ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ተኣጊዱ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ብዝለዓለ ናህሪ ዝውስኽ ዘሎ ኮይኑ፡ በዚ ምኽንያት ዘጋጠመ ሞት'ውን ናብ ልዕሊ 4 ሽሕ ደይቡ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት፡ ኣብታ ሃገር ቑጽሪ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት 50 ሽሕ ክበጽሕ ከም ዝኽእል መንግስቲ ግምቱ ኣቐሚጡ።

ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘውረዶ ማህሰይቲ ካብዚ ኣህጉር እቲ ዝለዓለ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ እቲ ዝለዓለ ዝተባህለ ቑጽሪ መልከፍቲ ኣመዝጊባ እያ።

ዳርጋ ፍርቂ እዞም ሕሙማት፡ ማእኸል እቲ ለባዳ ኣብ ዝኾነ ጋውቴንግ ዝተባህለ ዞባ እታ ሃገር ዝርከቡ'ዮም።

ብጠቕላላ ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ልዕሊ ርብዒ ሚሊየን ኮይኑ፡ ሰዓት እቶ እቶ ብምእዋጅ፡ ሰባት ካብ ገዛ ወጻእ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ እዋን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ብምግዳድ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ክትቆጻጸር ትጽዕር ኣላ።

እገዳ ኣልኮላዊ መስተ

መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ደው ምባል፡ ካልእ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝተወስደ ስጉምቲ ኮይኑ፡ ቲ ቫይረስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርኣይ ንነጀው ንኻልኣይ ግዜ ዝውሰድ ዘሎ መቆጻጸሪ ሜላ'ዩ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቅድም ኢሉ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ እገዳ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተታት ኣንቢራ ምንባራ ይዝከር።

እዚ፡ ዘቤታዊ ዓመጻትን ብዝሒ ሃንደበታዊ ሓደጋ በጺሑዎም ናብ ሆስፒታልን ቤት ማእሰርትን ዝኸዱ ሰባትን ኣብ ምንካይ ዓብዪ እጃም ከም ዝነበሮ ፖሊስን ዶኳትርን እታ ሃገር ይገልጹ።

ጸሞቕቲ ቢራን ወይንን እታ ሃገር ግን፡ እዚ ስጉምቲ ኣታዊኦም ክንኪ ከም ዝገበረ ብምግላጽ ይቃወሙዎ።

ፕረዚደንት ስሪል ራማፎሳ ግን እዚ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ክፍጠር ንዝኽእል ጸቕጢ ንምንካይ ከም ዝሕግዝ ይዛረብ ።

ንሱ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "መብዛሕትኦም" ሰባት ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ኣብ ምክልኻል ሓጋዛይ ስጉምቲ'ኳ እንተወሰዱ፡ "ሓድሕዶም ካብ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ንምሕላው ጥንቃቐ ዘይገብሩ ሓላፍነት ዝጎድሎም ሰባት'ውን ኣለው'ዮም" ኢሉ።

"ኣልኮላዊ መስተ ዝሓወሱ ምትእኽኻባት ዝገበሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣለው፤ ገለ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይገበሩ ዝንቀሳቐሱ ሰባት'ውን ኣለው" ኢሉ።

በዚ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተታት ዝተወስደ ስጉምቲ ኣብተ ሃገር ዘሎ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምግታእ ሓጋዛይ ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ድማ ክሳብ 15 ነሓሰ ክናዋሕ ምዃኑ ሓቢሩ።

መንግስቲ፡ ሕሙማት ኮቪድ-19 ከታናግዱ ዝኽእሉ 28 ሽሕ ናይ ሆስፒታል ዓራት ክዳለው ገይሩ'ሎ።

ይኹን'ምበር፡ ሕጂ'ውን እታ ሃገር "ከቢድ" ሕጽረት ነርሳት፣ ዶኳትርን ሓኻይም ጥዕና ኣእምሮን ዝርከቡዎም ልዕሊ 12 ሽሕ ሰራሕተኛታት ጥዕና ከም ዘጋጠማ እቲ ፕሬደንት ገሊጹ።