እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ካብ ፍርቂ ሚልዮን ዛይዱ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ሚኒስትሪ ጥዕና ናይታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ጥዕና ናይታ ሃገር፡ ዚዌሊኒ ምክዜ ከምዝበለቶ፡ ቀዳም ጥራይ ልዕሊ 10 ሽሕ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም እዮም።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ዛጊድ ኣብ’ታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ብዝሒ፡ 503,107 ኮይኑ’ሎ።
ኣብ’ታ ሃገር፡ ልዕሊ 8 ሽሕ ሰባት ድማ ብሰንኪ እዚ ሕማም ሞይቶም እዮም።
ኣብ ኣፍሪቃ ብኮሮናቫይረስ ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ሃገር፡ ደቡብ ኣፍሪቃ እያ።
ዳርጋ ፍርቂ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ ተመዝጊቡ።
ብደረጃ ዓለም ኸኣ ንኣመሪካ፣ ብራዚል፣ ሩሲያን ህንድን ስዒባ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።
ኣብ’ታ ሃገር ዘጋጠመ መጠን ሞት’ውን ልዕሊ’ቲ ብወግዒ ዝግለጽ ዘሎ ክኸውን ከምዝኽእል ሰብሞያ ይዛረቡ።
መብዛሕትኡ ካብ’ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ መልከፍትታት፡ ዳርጋ ልዕሊ ሓደ ሲሶ ኣብ’ታ ጋውተንግ እትበሃል ንግዳዊት ከተማ እዩ ዝርከብ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርገሐ ናይ’ዚ ለበዳ ንምግታእ፡ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ጥቡቕ ገደብ ምንቅስቓስ ኣንቢራ ነይራ።
እዞም ገደባት፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ቀስ ብቐስ ክፎኽሱ ዝጀመሩ እንትኾን፡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ግን ወሰኽ ስለዘርኣየ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተታት ሓዊሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዙሕ እገዳታት ዳግም ተነቢሩ እዩ።
እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝረኣይ ዘሎ ኩነታት ለበዳ፡ ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃ እንታይ ከጋጥም ከምዝኽእል ቀዲሙ ዘርእይ እዩ ክብል ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጠንቂቑ እዩ።