ኣታሊላ ገንዘብ ክተረክብ ኢዳ ብመጋዝ ዝቆረጸት ጓል ኣንስተይቲ ገበነኛ ኮይና ተረኪባ

ካብ ኩባንያ ኢንሹራንስ ገንዘብ ክተጠፋፍእ ኢላ ኢዳ ብመጋዝ ዝቆረጸት ስሎቨንያዊት ሰበይቲ፡ ገበነኛ ኮይና ተረኺባ።
እዛ ጁሊጃ ኣደስሊክ ዝተባህለት ጓል 22 ዓመት መንእሰይ፡ ቅድሚ ኢዳ ምቑራጻ ኣብ ሓምሽተ ኩባንያታት ኢንሽራንስ ተመዝጊባ ከምዝነበረት ኣብ ሉቡያና ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ገሊጹ።
ንሳ ግን ነቲ ኢዳ: ደይ መደይ ኢላ ከምዘይቆረጾቶን፡ ገረብ ክትቆረጽ እንከላ ከምዘጋጠመን እያ እትገልጽ።
ጁሊጃ፡ ከባቢ 1.16 ሚልዮን ዶላር ክትከፈል ኢላ ነቲ ተግባር ከምዝወዓለቶ እዩ ዝግለጽ።
ኣብዚ እዋን ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ይጽበያ ከምዘሎን እቲ መጻምድታ ድማ ንሰለስተ ዓመት ክእሰር ተፈሪድዎ'ሎ።
ንሳ፡ ኣብ 2019 ኢዳ ካብ ጉምቦ ተቆሪጹ ንሆስፒታል ምስ ከደት'ያ ምስ ካልኦት ኣዝማዳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲያ።
እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ንሳን ዓርካን ንኢዳ ደይ መደይ ኢሎም ከምዝቖረጽዎን ነቲ ዝተቆርጸ ክፋል እቲ ኢድ ድማ ኣብ ገዛ ገዲፎም ንሆስፒታል ከምዝኸዱን ገሊጹ። እንተኾነ፡ እቶም ሰብ-መዚ ነቲ ዝተቖርጸ ክፋል ኢዳ ኣብ እዋኑ ብምርካብ፡ ከምዝላገብ ገይሮሞ።
ዓርካ ቅድሚ እቲ ፍጻመ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣቲዩ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መጽናዕቲ ከምዝበረ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ይከሱ። እቲ ተግባር ድማ ደይ መደይ ኢሎም ከምዝገበርዎ ሓቢሮም።
ጁሊጃ፡ ክሳብ እቲ ናይ ቤት-ፍርዲ መስርሕ ዝውዳእ ኢዳ ባዕላ ከምዘይቆረጸቶ ገሊጻ።
እቲ ዝወጠነቶ ምጥፍፋእ ገንዘብ እንተዝሰልጥ ነይሩ፡ እቶም መጻምድቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዩሮ ክከሓሱ ነይርዎም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







