እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 10.8 ሚልዮን በጺሑ
ጸብጻብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ብኮቪድ-19 ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ምብጽሑ ገሊጹ። እቲ ንፈለማ እዋን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ቻይና ዝተራእየ ኮሮናቫይረስ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 10 ሚልዮን ሰባት ለኺፉ ከምዘሎ’ውን እቲ ጸብጻብ ናይ ዪኒቨርሰቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የረድእ።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ኣርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሩስያ ንሓደ ኮሮናቫይረስ የለን ዝብል ቀሺ ወጊዛ
ኣርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሩስያ፡ ንሓደ ንህላወ ኮቪድ-19 ዝኸሓደን፡ ኣብ ጎቦታት ኦራል ንዝርከብ ደብሪ ብሓይሊ ዝተቖጻጸረን ቀሺ ወጊዛ።
እቲ ንርእሱ ብስም ናይ መወዳእታ ንጉስ ሩስያ፡ ኒኮላይ ራማኖቭ ዝጽወዕ ኣባ ሰርጊ፡ ንኮሮናቫይረስ “ናይ ሓሶት ለበዳ” ክብል ብምንጻግ፡ ንዕጽዋ ኣብያተክርስትያን ይኹንን።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ናይታ ቤተክርስትያን፡ ንሕግታት እቲ ደብሪ ጥሒሱ ብምርካቡ ክስጎግ ወሲኑ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ነቲ ብረደኑራልስክ ዝፍለጥ ደብሪ ብምቁጽጻር፡ ዕጡቓት ሓለዋ ኣዋፊሩ ተባሂሉ’ዩ ተኸሲሱ።
እቲ ደብሪ ኣብ ትሕቲ ኣባ ሰርጊ ኣብ ዝመሓደረሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዓመጽ ተፈጺሙ ዝብል ክስታት’ውን ቀሪቡ’ሎ።
ሰብመዚ መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ኣስፊሖም ክምርምርዎ፡ እታ ናይ ገዛእ ርእሳ መርመራ ተካይድ ዘላ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ጸዊዓ’ላ።
ብዓል ስልጣን ብሮድካስ ኢትዮጵያ፡ ንድምጺ ወያነን ተሌቪዥን ትግራይን መጠንቐቕታ ጽሒፉለን
ውድብ ጥዕና ዓለም መንገዲ ኣየራት ኣፍሪቃ ጥንቃቐ ክገብራ ጸዊዑ
ውድብ ጥዕና ዓለም ብዙሓት መንገዲ ኣየራት ኣፍሪቃ ኣህጉራዊ በረራታት ኣብ ዝጅምራሉ ዘለዋ እዋን እኹል ጥንቃቐ ክግብራ ጸዊዑ።
እቲ ውድብ እተን መንገዲ ኣየራት ኣዝዩ ጥንቁቕ ዝኾነ ኣኻየዳ እንተዘይተኸቲለን ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ከብእሶ ከምዝኽእል ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ።
መንግስታት’ውን ነተን መንገዲ ኣየራት፡ ብዛዕባ ገያሺ እኹል ሓበሬታ ክህልወን፡ ነቲ ለበዳ ንምግታእ እኹል ምቁጽጻር ንኽገብርን ምክትታል ክገብረለን ከምዘለወን ውድብ ጥዕና ዓለም ተማሕጺኑ’ሎ።
ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ማትሺድሶ ሞኦት፡ በረራታ ነዚ ሓውሲ ደስኪሉ ዘሎ ቁጠባ ከበራብሮ ከምዝኽል ብምብሓባር “ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ግን ኣዝዩ ልዑል ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ” ኢላ።
እቲ ውድብ፡ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየራት ተጓዓዝቲ እኹል ኣካላዊ ምርሕሓቕ ንኽገብሩ ክከታተሉን ዘድሊ ዘበለ ሜላታት መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ተግባርነቱ ከረጋግጹን ማዕድኡ ለጊሱ ኣሎ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፤ ሃገራት ኢኳተርያል ጊኒ፡ ታንዛንያ፡ ካሜሮንን ዛምብያን ነቲ ኣቋሪጸነኦ ዝነበራ ኣህጉራዊ በረራታት ዳግማይ ጀሚረነኦ ምህላወን ሓቢሩ።
ቱኒዝያ’ውን ካብ 27 ሰነ ጀሚራ ክሊ ኣየራ ንኣህጉራዊ በረራታት ክፉት ገይራቶ ኣላ።
እቲ ትካል ጥዕና ንስሸልስ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ 66 ሰባት ኣብ ሓንቲ ናይ ምግፋፍ ዓሳ እትነጥፍ መርከብ ዝሰርሑ ከምዝተረኽቡ ብምሕባር፡ ካብን ናብን ሃገራት ብመሬት፡ብባሕርን ብኣየርን ዝግበር ምንቅስቓስ እኹል ጥንቃቐ ክስነዮ ከምዘለዎ ኣገንዚቡ ኣሎ።
ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ዘንጸላልዎ ዘሎ ሓወልቲ ኣኽሱም ንምጽጋን እንታይ ይግበር ኣሎ?
ኮሮናቫይረስ ንሓንጎልና እንታይ ይገብሮ
ኮሮናቫይረስ ናይ መስተንፋስ ጸገማት ጥራይ እዩ ዘስዕብ ዝብል ኣተሓሳስባ እንተሃልይኩም ዳግማይ ምሕሳብ ከድልየኩም’ዩ።
ኮሮናቫይረስ፡ ወቅዒ፤ ምህትፍታፍ፤ ድብልቕልቅ ዘበለ ስምዒትን ረሽሽታን እውን የስዕብ እዩ።
ሓደ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ድሕሪ ሳምንታት ናይ መትኒ ጸገማት ከምዘጋጥሞ መጽናዕትታት የረድኡ።
እቶም ናይ ምስትንፋስ ጸገማት ከየጋጠሞም ውሑድ ምልክታት ወይ’ውን ምልክታት ከየርኣዩ ዝሓወዩ ሰባት፡ ኣብ እዋን ሕማሞም ናይ ምዝካር ጸገማት፡ ክቱር ድኻምን ዕትቡነትን ከምዝጎድሎም ተመራመርቲ ይሕብሩ።
ኣዲስ ኣበባ ኣብ መዓልቲ ቀብሪ ሃጫሉ ከመይ ውዒላ?
ኪም ጅንግ ኡን፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ኮሮናቫይረስ ኣንጸባራቒ ዓወት ምምዝጋባ ሓቢሩ
መራሒ ሰሙን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ሃገሩ ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ብዝተኸተለቶ ጽፉፍ ኣካይዳ፤ ኣንጸባራቒ ዓወት ከተመዝግብ ምኽኣላ ንመራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኪም ጆንግ ኡን “እዚ ንዓለም ዘሸብራ ዘሎ ቫይረስ ናብ ሃገርና ከምዘይኣቱ ብምግባር ነቲ ዝነበረና ዝተርጋገአ ኣካይዳ ከነውሕስ ክኢልና ኢና” ኢሉ።
ሰሜን ኮርያ፡ ኮሮናቫይረስ ምስ ጀመረ ኩሉ ዶባታ ብምዕጸዓው ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ካብ ህዝባ ከምዝውሸቡ ገይራ ነይራ እያ።
ኮሮናቫይረስ ኣብ ሓንጎልና እንታይ ጸገማት ክፈጥረልና ይኽእል?
ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ 10 ሓምለ ጀሚሩ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ገያሾ ካብተን ‘ዘየሰክፋ’ ሃገራት እንተኾይኖም ከምዘይውሸቡ ተገሊጹ።
እታ ሃገር ምስ ኮሮናቫይረስ ብምትሕሓዝ ዝርዝር ናይትን ‘ዘየሰክፋ’ ዝበለተን ሃገራት ሎሚ ከተፍልጥ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ኣሜሪካ’ውን ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ነበርታ ኣብ ህዝባውያን ቦታታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ዘገድድ ሕጊ ኣጽዲቃ ኣላ። እታ ክፍለ ግዝኣት ነዚ ክትገብር ዝተገደደትሉ፡ ቁጽሪ መዓልታዊ ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት ብናህሪ ይውስኽ ስለዘሎ እዩ።
ኣብ ቴክሳስ ኣብ ሮቡዕ ጥራይ 8000 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም’ዮም። ቴክሳስ ጥራይ ዘይኮነት ግን ኣሜሪካ ብምልእታ’ውን እዚ ለበዳ ካብ ዝጅመር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝብዝሐ መልከፍቲ ኣመዝጊባ ኣላ።
ኣሜሪካ ብሓሙስ ኣብ ሓደ መዓልቲ 53000 ሓደሽቲ ብኾሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ረኪባ።
ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 10.8 ሚልዮን ክበጽሕ እንከሎ ሞት ልዕሊ 520 ሽሕ ሰባት ድማ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብ ኤርትራ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 215 በጺሑ
ኣብ ኤርትራ፡ ሎሚ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ መወሸቢ ማእከላት ብዝተገብረ መርመራታት 12 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ከምዝተረኽቡ ሚኒስተሪ ጥዕና ገሊጹ።
ካብኦም፡ እቶም 7 ኣብ ኦምሓጀር፡ 2 ኣብ ገርገር፡ ኣብ ገረንፊት፡ ዓሊግድር ከምኡ’ውን ሃይኮታ ድማ ሓሓደ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ጸኒሖም።
እዞም ውልቀሰባት ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሱዳን ዝተመልሱ ምዃኖም’ውን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
ኣብ ኤርትራ፡ ዛጊት 215 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።
ካብዚኦም፡ እቶም 56 ሓውዮም ዝወጽኡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ካልኦት 159 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ምህላዎም ተሓቢሩ።
ቱሪዝም ኣፍሪቃ ናይ '55 ቢልዮን ዶላር' ክሳራ ኣጋጢምዎ ተባሂሉ
ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ቱሪዝም ክትረኽቦ እትኽእል ዝነበረት 55 ቢልዮን ዶላር ከም ዝኸሰረት ሓደ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጹ።
ኣማኒ ኣቡ-ዘይድ፡ ንሓደ ብኢንተርነት ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቱሪዝም ኣፍሪቃ፡ 10 ሚእታዊ ካብ እቶት ናይታ ኣህጉር ከምዝሽፍንን መነባብሮ ሚልዮናት ሰባት ከም ዝትንክፍን ተዛሪቡ።
እቲ ክሳራ ንመገሻታትን መጓዓዝያን ዘጠቓለለ እዩ።
ብፍላይ ኣብ መጓዓዝያ ከቢድ ክሳራ ኣስዒቡ ከምዘሎን፡ ገለ መንገዲ ኣየራት ነቲ ኩነታት ክሰግራ ከጸግመን ይኽእል’ዩ ተባሂሉ።
ሓደ ዓለማዊ ማሕበር ቱሪዝም፡ ኣብ መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብዓለም ደረጃ ሰራሕ ናይ ኣስታት 50 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ቱሪዝም ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
"ንሞት ፈሪሕካ እናሃለኻ፡ ኣይትመውትን ኢኻ" ኤርትራዊ ዶ/ር ብእምነት ኣብርሃ
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተተኺሉ ዝነበረ ሓወልቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ዓንዩ
ንሓርነት እናዘየመ ዝተቐትለ ውሩይ ኢትዮጵያዊ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ
16 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ ምኽንያት ዝኾነ መርዓዊ ተቐጺዑ
ኣብ ህንዲ፡ ናብ ሓደ መርዓ ዝተዓደሙ 16 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም፡ እቲ ሓደ ድማ ብምሟቱ፡ መርዓዊ ብገንዘብ ተቐጺዑ።
ስድራ ናይቲ መርዓዊ፡ ኣስታት 7,944 ዶላር (600,000 ሩፒ) እዮም ተቐጺዖም። ምኽንያት መቕጽዒኦም ድማ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝወጸ መምርሒ ጥሒስኩም ብዝብል እዩ።
ኣብ ህንዲ፡ ኣብዚ እዋን ንመርዓ ክእከቡ ዝኽእሉ 50 ሰባት ጥራይ እዮም። ኣብ’ዚ መርዓ ግን ልዕሊ 1000 ሰባት እዮም ተዓዲሞም ተባሂሉ።
እቶም ነዚ መርዓ ዝገበሩ ሰባት፡ ነቶም 15 ሰባት ብገንዘቦም ከሕክምዎም እዮም። ንኣስታት 60 ኣጋይሽ ድማ፡ ኣብ ዝተወሸብሉ መግብን ኣገልግሎታቶምን ክሽፍኑሎም እዮም።
ኣመሪካ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ልዑል ማዓልታዊ መልከፍቲ ኣመዝጊባ
ሓበሬታ ዩንቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዘርእዮ፡ ኣመሪካ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ልዑል መዓልታዊ መልከፍቲ ዘመዝገበት ኮይና፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ 52,982 ሓደሽቲ መልከፍትታት ኮሮናቫይረስ ኣጋጢሙዋ።
ኣብ ኣመሪካ፡ ዛጊት በዚ ቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ብዝሒ፡ ልዕሊ 2,682,270 በጺሑ’ሎ።
ኣብ’ታ ሃገር ዘጋጠመ መጠን ሞት ድማ ልዕሊ 128,028 ኮይኑ፡ እዚ ድማ ካብ’ቲ ኣብ ብራዚል ዘጋጠመ ዕጽፊ እዩ።
ኣብ ኣመሪካ፡ መልከፍትታት ኮሮናቫይረስ ገና ይውስኽ እዩ ዘሎ።
መዓልታዊ መልከፍቲ ክሳብ 100,000 ክበጽሕ ከምዝኽእል’ውን እዩ ዝግለጽ።
ዋላ’ኳ ሓያል ቁጠባዊ ሃስያ ይበጽሕ እንተሃለወ፡ ገለ ግዝኣታት፡ ነቲ ተነቢሩ ዝነበረ ዕጽዋ ንምልዓል ዝነበረን ውጥን ይገድፈኦ እየን ዘለዋ።
ብሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተቖጥዑ ሰልፈኛታት ንሓወልቲ ራእሲ መኮነን ኣፍሪሶምዎ
ብሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተቖጥዑ መናእሰይ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም
ግድብ ሕዳሰ፡ ግጥም ‘ቲክቶክ’ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያን ግብጽን