳይ ብብርኪ ሃገር ክርአይ፣ እዚ ጉዳይ ባይቶ እቲ ክልል ናብ ባይቶ ፌደራል ልኢኹዎ'ዩ። ምስ ክልላት'ውን ምዝርራብ የድሊ'ዩ" ድማ ኢሎም ኣቶ ልኡል።

ተመራማሪ ጫት፡ ፎሮም ፎር ሶሻል ስተዲስ (ኤፍኤስኤስ) ዶ/ር ዘሪሁን መሓመ፡ ጫት ዝምልከት ግጉይ ርድኢት ኣሎ'ዮም ዝብሉ።

ንሶም ከምዝብሉዎ፡ ጫት ልዕሊ ዓቐን ብምጥቃም ነብሶም ዝጎድኡ ሰባት ኣለው። ኩል ግዜ ጫት እንትለዓል ድማ፡ እዚ ጎኒ ጥራሕ'ዪኡ ዝርአይ። ኾይኑ ግና፡ መነባብርኦም ኣብ ጫት ዝተመስረተ ሰባት ብዙሓት ስለዝኾኑን፡ ጫት ብኣግባቡ ዝጥቀሙ ብምህላዎምን፡ እዚ ኹሉ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ።

"ኣልኮላዊ መስተ ልዕሊ ዓቐን ዝጥቀሙ ሰባት ኣለው፤ ጫት'ውን ብተመሳሳሊ መገዲ ዝጥቀሙ ምህላዎም ክዝንጋዕ የብሉን" ኢሎም።

ጫት፡ እታ ሃገር ልዑል ኣታዊ እትረኽበሉ ብምኻኑ፡ ዘዋጽእ መገዲ፡ ጫት ምቁጽጻር እምበር ምኽልካል ከምዘይኾነ ይዛረቡ።