እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣዝዩ ልስሉስ ዓጽሚ ወዲሰብ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ተረኺቡ
ሓደ ካብቶም ዓበይትን ሙሉእን ዓጽሚ መበቆል ወድሰብ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ተረኺቡ።
ሓደ፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኳዕቲ ዘካየደ ጉጅለ፣ ነቲ ዝተረኸበ ዓጽሚ ኣንጺሁን ኣብ ሓደ ኣኪቡን ኣቐሚጡዎ ኣሎ።
ትኽክለኛ ዕድመ እቲ ዝረተኸበ ዓጽሚ ወድሰብ ዘካትዕ'ኳ እንተኾነ፡ ተመራመርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ግና 3.67 ሚልዮን ዕድመ ኣለዎ ይብሉ።
እዚ ማለት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተረኸበት መበቆል ወዲ-ሰብ ሉሲ ቅድሚ ከባቢ 500 ሽሕ ዓመታት ዝነበረ'ዩ ማለት'ዩ።
ሉሲን እቲ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ዓጽምን ኣዉስትራለፐቲከስ ንዝተብሃለ ዘርኢ ዝዉከለ ክኸውን እንከሎ፡ ዝተፈላለየ ዓሌት ዝተላበሱ'ዮም።
እዚ ይብሉ ሊቃዉንቲ ሳይንስ፡ ናይ ወዲ ሰብ ፍጥረት ዘረጋግጹ ፍጥረታት ቅድም ኢሉ ክበሃል ካብ ዝጸንሐ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣፍሪቃ ተዘርጊሖም ከምዝነበሩ ዘመላኽት'ዩ።
እዚ ኣዝዩ ሉስሉስ ዓጽሚ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ በዓቲ ስተርክፎነቴን ብፕሮፌሰር ሮን ክላርኬ'ዩ እዩ ተረኺቡ።
እዚ ናይ ሕዚ ኣስከሬን ኣካል ህጻን ጓል ኣንስተይቲ ኮይኑ ኣብ ሓደ እዋን ኣብቲ በዓቲ ወዲቓ ከምዝነበረት የመልክት።
"ንእሽቶ ክኸዉን ይኽእል'ዩ፡ ግን ድማ ጠቓሚ እዩ፤ ምኽንያቱ ብሓደ ንእሽቶ ዓጽሚ'ዩ ኩሉ ነገር ዝጅምር። እዚ ርኽበት፡ ድሕረ ባይታና ኣበይ ምዃኑ ንምፍላጥ ክሕግዘና'ዩ" ይብሉ ፕሮፌሰር ክላርክ።
እቶም ኣዕጽምቲ ዝተበታተኑ ብምንባሮም፡ ካብቲ በዓቲ ንምእራዩን ምልዓሉን ዝነበረ መስርሕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ ነይሩ። ሉስሉስን ልክዕ ከም ኣቕሓ ተፈጥሮኣዊ ኾይኑ ዝተቐበረን'ዩ ነይሩ" ብምባል የረድኡ።
ስለዝኾነ ድማ ኢሎም ፕሮፌሰር ክላርክ፡ "ብጣዕሚ ናእሽቱ ናዉታት ኢና ተጠቒምና። ብሰንኩ ድማ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ" ይብሉ።