ባርዕ ጫካ ኣውስትራልያ “ልዕሊ ሰለስተ ቢልዮን እንስሳታት ቀቲሉን ሃስዩን”

ድሕሪ እቲ ባርዕ እንስሳታት መፅለልን ምግብን ንምርካብ ብድሆ ኮይንዎም ጥሪ 2020

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ እቲ ባርዕ እንስሳታት መፅለልን ምግብን ንምርካብ ብድሆ ኮይንዎም

ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣውስትራልያ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ፡ ልዕሊ ሰለስተ ቢልዮን እንስሳታት ከምዝሞቱን ከምዝተፈናቐሉን ዝተገበረ መጽናዕቲ ይሕብር።

እቲ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ “ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዘጋጠመ ዝኸፈአ ሓደጋ” ምዃኑ ከምዘርኢ፡ ነቲ መጽናዕቲ ዝመወለ ዓለም-ለኻዊ ትካል ምዕቃብ ተፈጥሮ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣውስትራልያ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ፡ 33 ሰባት ከምዝቐተለ ይዝከር።

ካብ እንስሳታት እውን ኣጥበውቲ፣ ለመምታ፣ ኣዕዋፍን እንቅሮዖብን ብብዝሒ ብሰንኪ እዚ ባርዕ ሞይቶም እዮም።

እቲ ባርዕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2020 ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ኣብ ዝበጸሓሉ፡ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስን ቪክቶርያን ጥራይ፡ ብሰንኪ እዚ ባርዕ 1.25 ቢልዮን እንስሳታት ከምዝሞቱ’ዮም፡ እቶም ተመራምርቲ ሓቢሮም።

እቲ ምርምር ኣብ 11.46 ሚልዮን ሄክታር (ማዕረ ስፍሓት ዓዲ እንግሊዝ) ዝተገበረ ኮይኑ፡ ካብ ወርሒ መስከረም ክሳብ ወርሒ ለካቲት ንዝነበረ ግዜ ዘጠቃለለ እዩ።

እቲ ዝተፈጠረ ጽልዋ እንታይ እዩ?

10 ተመራመርቲ መሪሑ ነዚ ምርምር ዘካየደ ፕሮፌሰር ክሪስ ዲክማን፡ “ሰለስተ ቢልዮን እንስሳ ጠፊኦም ወይ ተፈናቂሎም ክንብል እንከለና፡ እቲ ቁጽሪ ኣዝዩ ዓቢ እዩ”ኢሉ።

እቲ ፕሮፈሰር ብዝሒ ናይ ዝሞቱ እንስሳ ንምግላጽ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ብምሕባር፡ እቶም ኣብ ክሊ እቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ቦታ ይነብሩ ዝነበሩ እንስሳታት፡ ዋላ ካብቲ ባርዕ ይውጽኡ ብሰንኪ ጽምእን ጥምየትን ናይ ምድሓን ተኽእሎኦም ጸቢብ ምዃኑ እዩ ዝገልፅ።

እቲ ቁጽሪ ቅድሚ እቲ ባርዕ ምኽሳቱ ኣብቲ ቦታ ይነብሩ ዝነበሩ እንስሳታት ምስ ናይ ሕጂ ብምቕማር ከምዝረኸብዎ’ውን፡ ፕሮፌሰር ክሪስ ዲክማን ሓቢሩ።

ብሓፈሻ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ከባቢታት 30 ሚእታዊት ካብ እንስሳታት ከምዝሞቱ ወይ ከም ከምዝተፈናቐሉ እዩ እቲ መጽናዕቲ ዝሕብር።

መንግስቲ ኣውስትራልያ ንሕውየት እዚ ብባርዕ ዝተሃሰየ ከባቢታት፡ እንስሳታት ናብ ንቡር ንክምለሱ፡ 35 ሚልዮን ዶላር ከምዝሰለዐ ይፍለጥ።