ግኑንነት ወልፊ ሽጋራ ኣብ ዓለም!

ፈረንሳ ቁጽሪ መዓልታዊ ኣትከኽቲ ዝነከየት ክትከውን እንከላ፡ ካብ 2016-2017 ሓደ ሚልዮን ዜጋታታ ምትካኽ ሽጋራ ኣቋሪጾም'ዮም።

ኮይኑ ግና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ምትኻኽ ሽጋራ ንምቁጽጻር ዝሕግዙ ፖሊሲታት ክወጹ እንከለው፡ ብደረጃ ዓለም ግን ብዝሒ ኣትከኽቲ ሽጋራ ይውስኽ ምህላዉ'ዩ እቲ መጽናዕቲ ዝሕብር።

ሎምዓልቲ ዓለምለኸ መዓልቲ ዘይምትካኽ ሽጋራ ኮይኑ፡ እተን ዝለዓለን ዝተሓተን ቑጽሪ ኣትከኽቲ ሽጋራ ዘለውወን ሃገራት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪበን ኣለዋ ።

ዝለዓለ ቁጽሪ ኣትኸኽቲ ሽጋራ ዘለወን ሃገራት

1.ኪሪባቲ

ደሴታዊት ሃገር ኪሪባቲ ኣብ ዓለም ዝበዝሑ ኣትክኽቲ ሽጋራ ዘለዉዋ ሃገር ኮይና ካብዚኦም ልዕሊ ክልተ ሲሶ ደቂ ተባዕትዮ፡ ሓደ ሲሶ ድማ ደቀ ኣንስትዮ ኣትከኽቲ ሽጋራ እዮም።

እዛ 103,000 ህዝቢ ዘለዋ ኣብ ፓሲፊካዊ ውቕያኖስ እትርከብ ሃገር፡ ኣብ ሽጋራ ትኸተሎ ፖሊስን እተኽፍሎ ውሑድ ቀረጽን ጠንቂ ምውሳኽ ኣትከኽቲ ከምዝኾነ ይግለጽ።

2.ሞንኔግሮ

ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ እትርከብ ሃገረ ሞንቲኔግሮ ካብ ኣውሮጳ እታ ዝበዝሑ ኣትክኽቲ ሽጋራ ክህልውዋ እንከለው፡ 46 ሚኢታዊት ካብ ዜጋታታ ውሉፋት'ዮም።

ባልካናዊት ሃገር ሞንቲኔግሮ 633,000 ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኮይኑ፡ ሓደ ዜጋ ብገምጋም ኣብ ዓመት 4,124 ሽጋራ የትክኽ።

ኣብ'ዛ ሃገር ዋካ'ኳ ኣብ ህዝባዊ መዘናግዒታት ምትኻኽ ሽጋራ ዘይፍቑድ እንተኾን፡ ዜጋታታ ኣብ ቤት ጽሕፈት፡ ቤትብልዒ፡ ባራትን ህዝባዊ መጓዓዝያን ከይተሰከፉ ሽጋራ ከትክኹ ይርኣዩ'ዮም።

3. ግሪኽ

ብደርጃ ዓለም ብብዝሒ ኣትከኽቲ ሽጋራ ኣብ ሳልሳይ ተሰሪዓ እትርከብ ሃገር ግሪኽ'ያ። ካብዚ'ኦም ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ 35 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮን ውሉፋት ሽጋራ ከምዝኾኑ ይሕበር።

ካብ 2008 ኣትሒዙ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ሽጋራ ምትክኽ ዝኽልክል ሕጊ እኳ እንተጸደቀ፡ ሰባት ግና ኣብ ዝኾነ ቦታ ኮይኖም ከትክኹ'ዮም ዝርኣዩ።

ግሪኽ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሽጋራ ብብዝሒ ዝርኣየላ ሃገር ኮይና፡ እዚ ከምዚ እንተቀጺሉ ኣቴንስ ኣብ 2019 ካብ ቀረጽ ሽጋራ ክትረኽቦ ዝግባኣ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዩሮ ክትክስር እያ።

4.ምብራቕ ቲሞር

ምብራቕ ቲሞር ብደቂ ተባዕትዮ ኣትኸኽቲ ሽጋራ ኣብ ቅደሚት ትስራዕ። 80 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ ምብራቕ ቲሞር ሽጋራ ኣትከኽቲ ክኾኑ እንከለዉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ግን ሽዱሽተ ሚኢታዊት ጥራይ'የን።

እዛ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ እትርክብ ድኻ ሃገር፡ ኣፍራይት ሽጋራ'ዉን እያ።

ንሳዕቤናት ምትካኽ ሽጋራ ዝገልጹ ጽሑፋት ኣብ ብዙሕ ቦታታት እታ ሃገርእኳ እንተሃለው፡ ልዕሊ ፍርቒ መንእሰያታ ግን ምንባብን ምጽሓፍን ስለዘይክእሉ ለውጢ ከምጽእ ኣይክኣለን።

5.ሩስያ

ልዕሊ 15 ዓመት ዝዕዲሚኦም 60 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ፡ 23 ሚኢታዊት ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣትከኽቲ ሽጋራ'ዮም።

ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ሽጋራ ምትካኽ ዝኽልክል ሕጊ'ኳ እንተሎ፡ ንጠንቂ ሽጋራ ዝግበር መዋዓዊዒ ግን ጠንቂ ምውሳኽ ኣትከኽቲ ሽጋራ ኮይኑ'ሎ።

ኣብ ገለ ዱኳናት ዋጋ ሓደ ባኮ ሽጋራ ትሕቲ ሓደ ዶላር ምኳኑ'ውን ተወሳኺ ምኽንያት ብዝሒ ምውሳኽ ኣትከኽቲ ሽጋራ ምኻኑ ይጥቀስ።

ዕዳጋ ሽጋራ ሩስያ ልዕሊ 22 ቢልዮን ዶላር'ዩ ዝግመት።

ውሑዳት ኣትኽኽቲ ሽጋራ ዘለዉወን ሃገራት

ውሑዳት ኣትኽኽቲ ሽጋራ ዘለዉወን ሃገራት፡ ጋና ኢትዮጵያ ናይጀርያ ኤርትራን ፓናማና'የን።

ብመሰርት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም 14 ሚኢታዊት ኣፍሪቃዉያን ሽጋራ የትኽኹ። በደረጃ ዓለም ክረአ እንክሎ እዚ ቁጽሪ እዚ ብ 22 ሚኢታዊት ለጥቕ (ትሕት) ዝበለ'ዩ።

ካብዚ'ኦም 70 ክሳብ 85 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ እንትኮኑ ኣብ'ዘን ሃገራት ጓል ኣንስተይቲ ሽጋራ ከተትክኽ ዘይሞራላዊ ጌርካ'ዩ ዝሕሰብ።

ጋና፣ ኢትዮጵያን ናይጀርያን ኣብቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣይፋል ንትምባኾ ዝኣተዋ ኮይንነ፡ ንሽጋራ ዝቆጻጸር ሕጊ ኣብ ምኽታልን ምውዕዋዕ ሽጋራ ዝኽልከል ሕጊ ብትሪ የተግብራ ኣለዋ።

ጫት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቓ ዝውቱር ኮይኑ ኣብዚ ዞባ ውሑዳት ቁዕሪ ኣትኽኽቲ ሽጋራ ንኽህለዉ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።

ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም በደርጃ ዓለም ኣስታት 10 ሚሊዮን ውሉፋት ናይ ጫት ከምዘለዉ የመልክት።

ብመሰረት መጽናዕቲ ላንሰት መዲካል ጆርናል፡ ኣብ ኣፈሪቓ ውሑዳት ኣትክኽቲ ሽጋራ እኳ ይሃልዉ እቲ ቁዕሪ ይውስኽ ምህላዉ ኣስፊሩ'ሎ።

ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ብብዝሒ ቀርጽን ምቁጽጻርን ብዝሒ ኣትከኽቲ ሽጋራ እጎድል ብምህላዉ፡ ኣፍረይቲ ሽጋራ ዕዳግኦም ናብ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣቢሎሞ ኣለዉ፡ ብፍላይ ክኣ ኣብ መንእሰያት።

ካብ ዓለም ዝበዝሐ ዘህልኹ ዓማዊል

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ቻይና እታ ዝበዝሐ ሽጋራ እተህልኽ ሃገር'ያ።

ኣብ ቻይና ኣስታት 300 ሚልዮን ኣትክኽቲ ሽጋራ ክህልዉ እንከለዉ፡ እዚ ቁጽሪ ሓደ መሰለስ ካብ ኣብ ኣብ ዓለም ዘለዉ ይውክል።

እንትኾነ ጸብጻብ ኢሮ-ሞኒተር ኢንተርናሽናል 2016 ቻይና ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ዝበዝሐ ምንቁልቃል ምህላኽ ሽጋራ ዝተራእየላ ዓመት ከምዝነበረት ኣስፊሩ'ሎ።

ደቂኣንስትዮ

ዴንማርክ እታ እንኮ ደቂ ኣንስትኦ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ኣትክኽቲ ሽጋራ ዘለዉዋ ሃገር ኮይና፡ 19.3 ሚኢታዊት ደቂ ንስትዮ ፡ 18.9 ሚኢታዊት ካብ ዜጋታታ ኣትክኽቲ ሽጋራ'ዮም።

ብሓፈሻ እተን ዝበዝሓ ሽጋራ ዘትኽኻ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣውሮጳ ክርከባ እንከለዋ፡ ኣብ ሞንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሎ ፍልልይ ቁጽሪ ኣትክኽቲ ሽጋራ ጸቢብ'ዩ።

ምስ ሽጋራ ብዝተሓሓዙ ሕማማት ዓመታዊ ሞት ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት እንተጋጥም እዚ ቁጸሪ ንቶም ካልኣይ ኢድ ሓዊሱ እቶም ሽዱሽት ሚልዮን ብሰነኪ ሽጋራ ይሞቱ።

ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ካብቶም 1.1 ቢለዮን ኣትከኽቲ ሽጋራ ዓለም እቶም 80 ሚእታዊት ኣብ ትሑትን ማእከላይን ኣታዊታት ዘለወን ሃገራት ከምዝርከቡ የመላክት።