እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ ጉዕዞ ትሓስቡ'ዶ? ኣብ መገድኹም እንታይ ትጽበዩ?
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2020 ካብ ርእሰ ከተማ ኬኒያ ናይሮቢ ስድራይ ናብ ዝርከቡላ ከተማ መቐለ ንዕረፍቲ ተጓዒዘ ነይረ።
ኣብቲ ቕነ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንሃገራት ኣውሮጳ፣ ኣመሪካን እስያን የጨንቐን'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ግን ብዙሕ ዘስግእ ብዝሒ መልከፍትን ዝርግሐን ኣይነበሮን።
ግን ድማ ብቐሊሉ ዝመሓላለፍ ዓለማዊ ለበዳ እዩ'ሞ ቀስ ብቐስ ይዝርጋሕ ነበረ።
በዚ ምኽንያት፡ ሃገራት ብፍላይ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጥቡቕ ክትትል ይገብራ ከም ዘለዋ ይዋዓዋዕ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ ዝግበር ፈተሻን፡ ሃንደበት እቲ ቫይረስ እንተተረኺቡኒ ክፍጠር ዝኽእል ኩነታት እናሓሰብኩ ፈለማ ኣብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ በጺሐ።
ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ግን ናብ ሃገራት ቻይና፣ ጃፓንን ኮርያን ናይ ሓጺር ጉዕዞ ታሪኽ ነይሩና ንዝብሉ ሰባት ጥራሕ ሙቐት ሰብነት ይዕቅኑ ነይሮም።
ካብዚ ወጻኢ ኩሉ ነገር ከምቲ ዝነበሮ ኣይተቐየረን። ድሕሪ ቁሩበ ሰዓታት ጉዕዞይ ናብ ከተማ መቐለ ቀጺለ። ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ድማ ኩልና ሙቐት ሰብነትና ተዓቂንና ተፋኒና።
ኣብ ከተማ መቕለ ምስኣተኹ ድሕሪ ሓሙሸተ መዓልቲ፡ ብወገን ቡርኪናፋሶ ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣተወ ጃፓናዊ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተረኸበ መራኸቢ ማዕከናት ኢትዮጵያ የቃልሓ።
ሽዑ ኣብቲ መንግስትን መብዛሕቲኡ ህዝብን ሓያል ስንባደ ዝፈጠረ እንትኾን፡ ኣብ ትግራይ ድማ ነዊሕ ከይጸንሐ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ኣቐዲምካ ንምክልኻል ብዝብል ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ።
ካብን ናብን ዝግበር ጉዕዞ ብምኽንያት እቲ ኣዋጅ ስለ ዝተኸልከለን እቲ ስግኣት ብዘሕደረለይ ስግኣትን ድማ ኣብ ጎቦታት ገርዓልታ ዝተደኮኑ ገዳማት ኣቡነ የማእታን ዳኒኤል ቆርቆርን ንምብጻሕ ዝነበረኒ መደብ ሰሪዘ ኣብ ገዛይ ኮፍ ክብል ተገዲደ።
እቲ ዝበኣሰ ድማ ማዕበል እቲ ቫይረስ እናሓየለ ብምምጽኡ፡ እታ ብስራሕ ዝነብረላ ሃገረ ኬንያ ኣጋይሽ ከይኣትውኒ ኢላ ዓለምለኻዊ በረራታት ዓጸያ፡፡
ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ዝሰርሖ ስራሕ ካብ ርሑቕ ቦታ ኮይንካ እውን ክስራሕ ዝኽእል ኮይኑ እምበር ብሰንኪ ናይ ጉዕዞ ክልከላታት ሃንደበት ስርሖም ዝሰኣኑ ሰባት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ይግምት።
ኣብ ከተማ መቐለ ንሓሙሸተ ኣዋርሕ እየ ጸኒሐ፡፡
ከም ወትሩ ግን ኣብ እግሪ ጽላላት ቀበሌ 16 ቡን ኣይሰተኹን፤ ኣብ ዕሙራት እንዳትልሂታት መቐለ ኣይተዘናጋዕኩን፣ ማልያ መቐለ ሰብዓ እንደርታ ተኸዲነ ኣብ ስታዲዮም ማቱሳላ ምስ ደቂ መቐለ ዋዕ-ዋዕ ኣይበልኩን፤ ኮሮናቫይረስ ንኹሉ ቀይሩዎ እዩ፡፡
ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ዘሎ ምስሓሓብ ካልእ ወጥሪ ዝፈጥር ጉዳይ እዩ።
ንፋስ ሰላም ህዝቢ ተሃዊኹ፣ ካብ ውሻጠ ክሳብ ታክሲታትን ቤት ምግብን ፖለቲካ ይውጋዕ፣ ሚድያታት መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን ብናይ ቃላት ኲናት ይታኾሳ፤ ኮታ እቲ ዝዓሰለ ደበና ኩናት ክዘንብ ድዩ ክብተን ሻቕሎት እዩ።
ኣብ መብዛሕትኡ ጎደናታት መቐለ፡ ክላሽንኮቭ ዝዓጠቑ ደቂ ኣንስትዮን ተባዕትዮን ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ፡ ኣብ ሓለዋ ተጸሚዶም ይረኣዩ።
ሓሓሊፎም ንተሽከርከርትን ተሳፈርትን ካብ ምፍታሽ ወጻኢ ምስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይዘራርቡን።
ብውሑድ ተሰሪዖም ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ከተማ ክንቀሳቐሱን ኣቋሪጾምኻ እንትሓልፉን እውን ዝኾነ ዓይነት ኣቓልቦ ኣይገብሩልካን።
ንካልእ ዕማም ዝተዳለዉ ይመስሉ፤ እዚ ምንቅስቓሳት ድማ ምስቲ ኣብ ሚድያ ዝስማዕ ነገራት ተደሚሩ እቲ ህዝቢ ናብ ስግኣትን ሕራነን ዘእተዎ ይመስል።
ኮሮናቫይረስ ንምክላኻል ዝተነበረ እገዳ ጉዕዞ፡ ነቲ ዘይደልደለ ኣብራኽ ቁጠባ ዘይማዕበላ ሃገራት ሰንከልከል ከብሎ ምስጀመረ፡ ዶባተን ንተጓዓዝቲ ክኸፍታ ጀሚረን።
ኬንያ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ካብ መፈለምታ ወርሒ ነሐሰ፡ ዶባታ ንዓለምለኻዊ ተጉዓዝቲ ክፉት ከምእትገብር ገሊጻ።
ኢትዮጵያ ብወገና ናብታ ሃገር ኣብ ዝመጹ ኣጋይሽ ንዘንበረቶ ናይ 14 መዓልቲ ግዱድ ምውሻብ ናብ ሸውዓተ መዓልቲ ብምጉዳል፡ ካብ ኮሮናቫይረስ ነጻ ከም ዝኾኑ ዘርኢ ወረቐት ንዘምጽኡ ድማ ምውሻብ ደው ኣቢላ፡፡
ኣብ መፈለምታ ወርሒ ነሓሰ ናብ ናይሮቢ ክምለስ ስለዝነበረኒ፡ ኣቐዲመ ጉዕዞይ ስሉጥን ውሑስን ክኸውን ዝሕግዙኒ ሓበሬታታት ከናዲ ጀሚረ፡፡
ውድብ ጥዕና ዓለም ሓዊሱ ብዙሓት ኣማኸርቲ ጉዕዞ፡ ኣገዳሲ እንተዘይኮይኑ ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ መገሻ ኣየተባብዑን፡፡
ግድን ምስ ዝኸውን ግና ኣብተን ምብጻሕ እትገብረለን ሃገራት ምስ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ዘሎ ሕጊ ክትፍልጦን ኣብ ጉዕዞኻ ግቡእ ጥንቃቐ ክተገብርን ይምዕዱ።
ብኣቆጻጸራ ኣውሮጳ ነሓሰ 1/2020 ናብ ኬንያ ንምብራር፡ ቅድሚ ጉዕዞ ኣብ ዘለዉ 96 ሰዓታት ዝተገበረ ካብ ኮሮናቫይረስ ነጻ ምዃነይ ዝገልጽ ወረቐት ክሕዝ ግቡእ ነይሩኒ።
ኣብቲ ቕነ ድማ ኮሮናቫይረስ ኣብ ከተማ መቐለ ጉዕዞ ታሪኽን ዝፍለጥ ምትንካፋትን ኣብ ዘይብሎም ክፋላት ሕብረተሰብ መዓልታዊ ይርከብ ነይሩ፡፡
ስለዚ ዋላ ምስ ዝነበረኒ ውሱን ምንቅስቓስ ካብ ስግአት ነጻ ኣይነበርኩን፡፡
ካብ ጉዕዞይ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃነይ ምስ ኣረጋገጽኩ ድማ ናብ ቀጻሊ ምድላዋተይ ኣትየ።
ኣብ ናይሮቢ እትርከብ ጓላ ክተዋልድ፡ ሓቢራትኒ ክትጓዓዝ ተዳልያ ዝነበረት ዘመደይ ግን እቲ ቫይረስ ስለ ዝተረኸባ ጉዕዞኣ ኣይሰለጠን፡፡
ክልከላታት ስዒቡ ኣብ ዝጅመሩ ጉዕዞታት፡ ብምኽንያት ሕጽረት ተሳፈርቲ መገዲ ኣየራት ዋጋ ክንክዩ ከምዝግደዱ ዝሕብር ግምት ሰብ ሞያ ኣቬሽን ልክዕ ኣይረኸብኩዎን።
ካብቲ ልሙድ ዋጋ አዐርዩ እዩ ወሲኹ፡፡
ኣብ ጉዕዞይ ኣብ መዕረፍን ውሽጥን ነፈርቲ ብዛዕባ ዝህሉ ጥንቃቐታት እናሓሰብኩ፡ ነብሰይ ካብ ኮሮናቫይረስ ንምውሓስ ዝሕግዙኒ ማስክ፣ ጓንትን ሳኒታይዘርን ኣዳልየ፡ ነሓሰ 1/2020 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ተረኺበ፡፡
ኣብ መእተዊ ኣብ ዝተቐመጠ ኬሚካል ዝሓዘ ጎማ እናረገጽና ናብ ውሽጢ ኣቲና፡፡
ሳናጡ እተጓዓዕዘሎም ካሮሳታት ምስ ሓዝና፣ ሰነድ ጉዕዞ ሂብናን ትኬት ተቐቢልናን አእዳውና እነጽርየሉ ኣልኮሆልን ሳኒታይዘርን ኣብ ቀረባ ስለ ዘይረአና፡ ዘለዎ ነናቱ ይጥቀም ነይሩ።
ጉዕዞ ጀሚርና፤ ኣብ በረራና ማስክን ጓንትን ዝገበራ መሳሰይቲ እታ ነፋሪት ከምቲ ልሙድ ቅልል ዝበለ ምግብን ዝስተን ኣቕሪበን፡፡
ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፍርቲ ቦሌን ጆሞ ኬንያታን እውን ብዙሕ ዝተፈለየ ነገር ኣይተዓዘብኩን፡፡
ተጓዓዝቲ ብምትንኻፍ ከጋጥም ካብ ዝኽእል ናይ ኮሮናቫይረስ ረኽሲ ንባዕሎም ምሕላው ናይ ባዕሎም ሓላፍነት እዩ፡፡
ኣብ ደርቢታት፣ ናብ ነፈርቲ ኣብ ዝወስዳ መካይን፣ ኣብ ውሽጢ ነፈርቲ ዘሎ መቐመጢ ሳናጡ እንትኸፍቱን እንትዓጽዉን ኣእዳዎም ዘጽርዩሉ ኣልኮሆልን ሳኒታይዘርን ክሕዙ ኣለዎም፡፡
ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ኣብ ዝነበረና ጉዕዞ ኣዐሪና ውሑዳት ብምንባርና ተረሓሒቕና ናይ ምብራር ዕድል ረኺብና፡፡
ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ተሳፈርቲ ንባዕሎም ካብ ኮሮናቫይረስ ክሕልዉ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ፤ መሳሰይቲ ድማ ብዝሓሸ መገዲ ዝተዓሸገ መግቢ ንተጓዓዝቲ ኣቕሪበን፡፡
ድሕሪ 1፡40 ጉዕዞ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ በጺሕና፡፡
ኣጋይሽ ማሕበራዊ ርሕቐት ሓልዮም ጠጠው ክብሉ ኣብ ዘመላኽቱ፡ ኣብ ምድሪ መቐበሊ ጋሻ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዝተሳእሉ ምልክታት ብምርኣይ ተሰሪዕና።
ናይ ቪዛ ኣገልግሎት ረኺብናን ን14 መዓልቲ ንባዕልና ኣብ ገዛና ወሺብና ክንጸንሕ ፍቓደኛታት ከም ዝኾንና ዝገልጽ ቅጥዒ መሊእናን ነናብ ገዛና ተሰኒና።
ኣብ ገዛይ ንባዕለይ ፈልየ ካብ ዝቕመጥ ሸሞንተ መዓልቲ ኮይኑኒ ኣሎ፡፡
ስሩዕ ስርሐይ ስለዝጀመርኩ ካብ ዝኾነ ነገር ዝቦኸርኩ ኮይኑ ኣይስመዓንን።
ብተወሳኺ ከም ምኽሻንን ምንባብን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ኣካል መዓልታዊ ስራሕተይ ስለዝኾኑ መዓልቲታት ጽቡቕ ግዜ የሕልፍ ኣለኹ፡፡