እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ እዋን ዕጽዋ ብዝሒ ገበናት ነክዮም
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ እዋን ዕጽዋ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ መጠን ገበናት ከምዝነከዩ ሰብ ስልጣናት ተዛሪቦም።
ብፍላይ ሓደ ሓላፊ ፖሊስ ከምዝበሎ፡ መብዛሕተኦም ገበናት ካብ ወርሒ ሚያዝያን ሰነን ንደሓር ብ40 ሚኢታዊት ነክዮም።
ኣብታ ሃገር ዝተነበረ ኣዋጅ ዕጽዋ ስዒቡ፡ ብፍላይ ከም ምብራዕ ገዛውቲን ጾታዊ መጥቓዕትታትን ዝኣመሰሉ ገበናት ነክዮም እዮም።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ኣብ ልዕሊ ኣልኮላዊ መስተታት ዝተነብረ ክልከላ፡ ነቲ ገበን ክንኪ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
ይኹን’ምበር ኣብ ልዕሊ መደብራት ኣልኮላዊ መስተ ዝወርድ ናይ ስርቂን ዘመተን መጥቃዕቲ ግን ከምዝቐጸለ እዩ ዝንገር።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዓለም ካብቶም ከበድቲ ገበናት ዝፍጸመላ ዓዲ እያ።
ኣብዚ እዋን ድማ፡ ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተመዝገቡ መልከፍትታት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብታ ሃገር እዮም ዝርከቡ።
ኣብታ ሃገር ዛጊድ ልዕሊ 500 ሽሕ ሰባት ዝተለኽፉ ኮይኖም፡ 11 ሽሕ ሞት ድማ ተመዝጊቡ።
ፖሊስ ሓላፊ ብኪ ቼሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ገበን በዚ ደረጃ ክንኪ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን፡ ንኣብነት ብዝሒ ጾታዊ ዓመጽ ብ40.4 ሚኢታዊት ከምዝነከየ እዩ ገሊጹ።
ምስ ስርቅን ዘመተ ንብረትን ዝተኣሳሰር ገበን ድማ፡ ብ29 ሚኢታዊ ጎዲ ተባሂሉ።
እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ኣልኮላዊ መስተታትን ሽጋራን ተነቢሩ ዝነበረ ኣዋጅ መካትዒ እዩ ነይሩ።