ኦሎምፒክ ቶክዮ፡ ኮሮናቫይረስ ይሃሉ ኣይሃሉ ካብ 2021 ኣይክናዋሕን’ዩ ተባሂሊ

ኣርማ ኦሊምፒክስ 2020

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ኣብ 2020 ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ውድድራት ኦሎምፒክ:ኮሮናቫይረስ ይሃሉ ኣይሃሉ ኣብ 2021 ከምዝካየድምክትል ፕረዚደንት ዓለምለኻዊ ሚተ ሓቢሩ።

ምክትል ፕረዚደንት ዓለምለኻዊ ኮሚተ ውድድራት ኦሎምፒክ ጆን ኮትስ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ውድድር ካብ 23 ሓምለ 2021 ጀሚሩ ከምዝካየድ ተዛሪቡ።

እቲ ውድድር ኣብ ሓምለ 2020 ክካየድ እኮ እንተነበሮ ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ከምዝተወሰነ ዝዝከር እዩ።

እቲ ኮሚተ ውድድራት ኦሎምፒክ እቲ ውድድር ካብ 2021 ፈጺሙ ከምዘይናዋሕ እዩ ዝገልጽ ዘሎ።

“እቲ ውድድር ኣብቲ ተመዲብዎ ዘሎ ግዜ ክካየድ እዩ፡ ጃፓን ነቲ ብሰንኪ ኣብ 2011 ዘጋጠመ ማዕበል ሱናምን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዝዓነወ ትሕተ ቅርጻ ኣተዓራርያቶ ስለ ዘላ ነቲ ውድድር ዝዕንቅፍ ዝኾነ ነገር ኣይክህሉን’ዩ” ይብል ጆን ኮትስ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ላዕለዋይ ጃፓናዊ ሓላፊ ናይቲ ውድድር: ቶሺሮ ሙቶ: እቲ ውድድር ብውሑዳት ተዓዘብቲ ክካየድ ከምዝኽእል ኣአንፊቱ ነይሩ’ዩ።

እቲ ሓለፊ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምትሕሓዝ እቲ ውድድር ተዓዘብቲ ዘይብሉ መኽፈትን መዕጸውን መደባት ብምግባርን ናብቲ ውድድራት ዝምጽኡ ኣሰነይቲ ብምውሓድን ክካየድ ከምዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ።

ኣብቲ ኣብ 2020 ክካየድ ዝነበሮ ውድድራት ኦሎምፒክ ካብ ኣስታት 200 ሃገራት ልዕሊ 11 ሽሕ ስፖርተኛታት ክሳተፉ እዩ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።

እንተኾነ ብዙሓት ሃገራት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዶባተን ዓጽየንን ዓለምለኻዊ በረራታት ደው ኣቢለን ስለዘለዋን ነቲ ውድድር ክሳብ ክንደይ ክጸልዎ ይኽእል ኣይተገልጸን ዘሎ።

ቶሺሮ ሙቶ ክታበት ክሳብ ዝርከብ ተባሂሉ ውድድራት ኦሎምፒክ ደው ክብል ወይ ካብ 2021 ክናዋሕ የብሉን እኳ እንተበለ: ሰብ ሞያ ጥዕና ግን ስክፍተኦም ይገልጹ ኣለዉ።

እቲ ሓላፊ ብምስዓብ “ቅድሚ ምጅማር እቲ ውድድር ኣብ ዘሎ ግዜ ክታበት እንተ ተረተኺቡ ጽቡቕ፡ ክታበት ከይተረኸበ’ውን እንተኾነ እቲ ውድድር ብጥንቃቐ ክካየድ ይኽእል እዩ፡ ክታበት ከም ቅድመኩነት ክቐርብ የብሉን”ኢሉ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እቲ ውድድር ኣብ 2021 ዘይካየድ እንተኾይኑ ጥቅሊሉ ክቋረጽ ኣለዎ ኢሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ታሪኽ ውድድራት ኦሎምፒክ፡ በዘይካ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት እቲ ውድድር ብሰንኪ ኵናት ሓንሳብ ጥራይ እዩ ናዊሑ ዝፈልጥ።