መርሲ ባጉማ፡ ኣብ ጎኒ 'ዝጠመየ ውላዳ' ሞይታ ዝተረኽበት ስደተኛ ኣደ

መርሲ

ምንጪ ስእሊ, Postive Action in Housing

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ስኮትላንድ ከተማ ግሳስጎው ሓንቲ ኣደ ኣብ ጎኒ ብጥሜት ዝሳቐ ወዳ ሞይታ ከምዝተረኽበት ተሓቢሩ።

እዛ መርሲ ባጉማ ዝተባህለት ኣደ መበቆላ ኡጋንዳዊት ኮይና ዝሓለፈ ቀዳም ወዳ ክበኪ ዝሰምዑ ሰባት እዮም ኣብ ገዝኣ ሞይታ ረኺቦምዋ።

እቲ ቖልዓ ወዲ ሓደ ዓመት ኮይኑ፡ ብስእነት ዝብላዕ መግቢ ማሲኑ ከምዝተረኽበን ፖሊስ መርመራ ከምዝጀመሩን ተገሊጹ።

ኣፈኛ ፖሊስ ከምዝሓበሮ፡ ሞት መርሲ ባጉማ ገና ሚስጢራዊ ከምዘሎ ገሊጹ።

ንስደተኛታት ዝሕግዝ ትካል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መርሲ ዕቑባ ሓቲታ ኣብ ክቱር ድኽነት ትነብር ከምዝነበረት ሓቢሩ።

ንሳ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ምስራሕ መሰላ ምስ ወደቐ ካብ ስርሓ ከምዝተባረረት እቲ ትካል ጠቒሱ።

ወዳ ኣብ ጎኒ ሬሳ ኣዲኡ ኮይኑ ክበክን "ንሓያሎ መዓልታት ብጥሜት ክሳቐን" ከምዝጸንሐ ዳረክተር እቲ ትካል ሓቢራ።

እቲ ቖልዓ ኣብዚ እዋን ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘሎን ምስ ኣብኡ ይነብር ከምዘሎን ተገሊጹ።

ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት

እቲ ንስደተኛታት ዝሕግዝ ግበረ-ሰናይ ትካል፡ መርሲ፡ ቅድሚ ሓያሎ ሰሙናት ንወዳን ነብሳን ክተናቢ ገንዘብ ከምዘይብላ ሓቢራቶም ከምዝነበረት ገሊጹ።

ኣፈኛ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፡ እዚ ዝሕዝን ኩነታት ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ ንስድራ-ቤተ መርሲ ጽንዓት ይሃብኩም ኢላ።

ብምቕጻል፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ንውሕስነት ዕቑባ ሓተትቲ ብዕቱብ ከምዝከታተሎን፡ ንጉዳይ መርሲ ምሉእ መርመራ ከምዝግበርን ኣፍሊጡ።

ንስደተኛታት ዝሕግዝ ትካል ከምዝሓበሮ፡ ሞት መርሲ ባጉማ ካብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ግላስጎው ካብ ዝተፈጸሙ ዘሕዝን ፍጻመታት ሓደ እዩ ክብል ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ሓደ ስደተኛ ን 6 ሰባት ብኻራ ምስ ወግኦም ብፖሊስ ተቐቲሉ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ድማ፡ ወዲ 30 ዓመት ሲርያዊ ስደተኛ ኣብ መደቐሲ ሞይቱ ተረኺቡ።