ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጎስጓስ 'ጸላም ዓርቢ' ክጅመር እዩ

እቲ ብምኽንያት ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዘጋጥም ዘሎ ዓሌታዊ ኣድልዎ ንምቅዋም፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተጀመረ ብጸላም ዓርቢ ዝፍለጥ ጎስጓስ ነቶም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለው ዜጋታት ንምድጋፍ እዩ።

እዚ ጎስጓስ ጸላም ዓርቢ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኩል ግዜ ዓርቢ ጸሊም ክዳን ክኽደኑ ዝጽውዕ እዩ። ክሳብ መዓዝ ዝብል ግዜ ገደብ ግን ኣይተቐመጠሉን።

ጎናጎኒ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝፍጸም ጭካነ ፖሊስን ዓሌታውነትን ክኹንን ዝጽውዕ እዩ። ሓይልታት ጸጥታ፡ ድሕነትን ዜጋታት ክሕልውን ገበናት ከይፍጸሙ ክከላኸሉን'ዩ ዘለዎም ክብል'ውን ይጠቅስ።

እቲ ሰልፊ ብትዊተር ከም ዝሓበሮ፡ እዚ ጎስጓስ ጸላም ዓርቢ ብፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ እዩ ክኽፈት።

እዚ ትማሊ ዝወጽአ መግለጺ ሰልፊ ኤኤንሲ፡ እቶም ኣንጻር ዓሌታውነት ዝካየዱ ዘለው ተቓውሞታት ናብ ኣሜሪካ ጥራሕ ኢዶም ዘዋጠዋጡ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ህንዲ፣ ብራዚል፣ ቻይና፣ ብሪጣንያን ኤውሮጳን፣ ማእከላይ ምብራቕን ፍልስጠምን ዝፍጸም ትካላዊ ዝኾነ ዓሌታውነት ዝኹንን እዩ ይብል።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ስርዓት ኣፓርታይድ ንምዕናው ከቢድ ቃልሲ ከም ዘካየደትን፡ ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን ልዑል እጃም ከም ዝነበሮምን ብምግላጽ፡ ሕጂ ድማ ንሕና ንምንቅስቓስ 'ብላክ ላይቭስ ማተር' ዘለና ድጋፍ እንርእየሉ እዩ ኢሉ።

ሕጂ'ውን ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ብማሕበራዊ ሚዲያ፣ ቑጠባን ማሕበራዊ ኩነታትን ዝፍጸሙ ዓሌታዊ መጥቃዕታት ኣለው'ዮም ብምባል፡ ነዚ ዝቃለሱ ትካላዊ ኣሰራርሓታት ክስርግሑ ከም ዘለዎም ገሊጹ።

ጆርጅ ፍሎይድ መን'ዩ?

ወዲ 46 ዓመት ጸሊም ጆርጅ ፍሎይድ፡ ሓደ ጻዕዳ ፖሊስ ኣብ ክሳዱ ረጊጽዎ እንከሎ "ክትንፍስ ኣይከኣልኩን" ክብል እዩ ኣብቲ ብማሕበራዊ ሚደያ ዝተፈነወ ምስሊ ክዛረብ ይስማዕ።

ፍሎይድ ብፖሊስ ኣመሪካ ተሓኒቑ "ክትንፍስ ኣይከኣልኩን" ዝበለ ፈላማይ ጸሊም ኣይነበረን።

ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት፡ ኤሪክ ጋርነር ዝበሃል ጸሊም፡ ፖሊስ ሓኒቑዎ "ክትንፍስ ኣይከኣልኩን" እናበለ እዩ ሞይቱ።

ኮታስ፡ ናይ ቀረባ እዋናት ጥራይ እኳ እንተርኢናስ፡ ቁጠዐ ዝፈጠሩ፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ብፖሊስ ዝተፈጸሙ ጭካነታት ብዙሓት እዮም።

ኣብታ ሃገር፡ ጸለምቲ ዘለዎም ማሕበረ ቁጠባዊ ቦታ'ውን ኣዝዩ ትሑት ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።

መጽሄት ፎርብስ ከም ዘርእዮ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ልዕሊ 600 ቢልዮነራት፡ እቶም 5 ጥራይ እዮም ጸለምቲ ኣመሪካውያን።

ስለ'ዚ ድማ እዩ፡ ሎሚ'ውን እንተኾነ፡ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ኣብ ኣመሪካ ማዕርነቶም ኣይተረጋገጸን ዝብል ሞጎት ዘሎ።

እቲ ድሕሪ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዝረኣ ዘሎ ተቓውሞታት'ውን ካብ ውህሉል ቁጠዐ ዝተላዕለ እዩ።