ህቦብላ ኢሳይያስ ኣብ ካሪብያንን ኣመሪካን ዓቢ ዕንወት የውርድ ኣሎ

ገማግም ማያሚ ፍሎሪዳ ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ህቦብላ ኢሳይያስ ናብ ምብራቓዊ ገማግም ይግስግስ ኣሎ።

ኢሳይያስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓያል ዝናብ ዝተሓወሶ ወቕታዊ ህቦብላ ኣብ ብምብራቓዊ ገማግም ኣመሪካ ብምብጽሑ ከቢድ ዕንወት ከየውርድ ስግኣት ፈጢሩ’ሎ።

እቲ ኣብተን ኣብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዝርከባ ደሴታት ካርቢያን ዓቢ ዕንወት ኣውሪዱ ዝሓለፈ ህቦብላ፡ ካብቲ ዝነበሮ ናይ ሀረኬን ደረጃ ወሪዱ ከምዘሎ’ውን ተፈሊጡ።

ኣመሓዳሪ ናይታ ኣብ ቅድሚ ህቦብላ ኢሳይያስ እትርከብ ክፍለሃገር ፍሎሪዳ፡ ሮን ደሳንቲስ፡ ህዝቢ ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ብምጽዋዕ፡ ሰብመዚ ንገማግም ባሕሪን መናፈሲታትን ዓጽዮሞ፡ መዕቆቢ ኣዳልዮም ከምዘለዉን ሓቢሩ።

ፍሎሪዳ፡ ካብተን ብኮቪድ-19 ኣዝየን ዝተሃስያ ክፍለሃገራት ኣመሪካ ምዃና ይግለጽ። ክሳብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ነበርታ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ።

ብሰንኪ እቲ ህቦብላ ፈጢርዎ ዘሎ ስግኣት፡ መመርመሪ ማእከላት ኮሮናቫይረስ ንግዚኡ ተዓጽየን ኣለዋ።

እቲ ህቦብላ፡ ትማሊ ሰንበት ናብ ገማግም ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ሓያል ጸፍዒ ማይ ከም ዝነበረን፡ ኣብ ሰዓት 105 ኪሜ ይወንጨፍ ምንባሩን ተፈሊጡ።

ኣብዘን ዝመጻ መዓልታት፡ ኣብ ገማግም ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ኣብ ዝርከባ ክፍለሃገራት ጆርጅያ፡ ሳውዝ ካሮሊናን ሰሜን ካሮሊናን ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።

ዛጊት፡ ኣብ ፍሎሪዳ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ምቁራጽ ኤሌክትሪክ ኣስዒቡ’ሎ። ነበርቲ ኸኣ፡ ንሓደ ሰሙን ዝኣኽሎም መግቢ፡ ማይን መድሃኒታትን ከዳልዉ ኣመሓዳሪ ደሳንቲስ ተማሕጺኑ።

ብፍላይ እቶም ኣብቲ በቲ ኣዕናዊ ህቦብላ ዝተጸልዉ ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት፡ ካብ ገዛውቶም ከይወጹን፡ እቶም ኣብ ተንቀሳቐስቲ ገዛውቲ ዝነብሩ ድማ ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙን ሰብመዚ ጸዊዖም።

ይኹን እምበር፡ እቲ ህቦብላ እናተዳኸመ ብምምጽኡ፡ እቲ ተፈሪሁ ዝነበረ ዕልቕልቕ ከምቲ ዝተፈርሆ ከምዘይከውን ሰብመዚ ተዛሪቦም።

ኢሳይያስ፡ ድሮ ኣግራብ ካብ ሱሮም በንቊሱ፡ ዘራእቲ ደምሲሱን ኣባይቲ ኣዕንዩን ኣሎ። ኣብ ማያት ካሪብያን ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዶሚኒካን ሪፓብሊን ፖርቶሪኮን’ውን ምህማም መሬት ኣስዒቡ’ሎ። ዛጊት 2 ሰባት በቲ ህቦብላ ሞይቶም ኣለዉ።