እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ መርዓ፣ ልደትን ሞትን ኣብ እዋን ኮቪድ-19
ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ህይወት ብዙሓት ሰባት ካብቲ ዝነበሮ ብዝተፈለየ መልክዑ ክቕይሮ ምዕዛብ ካብ እንጅምር፡ ዳርጋ ኣርባዕተ ወርሒ ክኾነና ቐሪቡ።
ዶክተር ሺላ ኣቲኖ፡ ብጽሕቲ ወርሒ ንዝኾነት ኣደ ክተዋልድ ሓላፍነት ስለ ዝተዋህባ ትጽበ ኣላ።
ዶክተር ሺላ እዚ ብተደጋጋሚ ክትሰርሖ ዝጸንሐት ስራሕ'ኳ እንተኾነ፡ ናይ ሎሚ ግን ዝተፈለየ እዩ።
እታ ብጽሕቲ ወርሒ ኣደ፡ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፈት ምስ ተፈልጠ ናብ ናይሮቢ ናብ ዝርከብ ማእከል ክትትል ሕክምና መጺኣ።
ሓኪም ማህጽንን ሕርስን ዶክተር ሺላ ኣቲኖ፡ ሓንቲ ካብቶም ምልክታት ኮሮናቫይረስ ዝተርኣየን ነፍሰ ጾር ኣደታት ክከታተሉ ዝተሓረዩ ጉጅለ ሓካይም እያ።
ሕክምናዊ ዓለም እዛ ዶክተር ካብ ዝገመተቶ ንላዕሊ ተቐያይሩ እዩ። ትሕቲ ክልተ ዓመት ዝኾኑ ክልተ ቖልዑ ኣለውዋ።
"ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፋ ክወልዳ ዝቐረባ ኣደታት ክከታተል ምዃነይ ምስ ፈለጥኩ፡ ኩሉ ነገር ምጽዋር ፈቲኑኒ'ዩ። ኩል ግዘ ናይ ሰብነት ዝሕግዝ ፈሳሲ ምስካም ኣብ ዘድልዮም ስራሕቲ ክሳተፍ እየ። ሙቐት ኣብ ዝፈጥረልካን ምችኦት ዘይብሉን መከላኸሊ ክዳን ተኸዲነ'ውን መጥባሕቲ ከካይድ ክግደድ እየ።
"ናብ ገዛ ምስ ኸድኩ ድማ፡ ደቀይ ክሓቑፉኒ ክጓየዩ'ዮም። ንነብሰይ ኣጽርየ ክዳውንተይ ክሳብ ዝቐያይር ግን ኣይክነኽኦምን። ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ጽልውኡ ቀሊል ኣይኮነን፤ ኣማራጺ ግን የብለይን። ለበዳ ሃለወ ኣይሃለወ ህጻናት ናብዛ ዓለም ክመጽኡ ከለው ምቕባል ስርሐይ ስለዝኾነ ኣማራጺ የብለይን" ትብል።
ሓደሽቲ መርዑት
ፍራንሲስን ቬሮኒካ ጊቶንጋን፡ ካብ ከተማ ናይሮቢ 200 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ንያሁሩሩ ዝተብሃለት ዓዲ፡ ኣብ ሕጹኖት ዘለው ሓደሽቲ መርዑት'ዮም።
መርዕኦም ቅድሚ ሓደ ሰሙን ንክፍጸም መደብ ነይሩዎም።
ኣብዚ ዓብዪ ዕለት ታሕጓሶም ድማ "እወ ወሲደያ"፤ "እወ ቃለይ ይህቦ" ዝብል ቃለ መሓላ ጥምረቶም ዝምስክሩሎም 500 ዝኾኑ ዕዱማት ክርከቡ ሓሲቦም ነይሮም።
እንተኾነ፡ ሽዱሽተ ሰባት ጥራሕ ኣብ ዝተረኸብሉ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተክርሰቲያን ስነ ስርዓት መርዕኦም ፈጺሞም። መርዓት፣ መርዓዊ፣ ኣዕርኽትን ክልተ ኣቕሽትን ጥራሕ ተረኺቦም።
ስድራ፣ ዘመድን ኮነ ጎረባይ ፈጺሙ ኣይተረኸበን።
ኮቪድ-19 ዘምጽኦም ሕግታት ኣካለዊ ርሕቐትን ምኽልኻል ጉዕዞ ካብን ናብን፡ ስነ ስርዓት መርዓ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ጸልዮምዎ እዮም። እዞም መጻምዲ፡ 12 ሰባት ጥራሕ ኣብ ዝተረኸብሉ መርዕኦም ፈጺሞም፤ ቀለበት ኣሲሮም።
ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ክሳዕ ዝምለስ ዕለተ መርዕኦም ከናውሑዎ ሓሲቦም ነይሮም፤ ግን ድማ ሕጂ ክኸውን ስለ ዝነበሮ ክምርዓው ወሲኖም።
"በዚ ፈጺመ ኣይጠዓስን። ፈጣሪ ከነቐጽሎ ከም ዘለና ዝተዛረበና እዩ ዝመስለኒ። ኣነን ቬሮኒካን ድማ ኣዚና ንፋቐር መጻምዲ ስለ ዝኾንና፡ በቲ እንደልዮ ኣብ ፊት እግዚኣብሄር ተጣሚርና ኢና" ኢሉ ጊቶንጋ።
ጊቶንጋ፡ ኮቪድ-19 መርዕኦም ጥራሕ ዘይኮነ ቐይሩ፡ ካብ ትጽቢት ወጻእ ዝኾኑ ረብሓታት'ውን ሒዙ ዝመጽአ እዩ ኢሉ ይሓስብ።
"ዳርጋ 300 ሽሕ ሽሊንግ [2800 ዶላር] ኢና ከነውጽእ ነይርና፤ ግን ብ50 ሽሕ ሽሊንግ ጥራሕ መርዓና ፈጺምና። ብዙሓት ሰባት ድማ ኣብ ክንዲ ዓብዪ ድግስ መርዓ ንምግባር ናብ ዘየድሊ ልቓሕ ምእታው፡ ብኸምዚ ክሓልፍ ምግባር ዝንኣድ'ዩ እናበሉ ብዙሓት መሓዙትና ደዊሎም እንኳዕ ደስ በለኩም ይብሉና ኣለው" ኢሉ።
ሓዘን ዝኸበቦ ስድራ
መንግስቲ ኬኒያ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ሰዓት እቶ እቶ ኣብ ዝኣወጀላ ምሸት፡ ወዲ 13 ዓመት ያሲን ሑሴን ሞዮ ብፖሊስ ተቐቲሉ።
ያሲን ጥራሕ ኣይኮነን፤ ብዙሓት "ንረብሓ ህዝቢ" ብዝብል ብኣረሜናዊ ማህረምቲ ፖሊስ ቖሲሎምን ተጎዲኦምን እዮም። ኮቪድ-19 መንግስቲ ንዝኸልከሎ ዘየናሕሲ ስጉምቲ ፖሊስ ዳግም በሪ ከፊቱ።
ኣቦ ያሲን ሑሴን ሞያ፡ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ወዱ ዝተዛረቦ ነገር ልቢ ብዙሓት ሰይሩ። "ቀትሪ እዚ ቫይረስ የስግኣና፤ ምሸት ድማ ፖሊስ የርዕደና" ኢሉ።
ሕጂ፡ ብዙሓት ዘይስሩዕ እቶት ዝረኽቡ ዝነበሩ ኬኒያውያን ብሰለስተ ጸላእቲ ተኸቢብና ኢሎም ክዛረቡ ብሬድዮ ትሰምዖም፤ ኮሮናቫይረስ፣ ጥምየትን ፖሊስን።
ዝተባጨየሉ ፖለቲከኛ
ጀምስ ኦሬንጎ ኣባል ተነሓናሒ ሰልፊ ዲሞክራሲያዊ ኦሬንጅ [ኦዲኤም] እዩ። ኩል ግዘ ንመንግስቲ'ዩ ዝነቅፍ።
በዓል ሞያ ሕጊ ኦሬንጎ ብ2017 ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ ሕግታት ምርጫ፡ ሓደጋ ከስዕቡ ብዛዕባ ዝኽእሉ ሕግታትን ሓገግቲ እቲ ገዛኢ ሰልፍን፡ መሊሶም ነቲ መንግስቲ ባዕሉ ሓደጋ ከም ዝኾኑ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ገለ ሻብ ወያነ ናይ ባዕላ ደቃ'ያ ትበልዕ፤ መንግስታት'ውን ንህዝቦም ይበልዑ። እዚ መንግስቲ ካባይ ንላዕሊ ንዓኹም'ዩ ክቐጽዕ፤ ይነግረኩም ኣለኹ። ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት እናበኸኹም ናብ ቤት ጽሕፈተይ መጺእኹም ብጥብቅና ክካትዐልኩም ክትሓቱኒ ኢኹም" ኢሉ።
ሕጂ ብኣንጻሩ፡ ንሱ "ባዕለይ መኪና ሒዘ ናብ ፓርላማ ብምኻድ መርመራ ኮቪድ-19 ገይረ፤ እዚ ለበዳ ኣብ ምውጋእ ምስ መምርሒታት መንግስቲ ክንቃዶ ይግባእ" ኢሉ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
እዚ፡ ምስ ብዙሓት ኣጋጪዩዎ።
ሓደ ኬኒያዊ፡ "ከማና ዝበለ ተራ ሰብከ ናበይ'ዩ ክኸይድ ዘለዎ" እንክብል፡ ካልእ ድማ "ፖለቲከኛታት ባዕሎም መኪና ክዝውሩ ከለው ዓብዪ ነገር'ዩ ዝመስሎም። እዛ ሃገር ግን ታይ እያ ትኸውን ዘላ" ኢሉ።
ብዝኾነ፡ ቅልውላው ኮቪድ-19፡ እቶም ፎቖዶ ሚዲያታት ዝርብ ዝውዕሉ ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ስለ ዘርሓቖም፡ ኬኒያውያን ሩፍታ ረኺቦም ጽቡቕን ሰለማውን ግዘ ዘሕልፉ ዘለው ይመስሉ።
ኣብ ሞንጎ መራኸብቲ ማዕኸናት ሓበሬታ፡ ጥዕናዊ ሓበሬታ ወይ ካልእ ተዛማዲ ነገር ዘሕልፉ እንተዘይኮይኖም፡ ፖለቲከኛታት ካብ ኣጀንዳ ዜናታት ክርሕቑ ንግበር ዝብል ብወግዒ ዘይተነግረ ስምምዕ ዘለወን ይመስላ።
ፖለቲከኛታት ድማ፡ ኬኒያውያን ካብ ናታቶም ሃለዋት ወጻእ ህይወት እንተለሚዶም፡ እንታይ ክኸውን ይኽእል ዝብል ከየጨነቖም ኣይተርፍን።
እቲ ዕድለኛ እሱር
ኮቪድ-19፡ መስርሕ ፍርዲ ብድጂታላዊ መሳርደሒ ክፍጸም ምክንያት ኮይኑ።
ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ እሱራት ምፍታሕ ድማ መንግስቲ ካብ ዘሕለፎም ውሳነታት ሓደ እዩ።
ሓደ ካብዚኦም ዕድለኛ ዝኾነ፡ ካብ ሓደ ሹቕ መጽሓፍ ቅዱስ ሰሪቕኻ ዝተባህለ ሰብኣይ እዩ።
ቤት ፍርዲ ብናጻ ክሰናበት ወሲንሉ ኣሎ፤ ካልኦት 4800 እሱራት ድማ መንግስቲ ፈቲሑ።
እንተ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሰሪቕኻ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ሰብኣይ ግን፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ደው ንክብል መጽሓፍ ቅዱስ ሒዞም ናብ ዝጽልዩ ዘለው ኬኒያውኣን ተጸምቢሩ ኣሎ።