እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ ዓይነ-ምድሪታት ክተወግድ'ያ
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ ዓይነ-ምድሪታት ኣብ ዉሽጢ ክልተ ዓመት ክተወግድ ተሊማ።
"እዚ ወፍሪ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ተምሃሮ ድሕንን ክብሮም ዝምልስን ክኸዉን'ዩ" ኢሉ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ።
እዞም ክዉገዱ'ዮም ዝተብሃሉ ሽቓቓት፡ ብዚንጎ ዝሽፈኑን ዝተኩዓቱ ጉድጓዳት ብምዃኖም'ዩ።
ልዕሊ 4500 ኣብያተ ትምህርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣለወን ዝበሃል ሽቓቕ ጉድጓድ'ዩ።
ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኬፕ፡ ካልእ ቆልዓ ሓሙሽተ ዓመት ሚካኤል ኮማፔ ናብ ሽቓቕ ወዲቑ ሞይቱ'ዩ።
እዚ ጉዳይ ፕረዚደንት ስሪል ራማፎሳ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከባ 25000 ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዘሎ ቐረብ መናጽሒ ከጽንዕ ምኽንያት ኾይኑዎ።
ፕሮግራም ንጽህናን ደሕንነትን ንትምህርቲ፡ ፋዉንዴሽን ኔልሰን ማንዴላን ትካል መድሕን ህጻናት ዉድብ ሕቡራት ሃገራትን ሓዊሱ፡ ምስ ናይ ዉልቀ ጉጅለታት ብምትሕብባር ግብራዊ ክኸዉን'ዩ።
እዚ ፕሮጀክት 447 ሚሊዮን ዶላር ከምዝሓትት ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ጆሃንስበርግ፡ ፑምዛ ፊህላኒ ገሊጹ።
እዚ ወጻኢ ድማ፡ እቲ ዘሎ ኣብ ምዉጋድን ምህናጽ ስሩዕ ሽቓቕን ክዉዕል'ዩ።
ሽቓቕ ኣብያተ ትምህርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ
- ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዋ 25 ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ እተን ልዕሊ 4500 ጥራሕ ሽቓቕ ኣለወን
- መብዛሕትኦም ካብ ሕሳር ሓጺን ዝተሰርሑ እንትኾን መዕበሲ የብሎምን።
- ኣብ ምብራቕ ኬፕ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ እተን ዝኸፍአ ሽቓቕ ዘለወን'የን
- ምብራቕ ኬፕ፡61 ሽቓቕ ዘይብለን ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዉኣ