ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ግዜ ካብ ማእከል ሕክምና ኮቪድ-19 ዝጠፍኡ እሱራት ይድለዩ ኣለው

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልተ ግዜ ካብ ማእከል ሕክምና ኮቪድ-19 ዝጠፍኡ እሱራት ብፖሊስ ይድለዩ ከምዘለው ተሓቢሩ።

እዞም እሱራት ካብ ምብራቕ ሸዋ ወረዳ ቦረ ኮይኖም ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ምስ ተረጋገጸ፡ ኣብ ቡራዩ ናብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ኮቪድ-19 ምስ ተወሰዱ ክልተ ግዜ ከም ዘምለጡን ፖሊስ ይደልዮም ከም ዘሎን ተገሊጹ።

ሻሎ ፊታላን፤ ኢሳቾ ኣበበን ዝተባህሉ ክልተ መናእሰያትን ካልኦት ሰለስተ እሱራትን፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ወረዳ ቦረ ኣብ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ እንከለው'ዮም በቲ ቫይረስ ተለኺፎም።

ሕክምናዊ ክትትል ንክግበረሎም ድማ ናብ ከተማ ቡራዩ ከም ዝተወሰዱ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ወረዳ ኢንስፔክተር ሚሊዮን ታፈሰ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ይኹን'ምበር፡ እቶም ሽሞም ዝተጠቐሰ ክልተ መናእሰይ ናብ ቡራዩ ምስ ተወሰዱ፡ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልታት ካብቲ ሕክምና ሃዲሞም ጠፊኦም ኢሉ።

እቶም መንእሰያት ካብቲ ሕክምና ኮሮናቫይረስ ዝወሃበሉ ማእከል ምስ ሃደሙ ቤሰተቦም ናብ ዝነብርሉ ከባቢ ከም ዝተመለሱ'ውን እቲ ኢንስፔክተር ገሊጹ።

"እቶም መናእሰይ ካብቲ ሕክምና ወጺኦም ናብ ወረዳና እዮም ተመሊሶም። ብመሰረት ዝበጽሐና ሓበሬታ ድማ ነቲ ህዝቢ ብምትሕብባር ኣብ ሓንቲ ገጠር ዓዲ ሒዝና ናብ ቡራዩ መሊስናዮም" ኢሉ።

እቶም መናእሰይ ናብቲ መወሸቢ ማእከል ክምለሱ ምስ ተገብረ ድሕሪ ኣርባዐተ መዓልቲ [ቀዳም 2 ነሓሰ 2012 ዓ.ም] ንኻልኣይ ግዜ ካብቲ ማእከል ከም ዘምለጡ ፖሊስ ተዛሪቡ።

"ንኻልኣይ ግዜ ከም ዝሃደሙ ምስ ሰማዕና ድማ ንእልሾም ኣለና። ኣብ ገዛ ስድራቤቶም ግን የለውን። ኩሉ ሕብረተሰብ ብዛዕባ እዚ ንክፈልጥ ገይርና ኢና፤ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይረኸብናዮምን። ናብ ካልኦት ወረዳታት ብምኻድ ተሓቢኦም ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም" ይብል ኢንስፔክተር ሚሊዮን።

ምኽትል ሓላፊት ቤት ፍሕፈት ወረዳ ቡራዩ ወይዘሮ ፍጹም ወርቅነህ "ጉዳይ እዞም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ካብ ፈሊኻ መጽንሒ ዝሃድሙ መናእሰይ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩልና ኣሎ" ኢላ።

ክልል ኦሮሚያ ካብቶም መዓልታዊ ልዑል መጠን መልከፍቲ ዝርኣሎም ዘሎ ከባቢታት እታ ሃገር ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ 463 ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ክሞቱ እንከለው፤ ካልኦት 178 ሰባት ኣብ ጽኑዕ ክፍሊ ሕክምና ይርከቡ።