ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዘ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ነበር በርሉስኮኒ ሆስፒታል ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቀዳማይ ሚኒሰትር ዓዲ ጣልያን ነበር ወዲ 83 ሲልቭዮ በርሉስኮኒ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ኣብ ሕክምና ከምዝርከብ ኣንሳ ዝተሰመየት ማዕከን ዜና ዓዲ ጣልያን ሓቢራ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒሰትር ነበር ኣብ ከተማ ሚላን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኩነታት ጥዕንኡ ንኽፈልጥ ድሕሪ ምኻዱ ብረቡዕ ኣብ ዝተገበረሉ መርመራ ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦ ተገሊጹ።
የማናዊ መርገጺ ዘለዎ ሰልፉ ፎርዛ ኢጣልያ ኩነታት ጥዕና እቲ ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ከምዘየሎ ብምሕባር “ጽቡቕ’ዩ ዘሎ” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ክልተ ካብ ደቁ’ውን ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።
ሲልቭዮ በርሉስኮኒ ኣብ ሳርድንያ ኣብ ዕረፍቲ ድሕሪ ምቅናዩ ጓል 30 ዓመት ምስ ዝኾነት ማርታ ፋሲና ዝተብሃለት መጻምድቱ ኣብቲ ኣብ ሚላን ዝርከብ ገዝኡ ንዝሓለፈ መዓልታት ተወሺቡ’ዩ ጸኒሑ።
ጽቡቕ መዘናግዒ ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ሳርዲና፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ መጠነ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ምስ ዝበዝሐ ክፋል ዓዲ ጣልያን ብምንጽጻር ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ እዩ ዘሎ።
ኣባል ባይቶ ጸገማዊ ክንፊ ሰልፊ ፎርዛ ሉችያ ሮንዚሊ “ንምዕባለ እቲ ኮቪድ 19 ንምክትታል ቅሩብ ሕክምናዊ ምክትታል ስለዘድልዩ’ዩ ናብ ሆስፒታል ኣትዩ’ምብር ኣብ ድሓን ኩነታት’ዩ ዘሎ” ኢላ።
በርሉስኮኒ ናብ ሆስፒታል ምስ ኣተወ ክልቲኤን ሳንቡኡ ነድሪ ስለዘርኣያ ናብቲ ኣብ ሆስፒታል ሳን ራፋኤል ዝርከብ ማእከል መሐከሚ ሕሙማት ኮቪድ 19 ተሰጋጊሩ ኣሎ።
ኮቪድ 19 ዕድመ ንዝደፍኡን ሕዱር ሕማም ንዘለዎምን ዝያዳ ዘጥቅዕ ብምኳኑ ኩነታት በርሉስኮኒ ዘሻቐሎም ውሑዳት ኣይኮኑን።
ኣቐድም ኣቢሉ ናይ ውልቂ ዶክተሩ ኣልቤርቶ ዛንግሮሎ፡ በርሉስኮኒ ምልክታት እዩ ዘየርኣየ’ምብር ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ኣሎ ኢሉ ነጊሩ እዩ።
ብኮቪድ 19 ኣበይን ብኸመይን ከምዝተለኸፈ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ዝገልጽ በርሉስኮኒ፡ ብሓሙስ ንኣባላት ሰልፉ ብናይ ቴሎፎን ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ “ኣብዚ ዝካየድ ጎስጓስ ናይ ምረጹኒ ክንዲ’ቲ ዝግብኣኒ ክሰረሕ እየ” ኢሉ።
ጣልያን ካብ 21 ክሳብ 22 መስከረም ዞባዊ መረጻ ከተካይድ እያ።
በርሉስኮኒ ንጣልያን ኣርባዕተ እብረ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝመርሓ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ኣባል ባይቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኮይኑ ምምራጹ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ዘበነ ሰልጣኑ ብብልሽውናን ብዝሙትን ብተደጋጋሚ ዝኽሰስ ዝነበረ በርሉስኮኒ፡ ኣብ 2013 ግብሪ መንግስቲ ኣጠፋፊእካ ተባሂሉ ካብ ኣባልነት እታ ባይቶ ከምዝእለ ተገይሩ ነይሩ እዩ፡ እንተኾነ ድሒሩ ኣቲ ኣብ ህዝባዊ ቤት ጽሕፈታትን መንግስታዊ ጽፍሕታትን ከይሰርሕ ተነቢርዎ ዝነበረ እገዳ ክልዓለሉ ክኢሉ እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







