ኣብ ከተማ በርሊን ሳእኒ እትሰርቕ ወኻርያ ተረኺባ

ኣግራብ ኣብ ዝበዝሖ ወሰናስን ከተማ በርሊን እትነብር ወኻርያ መዛረቢት ማዕከናት ዜና ኮይና ቀንያ።
ከተማ በርሊን ኣብ ተዛማዲ ጸሓይ ዝዓብሎሎ ኩነታት ኣየር እያ ዘላ፡ ሰባት ድማ ፍኩስ ዝበለ ክዳንን ሸበጥን ለቢሶም ምዝዋር እዩም ዘዘውትሩ።
ኣብ ኣፍደገ ገዝኦም ዝገደፍዎም ሸበጥን መጉየዩ ሳእንን ብተደጋጋሚ ይጥፍኦም ምህላዉ ዝሕበሩ ሰባት ድማ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክብርክቱ ጀሚሮም።
ብፍላይ ነበርቲ ከባቢ ዘህለንዶርፍ ኣሳእኖም ብለይቲ ካብ ኣፍደገ ገዛ ክስረቕ ምስ ጀመረ ኣብ ዓቢ ምጥርጣር’ዮም ኣትዮም።

ምንጪ ስእሊ, @FHackenbruch
ኣብ መወዳእታ ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ ኣብ ኣፋ ጽምዲ ጫማ ዝሓዘት ወካርያ ምስ ረኣየ ኣቃልብኡ ክሰሓብ ክኢሉ።
ንሱ ምስ ደይሊ ታጋሳፒገል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ “ክልተ ሰመያዊ ሸበጥ ኣብ ኣፋ ሒዛ እናጎየየት እንከላ እየ ርእየያ” ኢሉ።
እታ ወኻርያ ምክትታል ምስ ተገበረላ ኣብ ሰፈራ ልዕሊ 100 ጽምዲ ሸበጥ ክርከብ እንከሎ፡ እቲ ደቂ ተባዕትዮ ንመጉየዩ ዝጥቀምሉ ፎኵስ ኣሳእን ግን ክርከብ ኣይተኻኣለን።
ኤዲተር ደይሊ ታጋሳፒገል ፈሊክስ ሃከንባርች ስእሊ ኣሰንዩ ኣብ ትዊተር ምስ ለጠፎ፡ ኣብ ከባቢታት ዘህለንዶርፍ ሳእኒ ጥራይ ዝሰርቕ ስዉር ገበነኛ ኣትዩ ኣሎ እናበሉ ተረበሾም ዝነበሩ ነበርቲ ፍኵስ ዝበሎም ይመስሉ።











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



