ብቤት-ፍርዲ ብዋሕስ ክፍትሑ ዝተወሰነሎም ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ሓድሽ ክሲ ተመስሪትዎም

ህወሓት

ምንጪ ስእሊ, TPLF

ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ዝተኣሰሩ ክልተ ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቃንን ኣይተ ተስፋ ኣለም ይሕደጎን፡ ትማሊ ቀዳማይ ደረጃ ቤት-ፍርዲ ኣራዳ ብዋሕስ ገንዘብ ክፍትሑ ዋለ'ኳ እንተወሰነ፡ ፖሊስ ናብ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ምድብ መጋባእያ ልደታ ይግባይ ብምባሉ፡ ንተወሰኽቲ 7 መዓልታት ቆፀራ ተዋሂብዎም።

ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት እቲ ውድብ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባን ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቃንን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ነበርን ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ፍትሕን ሕግን ፌደራል ኮይኑ ይሰርሕ ዝነበረ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎን፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን እዮም፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

እቶም ሰብመዚ፡ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ቆፀራታት፡ 'ናይ ዓዲ ምስጢርን መረዳእታን ንናይ ዓድን ወፃእን ኣሸበርቲ ኣሕሊፍኩም ሂብኩም ከምኡ'ውን ኣብ ኣዲስኣበባ ተፈጢሩ ምስ ዝነበረ ህውከት ድማ ናዕቢ ንምልዓል ተንቀሳቒስኩም' ዝብል ክሲ ቀሪብሎም ከምዝነበረ ይግለጽ።

ብመሰረት እዚ ቆፀራ፡ ትማሊ ቀዳማይ ደረጃ ቤት-ፍርዲ ኣራዳ ተኸስስቲ ብዋሕስ ክፍትሑ ወሲኑ። ይኹን'ምበር ፖሊስ ናብ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ፌደራል፡ ምድብ መጋባእያ ልደታ ይግባይ ብምባሉ፡ እዞም ሰብመዚ ህወሓት ከይተፈትሑ ከምዝተረፉ ጠበቓ እቶም ጥርጡራት ኣይተ ክፍላይ መሓሪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ማእኸላይ ቤት-ፍርዲ ዋሕስ ፈቒድሎም። ስድራ ንክፍትሑ፡ መፍትሒ ወረቐት ሒዞም እናተንቀሳቐሱ ከለዉ፡ ፖሊስ ፅዒኑ ናብ ቤት-ፍርዲ ወሲድዎም። ስለዚ እቲ መፍትሒ ወረቐት ተፈፃምነት ክረክብ ኣይከኣለን። ከይተፈትሑ እዮም ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም" ኢሉ ኣይተ ክፍላይ መሓሪ።

ፖሊስ ኣብ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ፡ እዞም ሰብመዚ "ዓመት ሙሉእ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከባብታትን ዓመፅን ናዕብን ከልዕሉ ይንቀሳቐሱ ነይሮም" ዝብል ካልእ ተወሳኺ ሓድሽ ክሲ ሒዙ ከምዝቐረበ፡ ኣይተ ክፍላይ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ፖሊስ፡ ምስ ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቃን ሓንቲ ሽጉጥ፡ ምስ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ ድማ ክላሽንን ሽጉጥን ተረኺቡ ዝብል ክሲ'ውን ከምዘቕረበ ዝገለፀ ኣይተ ክፍላይ፡ "እዚ መረዳእታ የብሉን ተባሂሉ ነይሩ። ናይ መንግስቲ ኣካል ዘዕጠቖም ዕጥቂ ከምዝኾነን ፍቓድ ዘለዎን ምዃኑ ኣረዲእና ኢና። እቲ ፍቓድ'ውን ናብ ቤት-ፍርዲ ኣቕሪብና ነይርና። ፖሊስ ግና 'በዚ ብረት እዚ ታይ ከምዝተሰርሐ ኣይንፈልጥን' ዝብል ከም ምኽንያት ኣቕሪቦም" ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ፖሊስ፡ ናብ ኢንሳ ዝለኣኽናዮም ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት፡ ተመርሚሮም ክሳብ ዝመፅኡልና ዝብልን፡ ምስቲ ዝተፈጠረ ህውከት ብዝተሓሓዝ ነፃርይ ኣለና ኢና ብዝብል ተወሳኺ ግዘ ንክወሃቦም ብምሕታቶም፡ ቤት-ፍርዲ ንተወሳኺ ሸውዓተ መዓልታት ቆፀራ ከምዝሃበ፡ ጠበቓ ክፍላይ ንቢቢሲ ገሊፁ።

"ስለዚ እቲ መፍትሒ ወረቐት ተፈፃምነት ክረክብ ኣይከኣለን። ከይተፈትሑ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም። ሕዚ'ውን ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ግዘ ቆፀሮ ስለዝተፈቐደሎም ኣይተፈትሑን" ኢሉ።

መራሒ መኪና ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ህወሓት ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ዝኾነ ኣይተ ስምኦንን ዘዋሪ መኪና ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቃን'ውን ምስዞም ሰብመዚ ተኣሲሮም ከምዘለው ይፍለጥ።