ደቡብ ኣፍሪቃ: ንጸረወጻእተኛታት ዝኹንን መደረ ተቓውሞ ገጢምዎ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ከተማ ጆሃንስበር ብዝቐጸለ፡ ኣንጻር ወጻእተኛታት ዝቐንዐ መጥቃዕትታት ብውሕዱ 2 ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣብ ጆሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓደ ገዲም ፖለቲከኛ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝቐነየ ወጥሪ ዘተሃዳድእ መደረ ኣብ ዘስምዓሉ ዝነበረ እዋን፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ረብሻ ከም ዝገበሩ ተገሊጹ።

ብርክት ዝበሉ ሰብኡት፡ ወጻእተኛታት ናብ ሃገሮም ክኸዱ እናጨርሑ፡ ነቲ 'ማንጎሱቱ ቡተለዝ' ዝበሃል ገዲም ፖለቲከኛ ዘስምዖ ዝነበረ መደረ ብምትዕንቓፍ ካብቲ ኣኼባ ወጺኦም።

በቲ ኣብታ ሃገር ተጓሃሂሩ ዘሎ ጎነጽ፡ ብውሑዱ ክልተ ወጻእተኛታት ዝርከብዎም 10 ሰባት ሞይቶም ኣለው።

ፖሊስ፡ ልዕሊ 420 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ብሓሙስ ድሕሪ ምሕባሩ፡ እቲ ኩነታት ሃዲኡ ነይሩ።

ብሰንበት ግና፡ ኣባትር ዝሓዙ ሰባት "ወጻእተኛታት ናብቲ ዝመጽእዎ ክኸዱ ኣለዎም" ኢሎም እናጨርሑ ኣብ ጎደናታት ጆሃንስበርግ ምርኣዮም፡ ስዎተን ላይቭ ዝተብሃለ መራኸቢ ብዙሓን ጸብጺቡ።

ማንጎሱቱ ቡተለዚ፡ ኣብ ዘስምዖ መደረ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ሃገር ዝተርኣየ ጎንጺ፡ ንምስሊ እታ ሃገር ከም ዝደወኖ ብምግላጽ፡ ከም ዝሓፈረን ክሽምግል ከም ዝመጸን ገሊጹ።

እንተኾነ ግና፡ እቲ መደርኡ ብተደጋጋሚ ክኹለፍን ሰባት ነቲ ኣኼባ ራሕሪሖምዎ ክወጹን፡ ኣብቲ ኣብ ትዊተር ዝተዘርግሐ ቪድዮ ይረአ።

ሚስተር ቡተልዚ ኣብ እዋን ኣፓርታይድ፡ ሓደ ካብ መራሕቲ ዙሉን፡ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ 'ኢንካታ ፍሪደም ፓርቲ' ዝነበረን እዩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዝወረደ መጥቃዕቲ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ንምቑጻር ወጻእተኛታት መራሕቲ መካይን ብምቅዋም ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ድሕሪ ምክያዶም እዩ ጀሚሩ።

ናዕበኛታት ብሰኑይ እዮም፡ ናይ ወጻእተኛታት ድኳናትን ናይ ጽዕነት መካይንን ከቃጽሉ ጀሚሮም።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየን ዝበልጸገን ቁጠባ ዘለወን ሃገራት ብምዃና፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኣፍሪቃ ስደተኛታት ይውሕዝዋ እዮም።