እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መጥቃዕቲ ዝበፅሖ ህፃን ንባህርዳር ተወሲዱ
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጉንበት 6 - 2010 ዓ/ም ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ድባጤ፡ መንነቱ ዘይተፈለጠ ሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ ልዕሊ ወዲ 13 ዓመት ቆልዓ ብበሊሕ ነገር ጉድኣት ኣብፂሑ።
ብዛዕባ እቲ ጥቕዓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተፈለላዩ ሓበሬታት እናወፁ'ዮም።
ናይቲ ጉድኣት ዝበፅሖ ህፃን ናይ ቀረባ ዘመድ ዝኾኑ ኣይተ ኣያሌው አበረን ንቢቢሲ ከምዝተዛረቡዎ፥ ናይቲ ህፃን ፍረ ነብሱ ዝተቖረፀ ኮእኑ ገፁ ድማ በቲ ብልሒ ተተልቲሉ። ከምኡ ድማ ሰለስተ ናይ ቅድሚት ኣስናኑ ረጊፉ።
እቲ ህፃን፡ ጉድኣት ኣብ ዝበፅሖ እዋን ነብሱ ዘይፈልጥ'ኳ እንተነበረ፥ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ግና ምዝራብ ከምዝጀመረ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣይተ ኣያሌው፡ እቲ ጉድኣት ዘብፀሐሉ ውልቀ ሰብ ናይቲ ከባቢ ተወላዲ ከምዝኾነን ኣብቲ እዋን ጫት እናቓሐመ ከምዝነበረን እቲ ህፃን ከምዝሓበረ ይዛረቡ።
መጀመርያ ነቲ ቖልዓ ከፃውቶ ምስ ፀንሐ ማእደድ ክሳዱ ወቒዑ ከምዘውደቖ'ውን እቲ ህፃን ይዝክር ይብሉዎ።
ክሕልወን ዝወዓላ ከብቲ በይነን ንገዛ ምስ መፃ ቤተሰብ ናብ ኣለሻ ብምእታዎም ወዲቑ ረኺቦሞ።
ኣብቲ ሆስፒታል ሃኪም ዝኾኑ ዶክተር ግርማ በየነ ከምዝገለፅዎ፡ እቲ ግዳይ ናብ ዝሓሸ ሆስፒታል ክውሰድ እናተገበኦ ኣብ ፓዌ ሆስፒታል ምቕናዩ ናይቶም ቤተሰብ ዐቕሚ ድሩት ብምዃኑ'ዩ።
ኣብዚ ን2 ዓመት ኣብ ዝሰራሕኹሉ እዋን ከምዚ ዓይነት ሕማቕ አጋጢሙዎም ከምዘይፈልጥ ይዛረቡ፥ እቶም ዶክተር።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ሓደ ሓደ ግዱሳት ሓገዝ ስለዝተረኽበ፥ ናብ ባህርዳር ፈለገ ህይወት ሆስፒታል ተወሲዱ።
ይኹን 'ምበር ሐዝውን ናብ ጳውሎስ ሆስፒታል ሪፈር ስልዝተብሃለ ናብ ኣዲስ አበባ ክጓዓዝ እዩ።
ኣይተ በላይነህ ክንዴን ቢሮ ጥዕና ክልል ኣምሓራን ናይዚ ህፃን ናይ ሕክምና ወፃኢ ንምሽፋን ቃል ኣትዮም።