ጥዕና ኣእምሮ፡ ስለምንታይ ሰባት ወታእታእ ይብሉ?

ሕጹይ ዴሞክራት ፕሬዝደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ጆ ባይደን፣ ፍሉጥ ተዋሳኢ ኢርል ጆነስን ተዋሳኢት ኤምሊ ብላንትን ወታእታእ ዝብሉ ሰባት ምዃኖም ትፈልጡ'ዶ?

እዞም ፍሉጣት ሰባት ዝርከቡዎም ኣስታት ሰለስተ ሚሊዮን ኣመሪካውያን ሓዊሱ ልዕሊ 70 ሚልዮን ህዝቢ ዓለም ክዛረብ እንከሎ ወታእታእ ይብል።

እዚ ማለት ክዛረቡ ከለው ቃላት የምልጦም ወይ ይደጋግሙ። እዞም ሰባት፡ ዋላ'ውን ብትምህርቲ፣ ስራሕን ካልእ መዳይን ዕውታት እንተኾኑ ግዳያት ማሕበራዊ ተነጽሎን ምሽቓልን እዮም።

በዓል ሞያ ስነ ልቦና ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ጀራልድ ማጉር ንባዕሉ'ውን ወታእታእ ዝብሎ'ኳ እንተኾነ ዕውት ሰብ እዩ።

እቲ ሙሁር፡ ግዳይ እዚ ናይ ዘረባ ክእለት ኮይኑ ንዓሰርታት ዓመታት እዚ ጸገም ከመይ ክሕከም ይኽእል ዝብል እዩ ዘጽንዕ ነይሩ።

መዓልታዊ ካብ ብዙሓት ሕክምና ዝደልዩ ሰባት መልእኽቲ ጽሑፍ (ኢሜይል) ይበጽሖን ክሞቱ ከለው ሓንጎሎም ነቲ ዩኒቨርሲቲ ንምልጋስ ቃል ዝኣትውሉን ብዙሓት'ዮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 'ኢኮፒፓም' ዝተባህለ መድሃኒት እዚ ጸገም ጥዕና ዝኾነ ንምርካብ ኣብ ፈተነ እዩ ዝርከብ።

ካልኦት ድማ፡ ቀንዲ መበገሲ ወታእታእ ምባል እንታይ'ዩ ዝብል መጽናዕቲ የካይዱ ኣለው።

ኣብ ሕሉፍ፡ እዚ ጸገም ምስ ጉድለት ዋህዮታት መልሓስ፣ ናይ ድምጺ ሳንዱቕ፣ ሻቕሎት፣ ስምባደ ወይ ድማ ድሑር ኣተዓባብያ ቖልዓ ዝመጽእ'ዩ ዝብል ግጉይ መደምደምታ ዝሃቡ ዙሓት ክኢላታት ነይሮም።

ምሁርን ተመራማርን ሕማም ቋንቋ ዝርርብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ጄ. ስኮት ያሩስን ካልኦትን ወታእታእ ምባል ምስ ገለ ጸገማት ስነ መትኒ ዝተኣሳሰር እዩ ይብሉ።

ብ1991 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብዚ ጉዳይ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት ወታእታእ ኣብ ዝብሉ ሰባት ኣብ ሓንጎል ዝህሉ ፍሰት ደም ይልወጥ ኢሎም ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ መጽናዕቲ ድማ፡ ወታእታእ ምባል ኣብ ውሽጢ ሓንጎል ምስ ዝህልዩ ጉዳያት ዝተኣሳሰር ከም ዝኾነ የረጋግጽ።

ተመራመርቲ ስነ መትኒ ኣብ ውሽጢ ሓንጎል ወታእታእ ዝብሉ ሰባት ፍልልይ ከም ዘሎ ተዓዚቦም'ዮም። ግን ድማ መንቀሊ ከምኡ'ውን ውጽኢት እዞም ፍልልያት እንታይ ከም ዝኾነ ርግጸኛታት ኣይኮኑን።

ተመራመርቲ ስነ ተወርሶ (ጄኔቲክስትስ) ሓደ ሰብ ወታእታእ ንክብል ምኽንያት ክኾኑ ኣብ ዝኽእሉ ዝተወሰኑ ስነ ተወርሶ ዘሎ ፍልልይ የጽንዑ ኣለው።

ግን ድማ፡ ስነ ተወርሶ ባዕሉ ምስ ምንቅስቓስ ሓንጎል ዘሎ ርክብ ካብ ቀረባ ግዜ ንነጀው ስለ ዝተፈልጠ ድንግርግር ዘብል'ዩ ኮይኑ ዘሎ።

በዓል ሞያ ስነ ልቦና ጀራልድ ማጉር ኣብ ቀረባ እዋን 'ዶፓማይን' ዝተባህለ ኣብ ሓንጎል ዝርከብ ስምዒታትን ምንቅስቓስን ዝቆጻጸር መልእክተኛ ኬሚካል (ንጹር ዝርርብ ንክህሉ ዝገብር ምንቅስቓስ ጭዋዳ ዘለዓዕል) ተሞርኲሱ መድሃኒት ክረክብ ይጽዕር ኣሎ።

እቲ ጸገም ምስ ሓደ ክፋል ኣእምሮ ጥራሕ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን።

እኳ ድኣ ውጽኢት ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዘሎ ርክብ እዩ ትብል ክኢላ ስነ መትኒን ስነ ሕማም ቋንቋን ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ሶ-ኣን ቻንግ።

ንኣብነት፡ ኣብ ጸጋማይ ክፍሊ ሓንጎል ናይቶም ወታእታእ ዝብሉ ሰባት ኣብ መንጎ እቲ ናይ ምስማዕን ዝርርብ ዘመንጩ ምንቅስቓስን ውሱን ድኹም ርክብ ዘለዎ ይመስል ይብሉ።

እዞም ውጽኢታት መጽናዕቲ፡ ወታእታእ ምባል ኣብ ሞንጎ ክፍሊታት ሓንጎል ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ምዝንጋዕ ከጋጥም ከሎ ዝፍጠር እዩ ይብሉ።

ቻንግ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ዝኾኖም ቖልዑት ክተጽንዕ እንከላ፡ ኣብ ውሽጢ ቁልፊታት ሓንጎል ለውጢ ክፍጠር ከም ዝተዓዘበት ትገልጽ።

ጉጅለ ቻንግ ኣብ ሞንጎ ምስማዕን ምንቅስቓስ ዝርርብን ዘሎ ዝምድናታት'ውን ከጽንዕ ክኢሉ'ዩ። እዚ ግን ኣብቶም ወታእታት ዝብሉ ህጻናት ዝቕጽል ኣይኮነን።

ኣብ ካልእ መጽናዕቲ፡ ዝተፈላለየ ክፍሊ ሓንጎል ኣብ ሓደ ግዜ ከመይ ይሰርሕ ዝብል'ውን ኣጽኒዖም።

እዚ ፍሰት ደም መሰረት ገይሩ ዝተኻየደ መጽናዕቲ እዩ።

በዚ መሰረት ኣብ ሞንጎ ወታእታእ ምባልን ንቅድሚት ዝህሉ ምንቅስቓስ ዘስተንትንን ሕልሚ ቀትሪ ኣብ ምርኣይ እጃም ዘለዎ "ሞድ ኔትዎርክ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዑደት ሓንጎልን ዝምድና ከም ዘሎ ረኺቦም።

ወታእታእ ኣብ ዝብሉ ህጻናት እቲ ዝቦኾረ ሞድ ኔትዎርክ ልክዕ ከም ሳልሳይ ወገን ኣብ ሞንጎ ትኹረት ንምግባርን ምንቅስቃስ ንምፍጣርን ሓላፍነት ዘለዎም መረባት ዝርርብ ብምእታው፡ ዝርርብ ክንኪ ከም ዝገብር ቻንግ ትገልጽ።

እዞም ኣብ ዕብየት ሓንጎል ዘጋጥሙ ለውጢታት ወይ'ውን ቅርጺታት ካብ ስነ ተወርሶ ዝብገሱ ክኾኑ ተኽእሎ ኣለዎም።

ክኢላ ስነ ልቦና ማጉር ብወገኑ መንቀሊ ወታእታእ ምባል፡ ግደ ኣብ ውሽጢ ሓንጎል ዝርከብ ሞለክዩል ዘመላኽት"ዶፓማይን" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትሕዝቶ ካብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት እዩ ከጽንዖ ጸኒሑ።

ዶፓማይን፡ ንቕሓት መትንታት ሓፍ ወይ ትሕት ክብሉ ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣለዎም።ቻንግ፡ እቲ የማናይን ጸጋማይን ክፍሊ ሓንጎል ዘራኽብ 'ኮርፐስ ካሎዘም' ተባሂሎም ዝጽውዑ ጨናፍር መትኒ መሓውራዊ ፍልልይ ከም ዘሎ ተዓዚበ እየ ትብል።