ኮሮናቫይረስ ኣብ ሓንጎልና እንታይ ጸገማት ክፈጥረልና ይኽእል?

ኮሮናቫይረስ ናይ መስተንፋስ ጸገማት ጥራይ እዩ ዘስዕብ ዝብል ኣተሓሳስባ እንተሃልይኩም ዳግማይ ምሕሳብ ከድልየኩም’ዩ፡ ኮሮናቫይረስ፡ ወቅዒ፤ ምህትፍታፍ፤ ድብልቕልቅ ዘበለ ስምዒትን ረሽሽታን እውን የስዕብ እዩ።

ሓደ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ድሕሪ ሳምንታት ናይ መትኒ ጸገማት ከምዘጋጥሞ መጽናዕትታት የረድኡ።

እቶም ናይ ምስትንፋስ ጸገማት ከየጋጠሞም ውሑድ ምልክታት ወይ’ውን ምልክታት ከየርኣዩ ዝሓወዩ ሰባት፡ ኣብ እዋን ሕማሞም ናይ ምዝካር ጸገማት፡ ክቱር ድኻምን ዕትቡነትን ከምዝጎድሎም ተመራመርቲ ይሕብሩ።

ኣብ ገለ ገለ ሰባት ግን ልዕሊ እዚ ደረጃ እዚ’ውን ይብጽሕ እዩ።

ፓውል ምልርያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ክልተ ግዜ ወቕዒ ልቢ ኣጋጢምዎ ነይሩ።

እዚ ወዲ 64 ዓመት ዝኾነ ፖውል ምልርያ ዳይረክር ናይ ካምብሪጅ ዩኒቨርስቲ ኮይኑ ብሰንኪ እቲ ብኮሮቫይረስ ዝሰዓበ ወቅዒ ልቢ ገለ ቃልት ብግቡእ ከድምጽ ኣይክእልን፡ ንየማናይ ክፋል ኣካሉ ድማ ክእዝዞ ይጽገም እዩ።

ኣብ ሎንዶን ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ሆስፒታል ድሕሪ ዝተገበረሉ ሕክምናዊ ናብዮት ህይወቱ ክትተርፍ ክኢላ እያ፡ ብህይወት ክተርፍ ምኽኣሉ ድማ እቶም ሓካይም ከም ዓብይ ዓወት እዮም ቆጺረሞ።

ፓውል መጀመርታ ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ምክትታታል ዘድልዮም ሕሙማት ደቁሱ እንከሎ እዩ ወቅዒ ልቢ ኣጋጢምዎ።

ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልታት’ውን ንካልኣይ መዓልቲ ብከቢድ ወቕዒ ልቢ ተጠቒዑ፡ ድሕሪ እዚ ናብ 'ኵን ስኴር' (Queen Square) ዝብሃል ሆስፒታል ተሰጋጊሩ።

ኣብ ሆስፒታል ኵን ስኴር ንፓውል ዝከታተሎ ዝነበረ ዶክተር ኣርቪንድ ቻንዳራቴቫ፡ “ፓውል ናባና ክመጽእ እንከሎ ክርኢ እምበር ዝኾነ ክዝክር ዝኽእል ሰብ ኣይነበረን፡ ነታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ቴሌፎን ከመይን እንታይን ክጥቀመላ ከምዝኽእልን ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ፡ ኩሉ ነገር ረሲዕዎ እዩ” ይብል።

ዶክተር ኣርቪንድ ቻንዳራቴቫ ብምስዓብ “ደሙ ቀጢኑ ኣብ ሓንጎሉ መንዛዕቲ ኣጋጢሙ ክኸውን ከምዝኽል ክግምት ክኢለ እንተኾነ እቲ ውጽኢቱ ግን ካብቲ ዝሓሰብናዮ ወጻኢ እዩ ነይሩ” ይብል።

ፓውል ብድሕሪ እዚ እውን ኣብ ሓንጎሉ ደም ስለዝረገአ ዲ ዲመር ( D-dimer) ዝብሃል ሕማም ብምምዕባል ጸገማቱ ክተሓላለኽ ጀሚሩ።

ኣብ ብጥዑያት ደቂ ሰባት ኣብ ሓንጎሎም ዝህሉ ምርጋእ ደም 300 ወይ ትሕቲኡ እዩ ዝዕቀን፡ ናብ 1000 ምስ ዝበጽሕ ድማ ወቅዒ ከስዕበሎም ይኽእል እዩ። ናይ ፖውል ግን 80000 (ሰማንያ ሽሕ) እዩ በጺሑ ጸኒሑ።

ዶክተር ኣርቪንድ ቻንዳራቴቫ፡ “ከምዚ ዓይነት ዝመጠኑ መርጋእቲ ኣብ ህይወተይ ርእየዮን ሰሚዐዩን ኣይፍለጥን’የ፡ ኣካላቱ ነቲ ዝሓመሞ ኮቪድ-19 ግብረ መልሲ ንምሃብ ናብዚ መጠን መርጋእቲ ከምዝበጸሐ ግን ክንርዳእ ክኢልና” ይብል።

ኣብ እዋን ዕጽዋ ወቕዒ ኣጋጢምዎም ናብ ኣብ ሆስፒታል ዝድቅሱ ቑጽሮም ከምዝጎደለ ዝሕብር ዶክተር ኣርቪንድ ቻንዳራቴቫ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ኣብቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ሆስፒታል ወቕዒ ልቢ ኣብ ሽዱሽተ ተሓከምቲ ኮቨድ-19 ከምዘጋጠመ ይሕብር።

ካብዞም ሽዱሽተ እቶም ክልተ እቲ ዘጋጠሞም ውቕዒ ልቢ ምስ ከም ጸቅጢ ደምን ሽኮርያን ዝኣመሰለ ካልእ ሕዱር ሕማሞም ከምዝዛመድ ብምሕባር እቶም ኣርባዕተ ግን እቲ ዘጋጠሞም ወቕዒ ልቢ ምስ ኮቪድ-19 ዝተሓሓዝ ኣብ ሓንጎል ዘጋጥም ምርጋእ ደም ዝዛመድ ምዃኑ የብርህ።

ንፖልን እቶም ካልኦትን ዘጋጠሞም ወቕዒ ድማ ኣብ ሓንጎል ደም ብምርጋእ ናይ ምዝካር፤ ናይ መርኣይ፤ ናይ ምዝራብን ናይ ምምዝዛንን ጸገማት ከምዘስዓበሎም ዶክተር ኣርቪንድ ቻንዳራቴቫ ይሕብር።

ሓካይም ፖውል ብህይወት ክተርፍ ትጽቢቶም ኣዝዩ ትሑት እዩ ነይሩ፡ ብሕይወት እንተተሪፉ’ውን ኣዝዩ ከቢድ ስንክልና ከምዘጋጥሞ ኣብ ግምቶም እዩ ነይሩ።

ፓውል ሕክምና ምስ ተገበረሉ ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዘሎ እዩ ዝሕብር “ንካልኣይ ግዜ ወቕዒ ምስ ኣጋጠመኒ ብዓልቲ ቤተይን ደቀይን ንካልኣይ ግዜ ዝርእዩኒ ኣይመሰለንን ነይሩ፡ ዶኳትር’ውን እቲ ክገብርዎ ዝኽእሉ ኩሉ ነገር ከምዝገብሩ ጥራይ እዮም ሓቢሮሞም፡ ፍቃድ ኣምለኽ ኮይኑ ግን ብህይወት ክተርፍ ክኢለ ጥዕናይ ድማ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይማሓየሽ ኣሎ” ኢሉ።

ፓውል ካብቲ ጽቡቕ ምምሕያሽ ዝገብሮ ዘሎ ኣብ ምድማጽ ናይ ቃላት እዩ።

ፓውል ኣቀዲሙ ሽዱሽተ ቋንቋታት ናይ ምዝራብ ክእለት ነይርዎ እዩ። ካብ ሓካይም ሓገዝ ደልዩ ኣብ ዝዛረበሉ ድማ ቋንቋ እንግሊዝን ፖርትጓልን እናሓናፈጸ እዩ ዝዛርብ። እዚ ምትሕንፋጽ ናይ ቋንቋ ድሕሪ እቲ ንካልኣይ ግዜ ወቕዒ ምስ ኣጋጠሞ ዝተኸሰተ እዩ።

ዶክተር ኣርቪንድ ቻንዳራቴቫ “እቲ ኣብ ንእስነቱ ዘጽንዖ ቋንቋታት ምስዚ ወቕዒ ተተሓሒዙ እቲ ኣብ ሓንጎሉ ዘጋጠመ ናይ ደም ምርጋእ ብቋንቋ ሕክምና ‘ዋየሪንግ’ ኢልና ንጽውዖ ስለዘጋጠሞ ነቲ ቋንቋ ፈላልዩ ክጥቀመሉ ይሽገር ኣሎ” ይብል።

ፓውል ኣብዚ ሕጂ ግዜ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢሉ ዘንብቦ ዝነበረ ከንብብ ከምዘይኽእል እዩ ዝዛርብ። እዚ ነቶም ቃላት ኣብ ምድማጽ ጥራይ ዘይኮነ ዋላ ብውሽጡ ቃላት ከየምሎቐ ከንብብ ምስ ዝፍትን’ውን ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢሉ ከንብብ ኣይክእልን እዩ።

ፓውል የማናይ ኣካላቱ ከምድላዩ ኣይምእዘዘሉን እዩ።

“ ቅድም መዓልታዊ ንሓደ ሰዓት ብሽክለታ ይዝውር፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልታት ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ይገብር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ይሕምብስ ነይረ፡ ድሕሪ ሕጂ እቲ ብሽክለታ ምስዋር ዝከኣል ኣይመስለንን ናብ ምሕንባስ ክምለስን ክኽእልን ግን ተስፋ ይገብር”ይብል ፓውል።

ኣብ ላንሰት ሳይካትሪ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሕክማዊ ናብዮት ካብ ዝግበረሎም ዘሎ ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ 125 ሰባት ወቕዒ ልቢ ከምዘጋጠሞም የረድእ።

እቶም ልዕሊ ፍርቂ ድማ ብሰንኪ ኣብ ሓንጎሎም ዝረግአ ደም’ዩ ወቕዒ ኣጋጢምዎም። እቶም ዝተረፉ ድማ ነድሪን ሕማም ኣእምሮን ዝኣመሰሉ ምልክታት ከምዝተራእዮም ውጽኢት እቲ ኣብ ካንሰት ሳይካታሪ ዝተገበረ መጽናዕቲ ይሕብር።

ሓደ ካብቶም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየድ ፕሮፌሰር ቶም ሶሎሞን ካብ ዩኒቨርስቲ ሊቨርፑል ኮይኑ፡ “በዚ ዝተገበረ መጽናዕቲ ኮቪድ 19 ንሳንቡእ እዩ ዘጥቕዕ ዝብል መደምደምታ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ብዘይካ እዚ ካልእ ናይ ሓንጎል ጸገማት ከምዘስዕብ ክንርዳእ ክኢልና ኣለና፤ እዚ ድማ ናብ ሓንጎል እኹል መጠን ኦክስጅን ስለዘይበጽሕ እዩ፡ ብዘይካ እዚ ግን ኣብ ሓንጎል ናይ ደም ምርጋእ ብምስዓብ ናብ ወቕዒ የቃልዕ እዩ፡ ሕጂ ተሪፋና ዘሎ እቲ ቫይረስ ብቀጥታ ኣብ ሓንጎልከ የጥቕዕ ድዩ ዝብል እዩ” ይብል።

ኣብ ካናዳ ተመራማሪ ስነ መትኒ ዝኾነ ፕሮፉሰር ኣድርያን ኦውን ኮሮናቫይረስ ኣብ ሓንጎል ከስዕቦ ዝኽእል ጸገማት ንምፋላጥ መጽናዕቲ ዘካይድ ዘሎ ተመራማራ እዩ።

“ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ክትትል ክናበዩ ዝጸንሑ ሕሙማት ናይ ምግንዛብ ጸገማት የጋጥሞም ከምዘሎ ክንርዳእ ክኢልና ኣለና፡ ስለዚ ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውዮም ተባሂሎም ናብ ገዝኦም ዝተፋነዉ፡ እቲ ሓውዮም ካብ ሕክምና ምፍናዎም ቀዳማየ ደረጃ ናይ ምሕዋዮም ኮይኑ ብቀጻሊ ምክትታል ከምዘድልዮም ክንርዳእ ክኢልና ኣለና” ይብል።

ዶክተር ኢካኤል ዛንዲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተመራማሪ ስነ መትኒ ኮይኑ “ሳርስን መርስን ክልቲኦም ምስ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዞም ንርእዮም ዘለና ሓደሽቲ ሕማማት መትኒ ናይ ሓንጎል እዮም፡ ቅድሚ ሕጂ ከኣ ከምዚ ዓይነት ሕማማት ኣጋጢሞሙና ኣይፈልጡን እዮም” ይብል።

ዶክተር ኢካኤል ዛንዲ ብምስዓብ “እቲ ብቐረባ መነጻጸሪ ክኾነና ዝኽእል እቲ ኣብ 1918 ዘጋጠማ ለበዳ ስፓንሽ ፍሉ እዩ፡ ነቲ እዋን ምልስ ኢልና ክርንርእዮ ምስ ንፍትን ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበሩ 10 ክሳብ 20 ዓመታት ብዙሕ ምስ ሓንጎል ዝተኣሳሰር ሕማማት እዩ ተራእዩ” ይብል።

ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ኵናት ዓለም ምስ ምምጻእ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ለበዳ ዝተራእየ ‘ኣንሰፋሊትስ ለታጂካ’ (encephalitis lethargica) ዝበሃል ኣብ ሓንጎል ብዘጋጥም ጸገም መትኒ ዝስዕብ ሕማም ብደረጃ ዓለም ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ክጥቅዕ ክኢሉ ነይሩ እዩ።

እቲ ሕማም ግን ምስቲ ኣብ 1918 ኣጋጢሙ ዝነበረ ለበዳ ስፓንሽ ፍሉ ቀጥታዊ ምትእስሳር ነይርዎ ድዩ እኹል መርትዖታት ምእካብ ከምዘድሊ ዶክተር ኢካኤል የረድእ።

እቶም ድሕሪ ለበዳ ስፓንሽ ፍሉ ናይ መትንታት ጸገም ዝተራኣዮም ሰባት ስእነት ድቃስን ናይ ምንቅስቓስ ጸገማትን ዝኣመሰሉ ሕዱር ሕማማት ከምዘስዓበሎም’ውን ዶክተር ኢካኤል ይጠቅስ።

ኦሊቨት ሳክስ ዝተብሃለ ክኢላ ስነመትኒ’ውን ድሕሪ እቲ ኣብ 1918 ዘጋጠመ ስፓኒሽ ፍሉ፡ ሕዱር ሕማም ዘጥረዩ ሰባት ኣመልኪቱ ኣብ ዝጸሓፊ መጽሓፍ ገለ ሕሙማት ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ምሉእ ዕውለት ኣትዮም ካብ ድቃስ ክበራበሩ ከምዘይከኣሉን ካብ ድቃስ ንኽበራበሩ ‘ኤል ዶፓ’ ዝተበሃለ መድሃኒት ክውሃቦም ከምዘለዎምን ይሕብር። እቶም ሕሙማት እቲ መድሃኒት ስርሑ ምስ ወደአ ናብ ድቃስ ከምዝምለሱ’ውን ኦሊቨር ሳክስ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ።

እዞም ክኢላታት ስነ መትኒ ኣብ 1918 ዘጋጠመ ስፓንሽ ፍሉን ነዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ኮቪድ 19 ንምንጽጻር እዞም ሕጂ ጸገማት መትኒ ናይ ሓንጎል ኣጋጢምዎም ዘሎን እዞም ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ዘለዉ ንነዊሕ ግዜ ሕክምናዊ ምክትታል ብምግባር ኮሮናቫይረስ ኣብ ሓንጎል ከስሕቦ ዝኽእል እኹል ስእሊ ብምሃብ ምስ ስፓንሽ ፍሉ ዘስዓቦ ድሕረ ጸገማት ብምውድዳር ናብ መደምደምታ ክብጻሕ ከምዝከኣል እዮም ዝሕብሩ።