ውድድር ቶክዮ-ኦሎምፒክ ድሕሪ 124 ዓመታት'ዩ ተናዊሑ

መግለጺ ቪድዮ, ውድድር ኦሎምፒክ ቶክዮ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተናዊሑ

ዓለም ለኻዊ ውድድር ኮይኑ በብ 4 ዓመታት ዝካየድ ውድድር ኦሎምፒክ ዓለም ኣብ ታሪኹ ንፈለማ እዋን ድሕሪ 124 ዓመታት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተትሓዘሉ ግዜ ሰሌዳ ንኸይካየድ ተወሲኑ። ንመሰናድኦ እቲ ውድድር ልዕሊ 12 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝገበረት ጃፓን ገንዘባዊ ሃስያ ከጋጥማ ከምዝኽእል ይግለጽ'ሎ።