ውድድር ቶክዮ ኦሎምፒክ ኣብ 2021 ክካየድ'ዩ ኢልካ ምሕሳብ 'ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ዩ'

olympics

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቶክዮ ኦሎምፒክ ካብ 23 ሓምለ 8 ነሓሰ 2021፡ ካከየድ እዩ ተተሊሙ ዘሎ

ዓለምለኻዊት ክኢላ ጥዕና፡ ኮሮናቫይረስ ክታበት እንተዘይተረኺብዎ፡ ኦሎምፒክ ቶክዮን ኦሎምፒክ ኣካለ ስንኩላንን፡ ከምቲ ተባሂልዎ ዘሎ ኣብ 2021 ክካየድ'ዩ ኢልካ ምሕሳብ 'ካብ ሓቂ ዝርሓቀ'ዩ" ኢላ።

ፕሮፌሰር ደቪ ስሪድሃር፡ ውጽኢታውን ናብ ኩሉ ክባጻሕ ዝኽእል ክታበት እንተተረኺቡ ጥራይ ውድድራት ኦሎምፒክ ኣብቲ ተሓሲብሉ ዘሎ ግዜ ክካየድ ከም ዝኽእል ትሕብር።

ፈጻሚ ሽማግለ ዓለምለኻዊ ኦሎምፒክ ኮሚቴ 2020፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝገበሮ ኣኬባ፡ እቲ ናብ 2021 ዝተሰጋገረ ኦሎምፒክ ኣብቲ ተሓሲብሉ ዘሎ ግዜ እንተተኻይዱ "ናብ መላእ ዓለም መልእኽቲ ተስፋ ከስርጽ'ዩ" ኢሉ'ዩ ደምዲሙ።

እንተኾነ ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲ ዓለምለኻዊ ኦሎምፒክ ኮሚቴ ጆን ኮትስ፡ ኮቪድ-19 ነቲ መዓልቱ ተናዊሑ፡ ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ 2021 ክካየድ ውጥን ተታሒዝሉ ዘሎ ኦሎምፒክ ብኸቢድ ክጸልዎ ከምዝኽእል ገሊጹ'ሎ።

ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲ ዓለምለኻዊ ኦሎምፒክ ኮሚቴ ጆን ኮትስ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ምምርማር ኣትሌታትን ምእካብ ህዝብን ኣብ ዝምልከት እቲ ኮሚቴ ብውድብ ጥዕና ዓለም ብዝውሃቡ መምርሒታት ተማእዚዙ ከምዝኸይድ ሓቢሩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኢደንበርግ ኣደ ወንበር ዓለምለኻዊ ጥዕና ዝኾነት ፕሮፌሰር ስሪድሃር እቲ ካብ 2020 ናብ 2021 ዝተሰጋገረ ውድድራት ኦሎምፒክ ክካየድን ዘይክካየድን ኣብ ምርካብ ክታበት ከምዝምርኮስ'ያ ትሕብር።

"ተመራመርቲ ከምዝሕብርዎ ዘለዉ፡ ምርካብ ክታበት ተኽእሎ ከምዘለዎ ክንርዳእ ክኢልና ኣለና፡ ዓመት ወይ ዓመትን ፈረቃን ክወስድ ይኽእል'ዩ፡ መን ይፈልጥ ቅድሚኡ'ውን ክርከብ ይኽእል'ዩ" ትብል።

ፕሮፌሰር ስሪድሃር ብምስዓብ "እቲ ክታበት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እተተረኺቡ'ውን፡ ኦሎምፒክ ኣብ ዝተወጠኖ ግዜ ክካየድ እንተኾይኑ፡ እቲ ክታበት ርትዓውን ኣብ ኩሉ ዝባጻሕ ክኸውን ኣለዎ"

". . . እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ኦሎምፒክ ኣብቲ ተመዲብዎ ዘሎ ግዜ ክካየድ'ዩ ኢልካ ምሕሳብ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ'ዩ" ኢላ።

ፕሮፌሰር ስሪድሃር " እቶም ኮሚቴ'ውን ንሓደ ዓመት'ሞ ከነናውሖ፡ ቀስ ኢልና ግዜ ርኢና ዳግመ ግምት ንገብር ምባሎም ቅቡል'ዩ" ትብል።

ኣብታ ነዚ ውድድር ኦሎምፒክ ከተካይድ ትሸባሸብ ዘላ ሃገር ጃፓን፡ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ክሳብ ግንቦት 6 ዝጸንዕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተደንጊጉ'ሎ።

ኮሚቴ ኦሎምፒክ ምስ ኣብ ጃፓን ዝርከቡ ኣወሃሃድቲ ሽማግለ ኦሎምፒክ፡ ብኮትስን ብፕረዚደንት ዮሺሮ ሞሪ ዝምራሕ ሓባራዊ ኮሚቴ ብሙቋም እቲ ኣብ 2021 ክካየድ ዝተመደብ ኦሎምፒክ ተፈጻምነት ንክህልዎ ኣብ ምጽዓር ይርከቡ።

ፕረዚደንት ዮሺሮ ሞሪ "እቲ ውድድር ኣብ መጋቢት 24 ናብ 2021 ክናዋሕ ምስ ተወሰነ፡ ካብታ ዕለት ጀሚርና ሓዲሽ ሓይሊ ዕማም ብምቋም፡ ንኩሉ ዘይግምታዊ ክስተታት ብምክትታል ከመይ ክብዳህ ከምዝኽእል ኣብ ምምይያጥ ኣለና" ኢሉ።

ብፕረዚደንት ዮሺሮ ሞሪ ብምስዓብ "ሎሚ እንገብሮ ሓደ ስጉሚ ነቲ ንዓመታ ዝኻየድ ውድድር ኣብ ግዚኡ ንኽካየድ ወሳኒ ተራ'ዩ ክህልዎ፡ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ምድላው ኢና ጸኒሕና፡ ሕጂ'ውን ምስ መሻርኽትና ብምዃን እዚ ውድድር ብዓወት ንኽዛዘም ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ።

ኮሮና