ፖለቲካዊ ፍልልያት ዘይገደቦ ሰናይ ተበግሶ ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ንምሉእ ዓለም ዘንቀጥቀጠን ህይወት ኣስታት 1 ሚልዮን ሰባት ዝቐዘፈን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ቁጠባዊን ማሕበራውን ሂወት ሰብ ኣብ ቅልውላዉ ዘውደቐ ኮይኑ ይርከብ።

ብፍላይ እዚ ቀታሊ ቫይረስ ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ፈጢሩ ብምንባሩ፡ መሰረታውያን ነገራት ካብ ከብሕታት ደዃኩን ዝጠፍኡሉ'ዩ ነይሩ- ዘመነ ኣካሒዳ ብዝመስል ኩነታት።

ይኹን እምበር እዚ ሕሱም እዋን፡ ጽቡቕ ሕልና ሰባት ዝተገልጸሉ'ውን እዩ። ሰባት ንሓድሕዶም ዝተሓጋገዝሉን፡ ብወለንታ ዝተደጋገፍሉን ኩነታት ፈጢሩ'ዩ።

ነቲ ለበዳ ንምክልኻል ዝተወስዱ ናይ ምንቅስቓስ እገዳታትን ዝተኣወጁ ኣዕጽዋታትን፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ኢድ-ናብ-ኣፍ ዝናበሩ ድኻታትን ስደተኛታትን ዓቢ ሃስያ ከስዕብ ናይ ግድን'ዩ ነይሩ።

ኤርትራውያን ድማ ከም ብዙሓት ካልኦት ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ንሓድሕዶም ንምድግጋፍ ዝወሰድዎ ዘለዉ ተበግሶታት ቀሊል ኣይኮነን።

ሰናይ ተበግሶ ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብታ ኣህጉር በቲ ለበዳ ኣዝየን ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ሃገር ኮይና'ያ።

ዛጊት ልዕሊ 15 000 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 600, 000 ተለኺፎም ኣለዉ።

ሓደ ኤርትራዊ'ውን በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ከምዝሞተ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኤርትራውን ሓቢሮም።

መንግስቲ፡ ንናህሪ ናይቲ ለብዒ ንምክልኻል ቀልጢፉ ተሪር እገዳታትን ዕጽዋን ብምእዋጁ፡ ቁጠባዊ ንጥፈታት ብፍጹም ዝደስከለሉ ኩነታት ተፈጢሩ ነይሩ- ብዘይካ'ቲ ንመሰረታዊ ነገራት ዝምልከት።

እቲ ኩነታት ነቶም፡ ኣብ ናይ ሓድሕዶም ናኣሽቱ ትካላት ንግዲ ብግዝያውነት ተቖጺሮም ክሰርሑ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣታዊታቶም ክስእኑ ኣገዲድዎም።

ዳርጋ መብዛሕትኦም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ስደተኛታት፡ ካብ መንግስቲ ዝወሃቦም ስሩዕ ማሕበራዊ ደገፋት የለን። ብፍላይ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ፋሕተርተር እናበሉ'ዮም ዝናበሩ።

ብዘይክኡ፡ ብዛዕባ'ቲ ቫይረስ ዝወጽእ ዝነበረ ሓበሬታታት ብዝግባእ ንምርዳእ የጸግም ነይሩ።

ነዚ ጸገማት እዚ ዝተረድኡ ገለ ኣባላት ማሕበረኮም ኤርትራ ኣብታ ሃገር፡ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ወገናቶም ብውዱብ ንምድጋፍ ሓደ ተበግሶ ወሲዶም።

እቲ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዝከፋፍሎም ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ብዘየገድስ ድማ፡ ብሓባር "ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ" ዝብል ጥርናፈ ከም ዝፈጠሩ፡ ኣቦመንበር ናይቲ ማሕበር ዶ/ር ሰለሙን ነወተ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እንታይ ዓይነት ደገፍ'ዮም ዝገብሩ

ብዛዕባ'ቲ ለበዳ "በቲ መንግስቲ ብዙሕ ሓበሬታ ይወጽእ ስለዝነበረ፡ ነቲ ናትና ሕብረተሰብ፡ ስደተኛ፡ በቲ ዝርድኦ ቋንቋ እንተበጽሐዶ ይሓይሽ ብምባል፡ ነቲ ፡ ምትርጓም ንጥዕና ዝምልከት፡ ንካልኦት መንግስቲ ዘውጽኦ ኣዋጃት ብቐጥታ እናተርጎምካ ምውጻእ" ብዝብል እቲ ተበግሶ ከም ዝተጀመረ'ዩ፡ ዶ/ር ሰለሙን ዝግልጽ።

እቲ ዕጽዋ እናፈኾሰ ምስከደ "እቲ ተዓጽዩ ዝነበረ ሰብ ኩሉ ናብ ስራሕ ምስተመልሰ፡ ብፍላይ ነጋዶ ክምለሱ ምስ ጀመሩ'ዩ እቲ ዝበዝሐ ናይዚ ሕማም ተጋኒኑ ዝተራእየ፡ ብፍላይ ኣብ ናሕና ሕብረተሰብ።

"እቲ ተዓጽዩ ዝነበረ ህዝቢ፡ እምብኣር ክትሰርሑ ትኽእሉ ኢኹም ምስ ተባህለ፡ እሞ እቲ ዝበዝሕ ሰብ ከኣ ኣብ ንግዲ ዝተዋፈረ ስለዝኾነ፡ ከምዚ ኣብ ቤትማእሰርቲ ተዓጽዩ ዝነበረ፡ ምስ ተኸፍተ ብሓባር ናብ ማሕበራዊ ምቅርራብ ምስተመልሰ፡ ድሕሪኡ ኢና እቲ ሕማም ኣብ ኤርትራውያን ክንርኢ ጀሚርና" ይብል።

ኣባል ፈጻሚ ኮሚተ ናይቲ ማሕበር ዝኾነት ወ/ት ልዋም ወልደጋብር ብወገና፡ እቲ ለበዳ ኣብቲ ማሕበረኮም "ራዕዲ ፈጢሩ" ከም ዝነበረ ትገልጽ።

እቲ ነቲ ለበዳ ንምክልኻል ዝተወስዱ ናይ ማሕበራዊ ምፍንታትን ዕጽዋታትን፡ ኣብ ኤርትራውያን ስነኣእምሮኣን ቁጠባውን ጽልዋ ከም ዝነበሩ ትጠቅስ።

"መብዛሕትኡ ኣብዚ ዓዲ ዘሎ ኤርትራዊ መነባብርኡ ኣብ ንግዲ ዝተመርኮሰ'ዩ። ስለዚ ኣብ ግዜ ዕጽዋ ኣታዊ ኣይነበሮን። ብፍላይ እቶም ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ፋይናንሳዊ ሃጓፋት ኣጋጢምዎ ነይሩ።"

እታ ማሕበር ከኣ ነዚ ጸገም'ዚ ንምቅላል ከምዝተመስረተት ብምግላጽ፡ "ብዓቕማ ንዝተሸገሩ ብምልላይ ሓገዛት ክትገብር ጀሚራ" ትብል ልዋም። ንልዕሊ 40 ዝኾኑ ሰባት ንገንዘባዊ ሓገዝ ከም ዝተዋህበ'ውን ዶ/ር ሰለሙን ተዛሪቡ።

ናይ መግቢ ሓገዛት ከም ዝተገብረን፡ ንስድራቤት ናይቲ በቲ ቫይረስ ዝዓረፈን ኣብታ ሃገር ዝተቐብረን ኤርትራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ከም ዝገበረት'ውን ወ/ት ልዋም ጠቒሳ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ስደተኛታት ካብ ዘማርርሉ ጉዳይ'ውን እቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ናይ ስደተኛታት ፖሊሲ'ዩ። ብዙሓት ንዓሰርተታት ዓመታት "ሓተቲ ዑቕባ" ኮይኖም፡ ወረቐቶም ኣብ ኣዋርሕ ዘይመልእ ግዜ እናሐደሱ ይነብሩ።

ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ዘይዓገቶ ጥርናፈ

እዛ ማሕበር ፍልይቲ ዝገብራ ነገር እንተሎ፡ "ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ" ተባሂሎም ዝግለጹን፡ "ተቓወምቲ" ናይቲ መንግስትን ብሓባር ዘቖምዋ ምዃና'ዩ።

እቲ ለበዳ ፈለማ ምስ ተላበዐ ውሑዳት ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ብጾቶም ንምድጋፍ ዘንቀልዎ ሓሳብ እናዓበየ ስለዝኸደ እታ ማሕበር ከም ዝተመስረተት'ዮም ክልቲኦም ዝገልጹ።

"እቲ ለበዳ ኣይኮነን'ዶ ኤርትራውያን፡ ምስ ካልኦት'ውን ነንሕድሕድካ ትደጋገፈሉ ትተሓባበረሉ ግዜ ስለዝኾነ" ኣንጻር እቲ ለበዳ ብሓባር ክቃለሱ ከምዝወሰኑ ዶ/ር ሰለሙን ይገልጽ።

"ደጋፊ ኴይንካ ወይ ተቓዋሚ ኴይንካ፡ ኤርትራዊ ኢኻ፡ ንኹልኻ ኤርትራዊ ብሓባር ዘጥቅዕ ሕማም ስለዝኾነ፡ ልዕሊ ዝኾነ ግዜ ንንሕድሕድካ ትደጋገፈሉ ግዜ'ዩ … ስለዚ ክንረዳዳእ እንተዘይኪልና ኩላትና ኢና ንኸስር" ይብል።

ልዋምን ዶ/ር ሰለሙንን፡ ካልኦት ኤርትራውያን'ውን ንዘለዎም ኣፈላላይ ንጎኒ ብምግዳፍ፡ ኣብ ዘለውዎ ሃገራት ረብሕኦም ንምውሓስ ከምቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሓባር ክጥርነፉ ይጽውዑን ይምሕጸኑን።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እቲ ተኣዊጁ ዝነበረ እገዳታት ብምፍኳሱ፡ ቁጠባዊ ንጥፈታት ናብ ተዛማዲ ንቡር ኩነታት ተመሊሱ'ሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ነቶም ኣብ መዓስከራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሊብያን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝግበር ዘሎ ደገፍ ይቕጽል ኣሎ።

ብተበግሶ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ 'ኤሪትሪያን ኮሚኒቲ ኮነክሽንስ' (Eritrean Community Connections) ዝተባህለ ማሕበርን፡ "ምንቅስቓስ ይኣክል ግሎባል" ዝተጀመረ ብመገዲ 'ጎ-ፋንድ-ሚ' ልዕሊ 700,000 ዶላር ከዋጽእ ከምዝኻኣለ ይግለጽ።

ካልኦት ኤርትራውያንን'ውን፡ ሚልዮናት ዶላራትን ናቕፋን ብምውጻእ ኣብ ናይ መንግስቲ ማዕከን ኣታዊ ከምዝገበሩ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ይጠቕሱ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ'ውን፡ ህዝቢ ብዓቕሙ ንጽጉማት ኣብ ምሕጋዝ ይነጥፍ ከምዘሎ ይፍለጥ። ብዙሓት ሰብጸጋ'ውን ንተኻረይቲ ክፍሊቶም ክስርዙ ተራእዮም።